ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተረኸበን ተመራመርቲ ጥቡቕ ክትትል ይገብሩሉ ምህላዎምን ተሓቢሩ።
ብተደጋጋሚ ናይ ምቅይያር ባህርያት ከም ዘርእይ ዝተዘረበሉ ሲ12 ዝተባህለ እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ክንዲምንታይ የስግእ ኣብ ዝብል ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
በዚ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ኩለን ግዝኣታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እስያ፣ ኣውሮጳን ኦሽኒያን ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ምስ ምቅይያር ባህርያቱን ተላባዕነቱን ብዝተሓሓዝ ሰፊሕ መጽናዕቲ ይካየደሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴክኒካዊ መራሒት ጉዳያት ኮቪድ-19 ማሪያ ቫን ከርክሆቭ፡ ዛጊድ ዘሎ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ “ተላባዕነቱ ቅልጡፍ ኣይመስልን” ኢላ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ‘ደልታ’ ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብዝለዓለ ደረጃ ናይ ምልባዕ (ዝርግሐ) ዓቕሚ ከም ዘለዎ ድማ ሓቢራ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ብ ‘ደልታ’ ን ‘ቤታ’ን ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ትርከብ።
ዛጊድ ድማ 2,770,575 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክርከቡ እንከለው ካብ ሞንጎኦም 81,830 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







