ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝምቀላ ዘለዋ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕዳር 2020 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ትግራይ ብዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ብዝተራእየ መርገጺታት ትካላት ሃይማኖት ዝተልዓለ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ትግራይ ካብቲ ኣብ ፌደራል ዝርከብ መሓውሮም ርክቦም ከም ዝበተኹ ይገልጹ ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ ምስ ዋና ቤተ-ክህነት ኢትዮጵያ ዝነበሮም ምምሕዳራዊ ርክብ ብምቁራጽ ሓድሽ ቤተ ክህነት መስሪቶም።
'ድሕሪ ሕዚ ዓርስና ክኢልና ክንመሓደር ኢና' ብምባል ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ክልል ናይ ባዕሉ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝህልዎ ድማ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን ዝርከቡ ተጋሩ ተኸተልቲ እታ ቤተ ክርስቲያን'ውን ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ዘምልኹሉ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ብምፍላይ ብናይ ባዕሎም ክግልገሉ ከም ዝጀመሩ ተራእዩ'ዩ።
ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከም ዘቋረጸ ገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ርኢይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት እስልምና ኣባል ቤት ምኽሪ ዑላማን ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ዕርቅን ሓጂ መሓመድ ሲራጅ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣብ ክንዲ እቲ ጸገም ሓበራዊ ጉድኣት ዘብጽሕ ዘሎ ጸገም ምዃኑ ምርዳእን ምኹናንን እናተገብኦም፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ምብጽሖም ልክዕ ኣይኮነን ብምባል ነቒፎም።
"ናይ ሓንቲ ሃገር ሰባት ኢና፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ድማ ናይታ ሃገር ጸገም ምዃኑ ይፈልጡ'ዮም። ነዚ እናፈለጡ ከምኡ ምባሎም ግን ልክዕ ኣይኮነን። መራሒ ሃይማኖት ከምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ንክፍትሑ ናይ ሰላም ጻውዒት'ዩ ዝገብር እምበር ንፈላለ ኣይብልን" ኢሎም።
መምህር ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ መምህር ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ኢትዮጵያን ኣጋር-ዳይሬክተር ምንቅስቓስ ባለንጀራዬን ዶክተር ተካልኝ ነጋ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣወዳድብኡ ብደረጃ ክልላት ዝተወደበ ስለ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ብዝነበሮ ከም ዝቐጸለ ዘርኢ'ዩ ይብል።
ኣወዳድባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግን ካብዚ ብዝተፈለየ ብክልላት ዘይኮነ ምእኹል ኣሰራርሓ ዝኽተል ከም ዝኾነ ብምግላጽ እተን ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ዝወስድኦ ዘለዋ ስጉምቲ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዘለዎ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋል ክግበር እንከሎ ብናተይ ኣረኣእያ ወከልቶም ብሓባር ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ኣብ ሓደ ጉዳይ ዘለዎም ኣፈላላይ ብግልጺ ተዘራሪቦም ዝበጽሑዎ ውሳነ ኣይኮነን። ስለዚ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዘለዎ ውሳነ ገይረ'የ ዝወስዶ" ኢሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን መንበረ ፓትርያርክ ሓላፊ መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ሜልበርን ኣውስትራሊያ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ዝኾኑ ኣባ ሰረቀ-ብርሃን ወልደ ሳሙኤል "ህዝቢ ከም ህዝቢ ከይነብር ተካሒዱ'ዩ" ብምባል ነቲ ውሳነ ካብ ዝደረኹ ሓደ ምዃኑ ይጠቕሱ።
"እቲ ኣባጊዐይ ሓልወለይ፣ ማሕሰይን ገላግለይን ሓልወለይ ተባሂሉ ሓላፍነት ዝተዋህቦ መሪሕነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ከውግዞን ክቃወሞን ይግባእ ነይሩ። እዚ ብዘይ ምግባሩ ግን ህዝቢ ብሙሉኡ ሓዚኑ፣ ካህናት'ውን ሓዚንና ኢና" ኢሎም።
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ማቲያስ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2021 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጸገማት እንተሎ'ኳ፡ "ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመነኔት ጠጠው ንክብል ክዛረብ ብዙሕ ግዜ ፈቲነ ኣይኮነለይን፤ ፍቓድ ኣይተዋህበንን" ኢሎም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ መልእኽቲ ኣብ ኣመሪካ ኮሌጅ ቲኦሎጂ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ብዝሰርሕ ፕሮፌሰር ዴኒስ ዋድሌይ ብዝቐድሖ ሚስጢራዊ ቪድዮ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ "ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያን፣ ገዳም ደብረዳሞ መድፍዕ ተተኲሱ፤ መንበሪ መነኮሳት ፈሪሱን ኣቦታት ተቐቲሎምን፣ ቤተ ክርስቲያን ኣኽሱም ከይትውረር ዝሕልው ዝነበሩ'ውን ተቐቲሎም እዮም" ምባሎም ይዝከር።
ካብዚ ወጻኢ ብወግዒ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ይኹን ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስቲያንን ዝበጽሐ ጉድኣት ዝበሎ የለን።
እዞም ሃይማኖታዊ ትካላት ትግራይ ርክቦም ንምብታኽ ከም ምኽንያት ዘቕርቡዎ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ብዘይኣፈላላይ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ግፍዒ ከም ዝተፈጸሞም ብምግላጽ ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረዱ ኮነ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ዝበጽሐ ዕንወት ኣይኾነንዎን ዝብል'ዩ።
ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደልቃድር ጆሃር፡ ንራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ሰላማውያን ሙስሊም፣ ኢማማት ቃዲታታ፣ ዑላማታት [ምምሃራን] ከም ዝተቐትሉ ተዛሪቦም።
"መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ኲናት ብረት ሒዞም ዝዋግኡ ኣይኮኑን፤ ግን ብዙሕ ሙስሊም ተወዲኡና። መስጂድ ኣልነጃሺ'ውን ኮነ ተባሂሉ ፈሪሱ። እዚ ክበጽሕ እንከሎ ጸገምና ይፈልጡ'ዮም፣ ነጊርናዮም ኢና። ይኹን'ምበር ኣብ ጸገማት ኣይረድኡናን" ኢሎም።
