ኣብ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸም ቅትለት ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ

ኣስክሬን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብ2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ቑጽሪ ኣብ ኣመሪካ ዝተቐትሉ ፖሊስ 60 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐን ኣብ መላእ እታ ሃገር ገበናት ጭካነ ከም ዝወሰኹን ቢሮ መርመራ ፌደራል [ኤፍቢኣይ] ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ክሪስቶፈር ሬይ ምስ 60 ሚኒትስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 73 ኣባላት ፖሊስ ኣብ ስራሕ እንከለው ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ካብ 2019 ጀሚሩ ድማ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭካነ ዝተመልኦም ቕትለታት ፖሊስ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኹ መረዳእታታት የመልክቱ።

እቲ ዳይሬክተር እዚ ዝንባለታት ከም ዘይቕበሎን እቲ ኩነታት እኹል ትኹረት ከም ዘይረኸበን ብምግላጽ፡ ብውሑድ ኣብ መዓልቲ 5 ሰብ ይቕተል ምህላው ዘመልክት ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ኣብታ ሃገር ዓመታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ብኢድ ፖሊስ ህይቶም ክሓልፍ እንከሎ መብዛሕትኦም ቕትለታት ክሲ ከይተመስረቶም ይሓልፉ።

ክreስቶፈር ከም ዝብሎ፡ በዚ ምኽንያት ሰባት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘብጽሑዎ ጭካነ ዝተመልኦ ቕትለት ክውስኽ ተራእዩ እዩ።

"መብዛሕትኦም ኣባላት ፖሊስ ንዝኾነ ስራሕ ክንቀሳቐሱ እንከለው ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እናበጽሖም ወይ ተፍትሽ ኣብ ዝገብርሉ ግዜ'ዮም ዝቕተሉ ዘለው። ናይ ፖሊስ ክዳን ብምግባሮም ጥራይ ግዳያት ክኾኑ የብሎምን" ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ 'ፍራተርናል ኦርደር ኦፍ ፖሊስ' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ብ2021: 103 ሃንደበታዊ መጥቃዕታት ክፍጸሙ እንከለው፡ ነዚ ስዒቡ 130 ፖሊስ ግዳያት ተኹሲ ኮይኖም ይብል።

ብተወሳኺ 30 ፖሊስ ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሞይቶም።

ብ2020 ኤፍቢኣይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ቑጽሪ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸም ቅትለት ካብቲ ብ2019 ዝነበሮ ብ20 ሚኢታዊት ሓፍ ዝበለ ኮይኑ ድሕሪ 1960ታት ዝተመዝገበ እቲ ዝልዓለ ቑጽሪ ምዃኑ የመልክት።

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲ ከም ዝወሰኹ ኤፍቢኣይ ይገልጽ።

"መዓልታዊ ቑጽሮም እናወሰኸ ዝመጽአ መናእሰይ ብርክት ዝበሉ ጭካነ ዝተመልኦም ገበናት ይፍጽሙ ኣለው። እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ክብል እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

ኣብ 2022 ጥራይ፡ 17 ፖሊስ ብጥይት ከም ዝተቐትሉ ሓበሬታ ፍራተርናል ኦርደር ኦፍ ፖሊስ የመልክት።