ኮሮናቫይረስ፡ ጃፓን ኣብ ውሽጢ ክታበት ሞዴርና ጸሊም ዝሕብሮም ቁርጽራጽ ነገራት ረኺበ ኢላ

ክታበት ሞዴርና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጃፓን ሞዴርና ኣብ ዝተባህለ ዓይነት ክታበት ኮቪድ-19፡ ጸሊም ሕብሪ ዘለዎም ደቀቕቲ ባዕዲ ነገራት ምርካባ ኣፍሊጣ።

ሓደ ፋርማሲስተ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብርክት ዝበለ ጸሊም ባዕዲ ነገራት ከም ዝረኸበ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

ብዙሓት ሰባት ድማ ምስቲ ቁርጽራጽ ነገራት ዝተረኸቦ ብልቃጥ ተጠሚሮም ካብ ዝመጽኡ ካልኦት ብልቃጣት ከም ዝተኸተቡ ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ጥምሮ (‘ባች’) ንሰባት ካብ ምኽታብ ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ።

እታ ሃገር ቅድም ክብል’ውን ኣስታት 1.63 ሚልዮን ክታበት ሞዴርና ተበኪሉ ብዝብል ድሕሪ ምእጋዳ’ዩ እዚ ናይ ኩነታት ኣጋጢሙ ዘሎ።

እቲ ፋርማሲስት ኣብ ውሽጢ እቲ ክታበት ባዕዲ ነገራት ከይህልው የረጋግጽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቶም ጸለምቲ ደቀቕቲ ነገራት ክረክብ ከም ዝኸኣለ ድማ ተገሊጹ።

ማዕኸናት ዜና ጃፓን ከም ዝበልኦ ብሰንኪ እቶም ብኽለት ዘጋጠሞም ዝተባህሉ ክታበታት ዛጊድ ዝተረኣየ ሓደጋ ጥዕና የለን።

ኣብታ ሃገር ክታበታት ዘቕርብ ታኬዳ ዝተባህለ ኣከፋፋሊ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን እቶም ባዕዲ ነገራት ተረኺቦም ምስ ተባሃለ ሰለስተ ጥምሮታት ክታበት ሞዴርና ናብ ዕዳጋ ካብ ምቕራብ ገቲኡ’ሎ።

ነቶም ክታበታት ዝዕሽግ ሮቪ ዝተባህለ ስፔናዊ ትካል መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ እቲ ጸገም ኣብ ስፔን ኣብ መስርሕ ምፍራይ ዘጋጠመ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ምጽራይ ከካይድ ምጅማሩ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ውድድራት ፓራለምፒክ ተአንግድ ዘላ ጃፓን ኣዝዩ ይውስኽ ምስ ዘሎ ምልባዕ ኮቪድ ኣብ ምቅላስ ትርከብ።

ዛጊድ ልዕሊ 40 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ምሉእ ክታበት [ክልተ ዙር] ዝወሰደ ኮይኑ፡ 50 ሚኢታዊት ድማ ገና ነቲ ቀዳማይ ዙር ክታበት ጥራሕ ወሲዱ’ሎ።