ካብዚ ብዝብገስ ምስ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ፌደራል ዝነበሮም ርክብ ከም ዝተበትኸ ብምግላጽ "መንግስቲ ናይ ባዕሉ ክህልዎ ይኽእል ንሕና ግን ኻላስ ወዲእና ኢና" ብምባል ተዛሪቦም።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ነቲ ኣብ ክልሎም ዘሎ ጸገም ብምጥቃስ ስለ ምንታይ ተፈላሊና ኢሎም ዝብል ግዜ ክፈቅድ እንከሎ ተራኺብና እንዘራረበሉ ክኸውን እዩ ዝብሉ ሓጂ መሓመድ ሲራጅ፡ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምስፍሑ ትካላት ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን ግዳያት ምዃኖም ተዛሪቦም።
"ኣብ ዓፋርን ሰሜን ወሎን ልዕሊ 110 መሳጊድ ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ። እዚ ጸገም ኣብ ኩሉ ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ። ብዙሓት ኣቦታት፣ ናይ ቁርዓን መምሃራን ሞይቶም'ዮም። ናይዚ ምኽንያት እቲ ናይ ሕድሕድና ግጭት'ዩ። ንሕና ንምንታይ ደም ይፈስስ፣ ንብረት ይዓኑ፣ ትካላት ሃይማኖት ይፈርሱ እናበልና እኮ ንዛረብ ኣለና። እዚ ክንቃወሞ እምበር ኹራ ልክዕ ኣይመስለንን" ይብሉ።
ተቐማጢ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ሰዓቢ እምነት እስልምና ከማል መሓመድ-ያሲን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና እቲ ክልል ዝወሰዶ ስጉምቲ ዋላ'ውን ኣብ ሻራውነቱ ክትዓት ዘልዕል እንተኾነ ትኽክለኛ'ዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።
"ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ዝበጽሐ በደል ብውሑድ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ገሊጾምዎ'ዮም። ነዚ ርእዮም ኮነ ንዝቐርቡ ዝነበሩ ጻውዒታት ተቐቢሎም ካብቲ ትካልን ኣማናይን ተበዲሎም'ዶ ይኾኑ ዝብል ኣይነበረን። ሓደ ማሕበር ከኣ ጻውዒት እቲ ሓደ ተገዲሱ ክዝትየሉ እንተዘይኽኢሉ ሓቢርካ ምቕጻል ብግዲ ሓውሱኒ'ዩ ዝኸውን" ኢሉ።
ኣብ ናይ እምነት ቤተሰባት፡ ኣሕዋት ኢና ዝኣምኑ ትካላት እምነት ኣብዚ ጉዳይ ሃይማኖት ከይፈለዮም ዝፈጠሩዎ ሓድሽ ዓንቀጽ እምነት [ኣርቲክል ኦፍ ፌዝ] ከም ዘየለ ዝጠቅስ ዶክተር ተካልኝ ግን እዞም ውሳነታት ካብ ቂም ዝብገሱ ዘለው'ዮም ክብል ይነቕፎም።
"ኣብ ውሽጢ ክርስትና፡ ቤተክርስቲያን ግፍዒ እንትፍጸም ወይ እምነት ንጎኒ ክግደፍ እንከሎ ድምጺ ክትኸውን ኣለዋ ዝብል ኣሎ። መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ '"ብጸገም ክንሓልፍ እንከለና ኣብ ጎንና ጠጠው ኣይበልኩምን ወይ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሌና ጉድኣት ምስ ዘብጽሕ ዘሎ ኣካል ተሓባቢርኩም ኢኹም' ብዝብል በቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ቂም ዝገለጽሉ መገዲ'ዩ ኢለ'የ ዝወስዶ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Tigray Television
ፖለቲካን ሃይማኖትን
ጸሓፊ 'Understanding Religion and Society in Ethiopia'ን መምህር ዩኒቨርሲቲ ሮሃምፕተን ዝኾነ መሓመድ ግርማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 'ሃይማኖት ኣብ ሓደ እዋን መድሕን ኢትዮጵያ ነይሩ፤ ሕጂኸ እታ ሃገር ካብ ምፍራስ ንምድሓን እንታይ ከበርክት ይኽእል' ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ እቲ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ካብቲ ትካላት ሃይማኖት ገጢሙወን ዘሎ ሞራላዊ ውድቀት ዝምንጩ ከም ዝኾነ እዩ ጠቒሱ።
