ሰሜን ኮርያ፡ ቻይና ንዘቕረበቶ ኣስታት ሰለስተ ሚሊየን ክታበት ኮቪድ-19 ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ኣስታት ሰለስተ ሚሊየን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንኻልኦት ሃገራት ንክወሃብ ከም ዝሓተተት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ፡ ሰሜን ኮርያ ብምኽንያት እቲ ዝርኣይ ዘሎ ሕጽረት ክታበት እቲ ዝቐረበላ ክታበት ኣዝየን ንዝተጠቕዓ ሃገራት ክመራቓሕ ሓቲታ ኢሉ።
እዚ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ [ሲኖቫክ] ብመገዲ ንድኻ ሃገራት ክታበት ዘመራቕሕ ፕሮግራም ኮቫክስ ኣቢሉ ዝተዋህባ'ዩ ነይሩ።
ሰሜን ኮርያ ኣካል እዚ መስርሕ ምብጻሕ ክታበታት እኳ እንተኾነት ክሳብ ሕጂ ግን ካብ ኮቫክስ ኣይተቐበለትን።
እታ ሃገር እቲ ለበዳ ካብ ዝርአ ጀሚራ ኣዝዩ ጽኑዕ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ከም ዝደንገገት ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣቐዲመን ዶባተን ካብ ሞንጎ ዝዓጸዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ይኹን'ምበር ክኢላታት ሰሜን ኮርያ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ተቖጻጺራቶ'ያ ኣብ ዝብል ጥርጣረ ክህልዎም እንከሎ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ቻይና ኣብ ውሽጢ ሰሜን ኮርያ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣሎ ኢላ ከም እትሰግእ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ሰሜን ኮርያ፡ ክታበት ኣይቕበልን ኢላ ክትነጽግ እንከላ እዚ ናይ መጀመርትኣ ኣይኮነን።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ ብዝብል ኣስታት ክልተ ሚሊየን ክታበት ኣስትራ ዘኔካ ኣይቕበልን ከም ዝበለት ተገሊጹ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሩሲያ ዘፍረየቶ ክታበት ስፑትኒክ ከቕርቡላ ብተደጋጋሚ ከም ዝሓተቱ ተዛሪቡ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ውጽኢታውነት እቶም ክታበታት ገለ ጥርጣረታት ከም ዘለዋ ትገልጽ።
መንግስቲ ኣብታ ሃገር ብኮቪድ-19 ዝተለኸፈ ዝብሉ ጸብጻባት እኳ እንተኣቕረበ፡ ኣብዚ ዓመት ግን ፕሬዝደንት ኪም ጆንግ ኡን ምስቲ ቫይረስ ዝተኣሳሰር'ዩ ተባሂሉ ብዝግመት "ከቢድ ክስተት" ንላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገሩ ተቖጢዑዎም ምንባሩ ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







