መንግስቲ፡ ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ናብ መቐለ ከምዝተበገሳ ገሊጹ

ሰብኣዊ ረድኤት ዝጻዓና መኻይን

ምንጪ ስእሊ, WFP

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ረድኤትን ነዳድን ዝጸዓና መካይና ካብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ሰመራ፤ ናብ መቐለ ጉዕዞ ከምዝጀመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝበሎ፤ ትማሊ ሓሙስ 20 ረድኤት ዝጸዓና ከምኡ'ውን ክልተ ነዳዲ ዝጸዓና ተሽከርከርቲ ናብ መቐለ ጉዕዞ ጀሚረን ኣለዋ።

እቲ መግለጺ ፡ ኣብ'ቲ ክልል ዘሎ ድሌት ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ፤ መዓልታዊ 20 ረድኤት ዝጸዓና መኻይን፡ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ምዃነን የረድእ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብዚ እዋን ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ንላዕሊ ዝኸፈአ ቅልውላው ኣብ ክልል ትግራይ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

ዶ/ር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝመርሖ ትካል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 95 ሜትሪክ ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ከእቱ ፍቓድ ከምዘይረኸበ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ድሕሪ'ቲ መግለጺ፤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኮምኒኬሽን፡ ዶክተር ለገሠ ቱሉ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ክሲ 'ካብ ሓቂ ዝረሓቀን ንመንግስቲ ብሓሶት ዝኸስንን እዩ' ኢልዎ።

በተወሳኺ፡ "ህወሓት መተሓላለፊ ኮሪደራት ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ብነፈርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሙን ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ትግራይ ረድኤት የመላልሳ ኣለዋ" ኢሉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፌዴራል መንግስቲ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ ኣወንታዊ ተራ እናተጻወተ ከምዝኾነን፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ዓፋር ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ፡ መስመር መቐለ-ኣብዓላ ምዕጻዉ እዩ እቲ መስርሕ ተዓንቂፉ ይብል።

ሓይልታት ትግራይ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ዕጡቓት ክልል ዓፋር ኣብ ዶባት መጥቃዕቲ ምስ ፈጸምሎም ስጉምቲ ከምዝወሰዱ እዮም ዝገልጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ክልል ዘይእዉጅ ኩለንተናዊ ዕጽዋ ተኣዊጁ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።

ውድብ ምግቢ ዓለም፤ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ፡ መዓልታዊ፡ 100 ተሽከርከርቲ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘለዎን ዝኣመን ኮይኑ፡ ዛጊድ ትሕቲ 10 ሚኢታዊ ጥራይ ከምዝተጉዓዛ ይገልጽ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ግና፡ ካብ መጋቢት 7 ጀሚሩ፤ 17 ትካላት ረድኤት መድሓኒት፣ መሳርሒ ሕክምናን ረድኤት ምግቢን፡ ናብ ትግራይ ክጉዓዓዙ ፍቓድ ረኺቦም ኢሉ።

ካልኦት ተወሰኽቲ ትካለት ድማ፡ ብነፈርቲ 257 ሽሕን 192 ኪሎግራም መድሃኒትን ረድኤትን ናብ መቐለ ከምዘግዓዘ ገሊጹ ኣሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ 4.6 ሚልዮን ሰባት፡ ማለት ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቶም ኣርባዕተ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘለዋን ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍሊጡ።

ትካላት ረድኤት መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኣብ ረጽሚ ዘለው ዕጡቓት ሓይልታት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ ዕድላት ከመቻችኡ ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም።

ኦቻ፡ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ሰሙናዊ ጸብጻብ ኣስታት 454 ሽሕ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ከምእተሃስዩን ልዕሊ 115 ሽሕ ህጻናት ከኣ ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ከምእተጠቕዑን የመልክት።

ኣስታት 120 ሽሕ ነፍሰ ጾርን ዘጥቡዋን ኣዴታት ኣብ ትግራይ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ሓቢሩ።