ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ስፑትኒክ ላይት ኣብ መዓል ክውዕል ፍቓድ ሂባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህንዲ ስፑትኒክ ላይት ዝሰመየቶ ሓንቲ ብልቃጥ ጥራይ ዝውሃብ ሓዲሽ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓል ክውዕል ፍቓድ ሂባ።
ሚኒስተር ጥዕና ህንዲ ማንሱክ ማንዳቪያ ብትዊተር ከም ዝገለጾ፡ እዚ ሓዲሽ ኣብ ህንዲ ዝተሰረሐ ክታበት ኣብ ህጹጽ እዋን ከም ክታበት ክውሃብ ከም ዝተፈቐዶ ኣፍሊጡ።
ህንዲ ክሳብ ሕጂ ንትሽዓት ክታበታት ጸረ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራ ኣብ መዓላ ክውዕል ምሉእ ፍቓድ ሂባ ኣላ።
ኣብ ህንዲ 1.7 ቢልዮን ብልቃጥ ኣብ መዓላ ውዒሉ ይርከብ።
ልዕሊ 18 ዕድሚኦም ህንዳውያን 76 ሚኢታዊት ክኽተቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 99 ሚኢታዊት ካብ እኹላት ህንዳውያን ብውሕዱ ሓንቲ ብልቃጥ ተኸቲቦም ኣለዉ።
ህንዲ ካብ 10 ጥሪ ጀሚራ ንሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ንልዕሊ 60 ዓመቶምን ሓይሊ ዘደልብ ክታበት [ቡስተር] ክትህብ ጀሚራ ኣላ።
ህንዲ ሓንቲ ካብተን ብኦሚክሮን ዝዓይነቱ ሓዲሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ዘመዝገባ ሃገራት እያ።
ኣብ 20 ጥሪ ኣብ ሓደ መዓልቲ 347 ሽሕ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ነይራ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግን መዓልታዊ መልከፍቲ ኣስታት 100 ሽሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ።
እዚ ስፑትኒክ ላይት ዝተሰመየ ሓዲሽ ክታበት ድቓል ናይቲ ሩስያ ዝሰረሓቶ ስፑትኒክ ቪ ዝተባህለ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ'ዩ።
ክታበት ስፑትኒክ ላይት ሓይሊ ንምድላብ ልዑል ብቕዓት ከም ዘለዎ፣ ሓንቲ ብልቃጥ ክንዲ ክልተ ብልቃጥ ስፑትኒክ ቪ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከም ዘለዋን፡ ሓይሊ ተኸታቢ ኣብ ምድላብ'ውን ልዑል ብቕዓጥ ከም ዘለዎ ህንዳውያን ተመራመርቲ መስኪረምሉ ኣለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