እዚ ኣብ በርክለይስ ማእከል ሃይማኖት፣ ሰላምን ዓለማዊ ርክባትን ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ "እተን ናይ ሃይማኖት ጉጅለታት ምንጪ ሰላማዊ ዕርቅን ሓቢርካ ምንባርን ክኾና ብዘይምኽኣለን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ንዝርኣይ ምጥፋእ ናይ ሞራል ኮምፓስ ተሓተትቲ እየን" ክብል ይነቅፍ።
ነዚ፡ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ እቲ ኲናት ጠጠው ክብል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግህሰት ይፍጽምን ኣሎ ኢሎም ምዝራቦም ካልኦት ካህናት ድማ መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ምድጋፎም ብኣብነት ኣልዒሉ።
እዚ ድማ፡ "እተን ትካላት እምነት ኣብ ውሽጠን ምስ ብሄር ብዝተሓሓዝ ቅልውላው ከም ዘለወን ዘመላኽት'ዩ" ክብል ይገልጾ።
ሃይማኖት ዋላ'ውን ምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት እንተዘይኮነ፡ ፖለቲከኛታት ክልቲኡ ወገን ግን ከም ሓደ መለዓዓሊ መሳርሒ ክጥቀምሉ ከም ዝኽእሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ዶክተር ተካልኝ ነጋ ብወገኑ "ሕጂ ኩላትና ኣብ ቓንዛ ኢና ዘለና። ግን ክኣ እቲ ክስማዕ እንደልዮ ድምጺ ናተይ ዝብል'ዩ። እቲ ምንቕቓፍ ተፈጥሮኣዊ እኳ እንተኾነ ሰብ ክሰምዖ ዝደሊ ግን ናይ ባዕሉ ጥራሕ ይኸውን ኣሎ" ብምባል ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ዘርኣይኦ መርገጺ ሃይማኖታዊ'ዩ ንምባል ከም ዝኸብዶ ተዛሪቡ።
ኣባ ሰረቀ-ብርሃን ወልደሳሙኤል ነዚ ክምጉቱ እንከለው እቲ ኣብ ሞንጎ ትካላት ሃይማኖት ትግራይን ፌደራልን ዝርኣይ ዘሎ ፍልልይ ሃይማኖታዊ'ዩ ይብሉ።
"እቲ ፖለቲካዊ ፍልልይ ምናልባት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ክነብር ይኽአል። እዚ ግን ሃይማኖታዊ፣ ቀኖናዊ፣ ፍልልይ እዩ። ቤተክርስቲያን ትግራይ ስለ ዝተጠለመት፣ ሊቃውንታ፣ ካህናታ፣ መነኮሳታ ስለ ዝሞቱ'ያ ኣብዚ ውሳነ በጺሓ" ኢሎም።
ኣማኒ እስልምና ከማል ብወገኑ፡ ዋላ'ውን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ኮነ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ፖለቲካዊ ጽልዋ ብብዙሕ ጌጋታት "መሳርሒ ፖለቲካን ብልሽውናን ኮይኑ'ዩ" ተባሂሉ ዝሕመ እንተኾነ እቲ ናይ ሕጂ ውሳነ ግን ፖለቲካዊ ድፍኢት'ዩ ክብሃል ኣይክእልን እዩ ዝብል።
"ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከምዚ ዓይነት ግፍዕን በደልን እትበፅሕ ንሓደ ሙስሊም ኮነ ንዝውክሎ ትካል ትፅቢት ዝግበረሉ ሰለስተ ነገራት ኣለው። ነቲ ግፍዒ ምስቲ ተበዳላይ ኮይንካ ብቃልሲ ክትምክት ደው ምባል፣ እንተዘይኪኢልካ እቲ ግፍዒ ምቅላዕ፣ እዚ'ውን ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ድማ ካብቲ ተግባር ንባዕልኻ ኣርሒቅካ ንቲ ግፍዒ ምፅያፍ እዩ።
"ኣብ ማእከል ሃገር ዘለው ትካላት እስልምና፣ መራሕቲ እስልምናን ካልኦትን ግን ካብዚ ዝተጠቅሰ ብተፃራሪ ነቲ ኩነታት ብሞራልን ፋይናንስን ክድግፍዎ እዮም ተራእዮም" ኢሉ።
ዝኾነ ጥፍኣት እንትህሉ ኣብ ሞንጎ ናይ እምነት ቤተ ሰባት ዝበጽሐኒ በደል ኣየውገዝኻን፣ ዘድልየኒ ድጋፍ ኣይገበርካለይን ኢልካ ምንቕቓፍ ልሙድ ከም ዝኾነ ዝጠቅስ ዶክተር ተካልኝ፡ ሓበራዊ ናይ ዘተ መድረኽ ከይፈጥርካ በይናዊ ውሳነታት ምውሳን ግን ሃይማኖታዊ መስርሕ ኣይኮነን ዝብል ስነ ሞገት ኣለዎ።
"እቲ ዝንቀፍ ዘሎ ኣካል ንምንታይ'ዩ ትጽቢት ዝግበረሉ መልሲ ዘይሃበ ዝብል ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕናን። ብኹሉ ሸነክ ግን ጥፍኣት ከም ዘሎ [ብፌደራልን ክልልን] ንሰምዕ ኣለና። እዚ እቲ ጥፍኣት ሓበራዊ'ዩ ዝብል ኣየስምዕን። ንምንቕቓፍ፣ ዘተ ንምጅማር ዝኸውን ጸገም እምበር ፍትሕ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል ኩነታት ኢና ዘለና'ውን ኣይብልን። እቲ ጅማሮ ግን ናይ ምብታኽ ምልክታት ተገይሩ ክውሰድ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
