ቅልውላው ትግራይ፡ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከምዝበተኸ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Tigray Television
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ምስ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክብ ከምዘቛረጸ ጸብጻባት ማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ሓቢረን።
እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ብዘይኣፈላላይ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ግፍዒ ከም ዝተፈጸሞም ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ "ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሙዎ ገበን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ምኹናን ብገንዘብን ሞራልን ብምሕጋዝ ብምትሕብባሩ" ብናይ በዓልና ሕገ ክንመሓደር ወሲንና ከም ዝበለ ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣቃሊሓ።
ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ከዘራርብ እንከሎ፤ ብዛዕባ እቲ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝሰምዑ እንተኾነ ግና ጌና ከምዘይተመያየጥሉ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾነ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ናይ ርእሶም ጠቕላይ ቤተ ክህነት ከም ዘጣየሹ ክልላዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን እየን።
እቶም ኣብ ክልላዊ ቴሌቪዥን ዝቐረቡ መራሕቲ ሃይማኖት "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትበጽሕ ትም ኢሎም" ክብሉ ክሲሶም።
ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ መሓመድ ካሕሳይ "ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓት ወጻኢ ዝኾነ መገዲ ተኸቲሉ'ዩ" ብምባል እቲ ኣብ ሞንጎ ዝነበረ ርክብ ክቋረጽ ከም ዝወሰኑ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Tigray Television
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ ኣቕሽሽቲ፣ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከቡዎም ኣመንቲ ተቐቲሎም'ዮም።
ፕሮግራም ወጻኢ ኤውሮጳ ምስ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ "ወተሃደራት ኤርትራ ናብቲ ብ6 ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ገዳም ደብረዳሞ ብምድያብ ጥንታዊ ናይ ኢድ ጽሑፋትን ሃብትታትን ዘሚቶም" ክብል እንከሎ ኣብ ውቕሮ ንዝርከብ መስጂድ ኣል ነጃሺ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ቦታታት'ውን ብርክት ዝበሉ ኣብያተ እምነት ዕንወት በጺሑዎም ኢሉ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ወርሒ ጥሪ'ውን፡ በዓል መዚ መጽናዕትን ሓለዋን ቅርስታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ውቕሮ ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝወስድ ከባቢ ፍሉሽ ስሙ ነጋሽ ዝርከብ ጥንታዊ መስጂድ ኣል ነጃሺ ከምኡ'ውን ቤተክርስትያን ኣማኑኤል ጉድኣት ከም ዝበጽሖም ኣረጋጊጹ'ዩ።
እቲ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓሙ ኣብ ናይ እምነት ትካላት ዕንወት ክበጽሕ ተራእዩ'ዩ።
በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።
ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣሚና መሓመድ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን ክካየድ ዝጀመረ ልዝብ ይቕጽል ከም ዘሎ ብምገላጽ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሕና ኢና" ብምባል ዘለዋ ኣአንፊታ ነይራ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







