ኮሮናቫይረስ፡ ስጳኛዊት ሓኪም ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ክልተ ግዜ ብኮቪድ ተለኺፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 31 ዓመት ስጳኛዊት ሓኪም ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ክልተ ግዜ ብኮቪድ ድሕሪ ምልካፋ፡ ተመራመርቲ ስጳኛ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክልተሳዕ ብኮቪድ ዝተለኸፈት ተባሂላ ክትምዝገብ ይሓቱ ኣለዉ።
እታ ሽማ ዘይተገለጸ ስጳኛዊት ሓኪም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብደልታ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኸኣ ብኦሚክሮን ዝተብሃሉ ዓይነታት ኮቪድ ከምዝተለኸፈት'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
እቶም ተመራመርቲ ዋላ እንተተኸተብካን ኣቐዲምካ ብኮቪድ ተለኺፍካ ትፈልጥ እንተኾንካን: ዳግማይ ናይ ምልካፍ ተክእሎ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ሰብ ክልተ ግዜ ተለኺፉ ንኽብሃል ግድን 90 መዓልታት ክጸንሕ ኣለዎ'ዩ ዝብሃል።
በዚ መሰረት ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ክልተ ግዜ ብኮቪድ ዝተለኸፉ ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት ከምዘለዉ ሰብ መዚ ጥዕና ይሕብሩ።
እታ ስጳኛዊት ሓኪም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተለኸፈትሉ ዝኾነ ምልክታት ኣየርኣየትን ነይራ፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ግን ሰዓልን ረስንን ስለዝገበረላ ዳግማይ ናብ ሕክምና ምስ ከደት ዳግማይ ብኻልእ ዓይነት ቫይረስ ተለኺፋ ምጽንሓ ተነጊረዋ።
ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ላዕለወይቲ ተመራማሪት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ገማ ራሾ፡ ኦሚክሮን ኣቐዲምካ ኣጥሪኻዮ ዝጸናሕካ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ምስዓር ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊጻ።
ንሳ "ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብኮቪድ ተለኺፎም ዝፈልጡን ዝተኸተቡን ሰባት ዳግማይ ክንልከፍ ኣይንክእልን ኢና ዝበል ሓሳብ ክህልዎም የብሉን" ኢላ።
ዶክተር ገማ ራሾ ብምስዓብ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ተለኺፎምን ተኸቲቦምን እንከለዉ ዳግማይ ዝተለኸፉ ሰባት ምክትታል፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ክታበታት ኣፍለጦና ንኸነዕቢ ሓጋዚ ስለዝኾነ ምክትታሎም ኣገዳሲ ምዃኑ ምዒዳ።
ብደረጃ ዓለም ኣብ ታሕሳስ 2021 ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ምስ ተኸሰተ መጠን መልከፍቲ ብርኡይ ከምዝወሰኸ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት'ውን ቢኤ 2 ዝተሰመየ ካልእ ዓይነት ቫይረስ ንብዙሓት ሰባት ክለክፍ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ እዚ ዝተጠቀሰ ግዜ ብዝሒ ናይቶም ክልተ ግዜ ዝተለኸፉ ሰባት ካብቶም ኮቪድ ዝተረኸቦም 1 ሚኢታዊት ጥራይ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ወርሒ መጋቢት ግን ናብ 11 ሚኢታዊት ክብ ክብሉ ክኢሎም እዮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







