ኣብ ጐንደር ዝተላዕለ ጐንጺ ስዒቡ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ካልኦት ከባቢታት መጥቃዕቲ ወሪዱ

ካርታ

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጐንደር ብዝተላዕለ ግጭት፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት ሃይማኖት ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ደባርቅ ክልተ መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ብውሑድ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሓላፊ ክፍሊ ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ፡ ሓጂ ዑስማን ዑመር ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ፡ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ዕንወት ከም ዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ሰባት'ውን ከም ዝተሃረሙ እቲ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ደባርቅ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሓላፊ ክፍሊ ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሓጂ ዑስማን ዑመር፡ ኣብታ ከተማ ብውሑድ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ስልጤ ዘጋጠመ እንታይ'ዩ?

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን፡ "ህዝበ ሙስሊም ካብ ሰላት ክወጽኡ እንከለው፡ ጭርሖ ብምሓዝ፡ ጉልላት ቤተ ክርስቲያን፡ ቅዱስ ሩፋኤል ወራቤ ወሪዱ ንዋያት ቅዱሳት ተቓጺሎም። እቲ ቤተክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ፣ ኣገልገልትናን ዋርድያታትን ተቀጥቂጦም፡" ይብል።

ብተወሳኺ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብሪኤል ሳንኩራ፡ "ብኣኽረርቲ ሓይልታት" ምሉእ ብምሉእ ብሓቂ ነዲዱ ዓንዩ ክብል እቲ ቤተ ክህነት ይገልጽ።

ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ከምኡ'ውን ኣብያተ ክርስትያን፡ "ኣብ ውሽጢ ከቢድ ጸቕጢ ስለ ዝርከቡ ሓገዝን ሓለዋን ይገበሮም፡" ክብል ይሓትት።

ምስቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብዝተሓሓዝ ተሓተቲ ዝዀኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም ክብል'ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቲቱ ኣሎ።

ዝተወስዱ ስጉምታት

መንግስቲ ፌደራል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ጐንደር ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ 280 ውልቀሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓሉ ኣፍሊጡ'ዩ።

ትማሊ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ግጭት ዝተሳተፉን ነቲ ህውከት ኣብ ምጕህሃር ተንቀሳቒሶም ዝተባህሉን 280 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ክኣትው ተገይሩ 'ሎ ኢሉ።

ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ መንጐ እስላምን ክርስትያንን ዝተፈጥረ ግጭት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት 'ታ ሃገር፡ ብስም ሃይማኖት ህውከትን ዕግርግርን ክፈጥሩ ዝተንቀሳቐሱ ኣካላት ስጕምቲ ይውሰደሎም ምህላው ኣፍሊጡ'ሎ።

እዚ በቲ ሓይሊ ዕማም ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቲ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ [ዶ/ር] ይልቃል ከፋለ፡ "ነዚ ክልል ማእከል ክርፍስ ንምግባር፡ ተግባራት ሽበራ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ዘለው ኣካላት ዘየናሕሲ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ዝሰዓበ መግለጺ እዩ።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዝጋጠመ ግጭት ድሕሪ ምኹናን፡ ተሓተትቲ ዝዀኑ ኵሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ቃል ኣትዩ'ሎ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ ግጭት 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ምግላጹ ይዝከር።