ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ናይ ዒድ ሶላት ኣብ ኣደባባይ ከምዘይተኻየደ ነበርቲ ገሊጾም

ጎንደር

ቅድሚ ሰሙን ሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንጺ ዘተኣናገደት ከተማ ጎንደር፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ንናይ ዒድ ሶላት ናብ ኣደባባይ ከይወጹ ከምዝተረፉ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ነበርቲ ከምዝገለጽዎ፡ ቅድሚ ሕዚ ስነ-ስርዓት ሶላት ዒድ ዝካየደሉ ዝነበረ ስታድዮም ፋሲለድስ ጽምዋ ዓሲልዎ ውዒሉ፡፡

እቲ ኣብ ስታድዮም ዝካየድ ሓበራዊ ስነ-ስርዓት ስግደት፡ ብሰንኪ ስግኣት ድሕነት እንከይተኻየደ ምትራፉ እቶም ነበርቲ ከተማ ጎንደር ኣመንቲ እስልምና ገሊጾም፡፡

ቤት ምኽሪ ኡለማ ከተማ ጎንደር፡ ትማሊ ማሕበረሰብ ሙስሊም ነቲ በዓል ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ከብዕሎ ጻውዒት ምቕራቡ እውን ተገሊጹ ኣሎ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ 23 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘መንግስቲ ግቡእ ሓላፍነት ክዋጻእ ኣብዘይክእለሉ ኩነታት፡ ንርእስኻ ካብ ሓደጋ ምሕላው’’ ኣድላዪ ብምዃኑ፡ ኣመንቲ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ገዝኦም ከሕልፍዎ ውሳነ ከምዘሕለፈ ይገልጽ፡፡

ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ኣብ 18 ሚያዝያ ኣብ ተማ ጎንደር ዘጋጠመ ጎንጺ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ፍትሒ ክረኽቡን ንብረቶም ዝዓነዎም እውን ከከሓሱን እቲ ቤት ምኽሪ ጸዊዑ፡፡

ሽሙ ክዕቀብ ዝደለየ ነባሪ ከተማ ጎንደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘‘ዋላኳ መንግስቲ ናይ ዒድ ሶላት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስታድዮም ክኽበር ጻዕሪ እንተገበረ፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም (ነቲ በዓል) ኣብ ገዝኡ እዩ ኣሕሊፍዎ’’ ኢሉ፡፡

ተኸተልቲ እስልምና ብሓባር ኣብ ኣደባባይ ክሰግዱ እኳ እንተዘይከኣሉ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዘለዉ መሳጊድ ዝሰገዱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም፡፡

ካልእ ኣብ ጎንደር ቀበሌ 18 ዝነብር ኣቦ ክልተ ቆልዑ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተፈጠረ ጎንጺን መጥቃዕትን ስዒቡ፡ ኢድ ዝነበሮም ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ምቅስቓስ ፍትሓዊ ኣይኮነን ኢሉ፡፡

‘‘ዘይሻራዊ ሰብ ኣጻርዩ፡ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ሕጊ ክሳብ ዘይቀረቡ፡ ሕዚ እውን ኣደዳ ሞት ኣይንኸውንን ኢልና ኢና ካብ ገዛ ኣይንወጽእን ዝበልና’’ ዝብል እቲ ውልቀ ሰብ፡ ማሕበረሰብ ሙስሊም ናብ ኣደባባይ ወጺኡ ዘይሰገደሉ ምኽንያት ሕቶታቱ ስለዘይተመለሱ ምዃኑ ተዛሪቡ፡፡

መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ነቲ ጎንጺ ስዒቡ ይውሰዱ ብዛዕባ ዘለዉ ስጉምቲታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ምስቲ ጸገም ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 300 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከምዘኣተዉ ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡

ካልእ ንድሕነቱ ክበሃል ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባራይ ከተማ ጎንደር፡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መሳጊድ ዘስምዕዎ ኣዛን ደው ካብ ዘብሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ከምዝሓለፉ ይገልጽ፡፡

‘‘ሎሚ ኣብ ጎንደር ምንም የለን፡፡ ብዙሕ ምንቅስቓስ የለን፤ ዒድ፡ ዒድ ኣይመስልን’’ ይብል፡፡

ብኻልእ ዜና ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ኣብ ሶላት ዒድ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ስግዳን ሶላት ዒድ ከይተፈጸመ እንከሎ ኣብ ከባቢ ቤተ መዘክር ሰማእታት ቀይሕ ራዕዲ፡ "ውሑዳት ውልቀሰባት ብዘልዓሉዎ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት በጺሑ" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብቐጥታ ዝተመሓላለፉ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዝድርብዩ ዝነበሩ ውልቀሰባት መንብዒ ጋዝ ክትኩስ የርእዩ።

እቶም ምስልታት ብተወሳኺ ነቶም ናብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ህንጻታትን እምኒ ንዝድርብዩ ዝነበሩ ጠጠው ንምባል ዝከላኸሉ ዝነበሩ ሰባት የርእዩ።