ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ዓሌታዊ ግጭት የስፋሕፍሕ ምህላው ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጐ ኣዕራብን ዘይኣዕራብን ማሕበረሰባት ዳርፉር ምዕራብ ሱዳን ዝዀና ንኣሽቱ ከባቢታት ዝተላዕለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጐንጺ፡ ናብ ርእሰ መዲና ዳርፉር ዝዀነት ከተማ ኣልቐነይና ከም ዝለሓመ ማዕከናት ዜና 'ታ ሃገርን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ይገልጹ ኣለው።
እዚ ግጭት፡ ብሰንኪ'ቲ ብ22 ሚያዝያ 2022፡ ካብታ ዓባይ ከተማ 80 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ከረኒኽ ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣዕራብ ብዝፈጸምዎ ቅትለት ዝተወልዐ ምዃኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣፍሊጡ።
መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ልክዕ ቍጽሪ ግዳያት - ምዉታትን ቍሱላትን -እዚ ግጭት ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ'ኳ እንተገለጸ፣ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝተመዛበሉን፡ ሆስፒታላት፡ ንግዳዊ ትካላትን ነቝጣ ፖሊስን ከም ዝተጠቕዑን ኣረጋጊጹ'ሎ።
ማዕከናት ዜና ሱዳን ግን 201 ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢረን ኣለዋ።
ብሰንኪ'ዚ ግጭት፡ ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣስታት 62,000 ህዝቢ 'ቲ ከባቢ ዝዕድሎ ዝነበረ ረዲኤት ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ'ሎ።
ኣብ ከተማ ኣልቐነይና ዝተደንገገ ኣዋጅ ሕላፍ ሰዓትን፡ ናብቲ ቦታ ዝተንቀሳቐሰ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳንን ነቲ ዝላባዕ ዘሎ ደማዊ ግጭት ከህድኦ ከም ዘይከኣለ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ የመልክቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጐ ሳገምቲ ኣዕራብን ተወለድቲ 'ቲ ከባቢ ዝዀኑ ኣባላት ቀቢላ 'ማሳሊት' ኣብ ከረኒኽ ዝተላዕለ፡ ብንብረት ዝተበገሰ ምስሕሓብ፡ ጠንቂ ሞት 67 ሰባት ከም ዝዀነ ይዝከር።
ኣብ ሱዳን፡ እቲ ኣብ መንጐ ኣዕራብን ጸለምቲ ሱዳናውያንን ዘሎ ምትፍናን ነዊሕ ዝጸንሐን ንፖለቲካዊ ህይወት እታ ሃገር ዝጸሉ ምዃኑን ይንገር።
እዚ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባን ፍልልይን ኣብ ሱዳይ ድሕሪ ናጽነት - 1956 እዩ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን መሓውራት 'ታ ሃገር ከስፋሕፍሕ ተራእዩ።
እዚ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ኣውሮጳውያንን ኣዕራብን ነጋዶ፡ ንመሸጣ ዝዀኑ ምሩኻት ንምሓዝ ንደቡብ ገጾም ብምውራር ዝፈጠርዎ ንግዲ ገላዩ ዝመበገሲኡ ምዃኑ ይግለጽ።
እዚ ዓሌታዊ ኣጠማምታ፡ ንታሪኽ ናይታ ሃገር ዓብሊሉ፡ ኣብ ክሊ ልሂቃን ኻርቱም ደራኺ ሓይሊ ሒዙ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ እዩ።
ዞባ ዳርፉር ከኣ ሓደ ቅሉዕ መርኣያ ናይዚ ዓሌታዊ ኣመለኻኽታ ሱዳናውያን ብሓፈሻ፡ ልሂቃን ሱዳን ከኣ ብፍላይ፡ እዩ።
እዚ ዓሌታዊ ኣጠምምታ መወዳእታኡ፡ ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ንኽትእውጅ ካብ ደራኺ ምኽንያታት ሓደ ነይሩ።
ኣብቲ ዘይ-ኣዕራብ ዓሌታት ብብዝሒ ዝነብርዎ ግዝኣታት ደርፉር፡ ከባቢታት ኑባን ብሉ-ናይልን 'ውን ጸረ-ዓሌትነትን ኣድልዎን ሓያል ምልዕዓላት ክፈጥር ተራእዩ እዩ።
እቲ ብ 1989 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ እቶም ብኡኡ ዝድገፉ ዝነበሩ ብ 'ጃንጃዊድ' ዝፍለጡ ፈረሰኛታት ሚሊሻ ኣዕራብ፡ ኣብ ፈለማ 2000 ኣብ ልዕሊ'ቶም "ዙርጋ" ዝበሃሉ ጸለምቲ ተወለድቲ 'ቲ ከባቢ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብገበን ኲናትን ምጽናት ዓሌት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ነይሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት ሱዳን፡ እቲ ቐንዲ ማእከል ትዅረት ቤት ፍርዲ ሄግ እዩ።
መራሕቲ ዕጡቓት ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ዝነበሩ ግን፡ ነቲ ዝቐርብ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይነጽግዎ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ብ"ዓሊ ኩሻይብ" ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ-ዓሊ ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኣስታት 300,000 ሰባት ዘህለቐን፡ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቤት-ኣልቦ ዝገበረን ግጭት ዳርፉር፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኰይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ እዩ።
ዝሓለፈ ሳሙን ጉዳይ ክሲ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ስበስልጣናቱን ካብ ዝርኢ ዝነበረ ቤት ፍርዲ፡ ብቐጥታ ብተለቪዥን እናተመሓላለፈ ዝተሰምዐ ናብቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ተወላዲ ዳርፉር ዝዀነ ሉቕማን ኣሕመድ ዝቐንዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ እዩ።
እቲ፡ ብሓደ ካብ ጠበቓታት ኣልበሽር ዝተዘርበ፡ "እዚ'ባርያ' ምስቲ ክፉእ ኣፍንጫኡ ክጽለአኒ መዓት እዩ . . ." ዝብል ዓሌትነት ዘንጸባርቕ ጸርፊ፡ ነቲ ድሕሪ ዕልዋ ኣልበሽር እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካልእ ቅልውላው እታ ሃገር፡ 'ጸረ-ዓሌትነት' እውን ካብ ምኽንያታቱ ዝገበረ ኣድማ ሱዳናውያን መሊሱ ክጓሃሃር ከም ዘክኣለ ይፍለጥ።
እዚ ኣብ ዳርፉር ፈኸም ዝብል ዘሎ ረጽሚ ድማ፡ መርኣያ ናይቲ ተደጕሉ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባታት ምዃኑን፣ እቲ ኣተሓሳስባን ኣጠማምታን ድማ ኣብ ሱዳን ገና ከምዘይጠፍአን ዘመልክት ምዃኑ፡ ይግምገም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







