ኣፍሪቃ፡ ኣብ እዋን ኮቪድ ኣታዊአን ከዕብያ ዝኸኣላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኸመይ?

ሻሮን ታሪት

ምንጪ ስእሊ, SHARON TARIT

መግለጺ ስእሊ, ሻሮን ታሪት

እዘን ዛንትአን እነቕርበልኩም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ቅድሚ ሎሚ ስርሐን መምህር፣ ወናኒት ሹቕን ኣገልግሎት ታክሲን ነይሩ።

ሰለስቲኤን ድማ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ዝተዋፈራሉ ስራሕ ገዲፈን ናብ ናይ ዲጂታላዊ ደምብ ንግዲ (ኦንላይን ንግዲ) ኣትየን ኣለዋ።

ናብቲ ብኦንላይን ዝሳለጥ ንግዳዊ ንጥፈታት ምስ ኣተዋ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዝአን ንደቀን እናተኸናኸና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ዝሓሸ ኣታዊ ክረኽባ ክኢለን።

እዘን ኣብነታውያን ደቂ ኣንስትዮ ኬንያዊት፣ ናይጀርያዊትን ጋናዊትን እየን፤ ተሞክሮአን ይስዕብ።

Short presentational grey line

ሻሮን ታሪት

ኬንያዊት እያ፤ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ነቲ ዝነበራ ኣታዊ ብዕፅፊ ክተዕብዮ ከምእትኽል ሓሲባ ኣይትፈልጥን።

ኣብ ኬንያ - ኤልዶሬት- ዝተባህለ ከባቢ ዝነበራ መሸጢ ክዳን ቈልዑት ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዓጽዩ።

ነቲ ሹቕ ምስ ዓጸወቶ ግን ኢዳን እግራን ኣጣሚራ ኮፍ ክትብል ኣይመረጸትን።

ናብ ከም ‘ኤይር ቢ ኤን ቢ’ [Airbnb] ዝበሉ ናይ ኦንላይን ንጥፈታት ንግዲ ክትፅምበርን ዝተፈላለዩ ነገራት ብመሸጣ ከምኡ’ውን ብክራይ ክተቀላጥፍ’ያ ወሲና።

ጓል 29 ዓመት ሻሮን ታሪት፡ ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ብፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዋትሳፕ ከምኡ’ውን ኡበርን ቦልት [ናይ ታክሲ ኣገልግሎት] ብዝሳለጡ ኦንላይን ንግዳዊ ንጥፈታት ፅቡቕ ኣታዊ ይረኽባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እያ።

ሓደ ገዛ ብምክራይ ዝጀመረቶ ስራሕ ሕጂ ናብ ትሸዓተ ገዛውቲ በፂሑ’ሎ። ነቶም ገዛውቲ ኣብ ኦንላይን ‘ብኤይር ቢ ኤን ቢ’ እናላለየት ተካርዮም።

መብዛሕቲኦም ተኻረይቲ በፃሕቲ ዓዲን ንንግዲ ዝገሹን እዮም።

“ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ብዙሓት መሓዙተይ ስርሐን ስኢነን እየን። ብድሕሪኡ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ዲጂታላዊ መድረኽ ተፀምቢረን። ዝተፈላለዩ ነገራት ይሸጣን ናብ ዓማዊል ናይ ምብጻሕ ስራሕቲ ይሰርሓን ኣለዋ” ትብል።

Short presentational grey line

ጆሴፊን ኣድዞግብሌ

ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ እትነብር ጓል 32 ዓመት ጆሴፊን ብዋትሳፕን ፌስቡክን ዝተፈላለዩ ነገራት እናላለየት ኣብ ምሻጥ ትርከብ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ድማ ከም ዓብዪ ዕድል ክትጥቀመሉ ኣላ።

ከም ሞባይል ስልኪ፣ ‘ኤይር ኮንድሽኒን’ [ንዋዒን ዛህሊን ዘመጣጥን ኤለክትሪኒካዊ ኣቕሓ]፣ ቴሌቪዥናት ዝበሉ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ዋትሳፕን ፌስቡክን ብምውዕዋዕ ትሸይጥ።