መጻኢ ስግኣታት
ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ቀራና መገዲ ኮይና ሓደጋ ምፍራስን ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣንጸላሊዩዋ ኣሎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይስምዑ።
መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ትግራይ ብወገኖም፡ ኲናት እንተተበጊሱ ሓደጋ ክመጽእ'ዩ፣ ቤተክርስትያንን ሃገርን ኣብ ሓደጋ ክወድቑ'ዮም ዝብል ምሕጽንታ ከቕርቡ እኳ እንተጸንሑ 'ሰማዒ ኣይረኸብናን' ዝብል ስምዕታ ኣለዎም።
ኣባ ሰረቀ-ብርሃን፡ "ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ፣ ድምጺ ኹኑልና፤ ኲናት ዝእውጁ ዘለው'ውን ኣዐግሱልና ዝብል ምሕጽንታ ቐሪቡ'ዩ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ዋላ'ውን ብዙሓት ዝሓዝኑ እንተሃለውዎ፡ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ኣካል ግን ኣብ ፖለቲካ ጥሒሉ ምስ ርኣና ክንፍለ መሪጽና" እዮም ዝብሉ።
ጸሓፊ መሓመድ ግርማ ብወገኑ፡ ኣብ ውሽጢ እተን ትካላት ሃይማኖት ለውጢ ክመጽእ ግድን ከም ዝኾነ ብምልዓል፡ ውሽጣዊ ዕረያ ንምምጻእን ኣብ ሞንጎአን ሓድነት ክህልወን ንክገብራን ንርእሰን ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ኣናጊፈን ሞራላዊ ንጽህና ዝረኽባሉ ዘይሻራዊ ባይታ ክፈጥራ ኣለወን ክብል ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ'ዩ።
እቲ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ትካላት ሃይማኖት ፌደራልን ክልልን ዝርኣይ ዘሎ ኣፈላላይ ንምፍታሕ ፈለማ ፖለቲካዊ ርግኣት ክመጽእ ከም ዘለዎ ዝጠቅስ ዶክተር ተካልኝ መጻኢ ፖለቲካ እታ ሃገር ሰላም፣ ምትእምማንን ሓቢርካ ምንባርን ዝፈጥር እንተኾይኑ እቶም ተፈላሊና ኢና ዝበሉ ትካላት ሃይማኖት ምዕራቕ ኣይኸብድን ዝብል እምነት ኣለዎም።
"እቲ ፖለቲካ እንተዓርዩ ትካላት ሃይማኖት ንሓድሕደን ኣጥፊእና ኢና፣ በዲልና ኢና ኢለን ተነሲሀን ይቅርታ ክተሓታተታ ስለ ዝኽእላ ሓቢሩ ዝዕረ እዩ ኢለ እየ ዝሓስብ" ኢሉ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት እስልምና ኣባል ቤት ምኽሪ ዑላማን ሓላፊ ዘፈር ሰላምን ዕርቅን ሓጂ መሓመድ ሲራጅ: መራሕቲ ሃይማኖት እታ ሃገር ኲናት ቅድሚ ምውልዑ ናብ መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ብምኻድ ግጭት ንከይፍጠር ጻዕሪ ክገብሩ ምሕጽንታ የቕርቡ ምንባሮም ሓቢሮም።
ሕጂ'ውን እቲ ልዑል ምፍንቓልን ሞትን ዘስዕብ ዘሎ ኲናት ጠጠው ንክብልን ሲቪላውያን ንከይጉድኡ ኣብ ምሕጋዝን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም።
"ከም መራሕቲ ሃይማኖት ህይወት ሰብ ዘጥፍእ፣ ንብረት ዘዕኑ፣ ሰባት ዘመዛብል ስራሕ ልክዕ ኣይኮነን ክንብል ኣለና። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ዝፈላለ እንተኾነ'ውን ዓሌታዊ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ስምዒት ዓሌታውነት እናጎልሐ፣ እናሰፍሐ ብምኻዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንስእን ኣለና። ህዝቢ መራሕቲ ብዝተቐያየሩ ቑጽሪ ክመውት፣ ክመዛበል የብሉን" ኢሎም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