ጆሰፊን

ምንጪ ስእሊ, JOSEPHINE ADZOGBLE

መግለጺ ስእሊ, ጆሰፊን

ቅድም ኢሉ ቋንቋ ፈረንሳ ትምህር ነይራ፤ ነዚ ስርሓ ገቲኣ ድማ ኣብ ንግዲ ኦንላይን ብምድሃብ ኣታዊኣ ከተዕቢ ክኢላ ኣላ።

“ካብ መምህርነት ዝሓሸ ኣታዊ ኣለዎ። ሓደ ኣቕሓ ሸይጠ ካብቲ መምህር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዝኽፈለኒ ወርሓዊ መሃያ ዝበልፅ እረክብ። ኣደ ቆልዑት እየ፤ ብዝኸኣልክዎ ደቀይ ኣብ ፅቡቕ ክመሃሩ ድልየት ኣለኒ” ትብል።

ኣብ ናይ ኦንላይን ንግዲ ዕውት ንክትኸውን ምስ ዓማዊል ዘለካ ርክብ ዝጸንሐ ክኸውን ከም ዝግባእ ትምዕድ።

“ከምኡ እንተኾይኑ ካባኻ ይዕድጉን ተመሊሶም ይመፅኡኻን” ክትብል እውን ተሞክሮኣ ተካፍል።

Short presentational grey line

ኣዮባሚ ላዋል

እዛ ጓል 34 ዓመት ናይጄርያዊት ኣብዚ እዋን ኣብ ጎደናታት ከተማ ሌጎስ ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ትርከብ።

ነዚ ኣገልግሎት እትህበሉ መገዲ ድማ ኡበርን ቦልትን ብዝበሃሉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ኩባኒያታት እዩ።

ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑን ምስ በዓል ሓዳራ ዝተፋትሐትን ኣዮባሚ ከም እትብሎ እዚ ስራሕ ፈተናታት ኣይሰኣኖን።

ገለ ደቂተባዕትዮ ብጓልኣንስተይቲ መራሒት መኪና ናብ ዝደለይዎ ቦታ ክኸዱ ኣይደልዩን።

“ኣብ ሌጎስ ነዚ ስራሕ ምስ ጀመርኩ ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ታክሲ ጠሊቦም ምስ ከድክዎም ጓልኣንስተይቲ ምዃነይ ምስ ረኣዩ ነቲ ጠለቦም ይስርዝዎ ነይሮም” ትብል ካብ ዘጋጥምዋ ብድሆታት ነቲ ሓደ ክትጠቅስ ከላ።

ኣዮባሚ ላዋል

ምንጪ ስእሊ, AYOBAMI LAWAL

መግለጺ ስእሊ, ኣዮባሚ ላዋል

ወሲኻ፡ “ሌጎስ ዝተጨናነቐት ከተማ እያ። ናብ ማእኸል ከተማ ክትዝውር እንተኾይንካ ተባዕ ክትኸውን ኣለካ። ደቂተባዕትዮ ኣነ ከምኡ ዝበለ ጥንካረ ከም ዘለኒ ኣይግንዘቡን። ናብ መኪናይ ክኣትዉ እንተኾይኖም ከእምኖም ኣለኒ” ትብል ጆሴፊን።

‘ካሪቡ ዲጂታል’ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል መፅናዕቲ ንኹነታት እዘን ሰለስተ ደቂኣንስትዮን ካልኦትን ብዝምልከት ዳህሳስ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ብዙሓት ኣብዚ ናይ ኦንላይን ኣገልግሎት ታክሲ ዝዋፈራ ደቂኣንስትዮ ምስ ድሕንነተን ብዝተሓሓዝ ስግኣታት ኣለወን።

መራሒት እቲ መፅናዕቲ ግሬስ ነታባሎ “ብዙሓት ዘዘራረብናየን ደቂኣንስትዮ ሰባት ከብፅሓ ከለዋ ፆታዊ ትንኮያታት ከም ዝበጽሐን ሓቢረናና እየን” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

መንግስታት ንደቂኣንስትዮ ናብዚ ስራሕ ንኽኣትዋ ከተባብዑ ከለዉ በቲ ኻልእ ገፅ ዘሎ ስግኣታት ድሕነት እውን ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዘለዎም’ያ ትገልፅ።