ኲናት ትግራይ፡ ብዛዕባ ‘ድሮናት’ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየድኦ መጥቃዕቲ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
- Author, ብፒተር ምዋይ
- Role, BBC Reality Check
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም።
ገለ ካብቲ መጥቃዕትታት ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ዘጋጥም ዘሎ ሞትን መውጋእትን ከኣ ዝያዳ ኣሻቓሊ ይኸውን ኣሎ።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ መንግስቲ ፈደራል ኣንጻር ጸላኢኡ ዝጥዕሞን ዘድምዓሉን ኣጽዋር ክጥቀም መሰል ከምዘለዎ ይገልጽ።
ይኹን እምበር ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገበረ ይምጉት።
8 ጥሪ ፦ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ
ኣብ ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ደደቢት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣብ ዝተዓቚቡ ተጋሩ ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ ሚእቲ ድማ ቆሲሎም ።
እቲ ብሰራሕተኛታት ረድኤት ናብ ፖለቲኮ ዝቐረበ ምስሊ፡ ንገለ ግዱሳት ናጻ መርመርቲ፡ እቲ ኣብቲ ፍጻመ ዝተጠቕመሉ ኣጽዋር፡ ካብቲ ብቱርኪ ዝተሰርሐ ባይርክታር ቲቢ-2 (Bayraktar TB2) እተሰምየ ሚሳይል እተተኰሰ ምዃኑ ከምዝኣምኑ ሓቢሮም።
ብመሰረት ኣባላት ናይ ሓደ ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ ዝመደበሩ ጕጅለ ሰላም ፓክስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ እቲ ቝርጽራጽ ሓጻውንን ክንፊ እቲ ተተኳስን ምስተን ዝተጠቕሳ ዓይነት ድሮን ዝመሳሰል'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቱርኪ ድሮን ምእታወን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዊም ዝዊጂንበርግ ዝተባህለ ምስ ፓክስ (PAX) ዝሰርሕ ተመርማሪ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ተመራማሪ ድሮናት ቱርኪ፡ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ መደበር ኣየር ከም ዘለዋ ካብ ሳተላይት ብዝረኸቦ ስእሊ ኣረዲኡ።
እተን ድሮን ብቅርጸን፡ ስፍሓት ክንፈንን ብንውሓትን ነተን ዝጥቀሳ ዘለዋ ዓይነት ድሮን ከምዝመሳሰላ እቲ ስእሊ ናይ ሳተላይት የረድእ። ስእሊ ብምውድዳር ክፍለጥ ይከኣል እዩ።
እንተኾነ እዘን ፍሉያት ድሮናት ኣብዚ ስርሒት እዚ ተኻፊለን እንተኾይነን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ዝኾነ መረጋገጺ ኣይሃበን።
ዋላ'ኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይተፍልጠ፡ ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ተፈራሪማ እያ።
ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣመሪካ መንግስቲ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ብዝገበሩዎ መሸጣ ኣጽዋር ዝምልከት ስክፍታኣ ገሊጻ ነይራ።
6 ጥሪ ፦ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ዝተገብረ መጥቃዕቲ
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ተመሳሳሊ ዕላማ ንዘለዎም ተቓወምቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ተኻይዱ።
ሓደ ሓደ ሓበሬታታት እኳ እንተሎ፡ ብዛዕባ በቲ ደብዳብ ዘጋጠመ ጉድኣት ግን ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።
ይኹን እምበር ሓደ ተመራማሪ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ጊዳሚ ዝተረኽበ ቍርጽራጽ ሓጻውን ሚሳይል፡ እቲ ቦምባን ካብ ናይ ኢራን ድሮን ዝተደርበየ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝተረኽበ ብሳተላይት ዝተደገፈ ስእልታት፡ ድሮናት ኢራን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃረር ሜዳ፡ ከምዝተራእያን ብዓቐን ኣኽናፈንን ምስለንን ከምዝተረጋገጸን ተፈሊጡ ነይሩ።
ሓደ ካብ መርመርቲ በረራ ነፈርቲ፡ ኣብ ነሓሰ 2021፡ ካብ ኢራን ናብ ሃረር ሜዳን መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌን 15 ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝኣተዋ ኣረጋጊጹ።
ይኹን እምበር እንታይ ጽዕነት ከምዘራገፋ ኣይተፈልጠን። ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ እውን ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ናብ ኢትዮጵያ እትሸጠን ዘላ ድሮን ሻቕሎት ከምዘለዋ ብምግላጽ ብወግዒ ኮኒናቶ ነይራ።
16 ታሕሳስ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ዕዳጋ ኣላማጣ
ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ 2021 (2014) ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ብዘጋጠመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣየር 28 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም።
ሓይልታት ትግራይ፡ ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነፈርትን ድሮንን ዝተፈጸመ ደብዳባት ምዃኑ ይገልጹ።
ፍንጫላት ሓጻውን ናይቲ ዝተተኮሰ ቦምባታት ነፈርትን ሚሳይል ድሮናትን ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ናይ ሚሳይል ፍንጭልጫል ከኣ ብግልጺ ክረአ ይከኣል።

ሓደ ካብ ቅሉዕ ምንጭታት ተበጊሱ መርመራ ዝገብር ትካል እቲ ዝተረኽበ ኣሰራት ናይቲ ፍንጭልጫል ሓጻውን ሚሳይላት፡ ምስቲ ብ'ብሉ ኣሮው -7' (Blue Arrow 7) ዝፍለጥ ካብ ድሮናት ቻይና ዝትኮስ ሚሳይል ምዃኑ የመልክት።
ብሳተላይት እተላዕለ ስእልታት ከም ዝሕብሮ፡ ብቻይናውያን እተሰርሐ ዊንግ ሎንግ ዝተባህለ ድሮን፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ መጥቃዕቲ ኣላማጣ ብ15 ታሕሳስ ኣብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሃረር ሜዳ ከምዝተራእየ የረድእ።
እቶም ቅሉዕ ምንጭታት ተጠቒሞም ሓበሬታ ዝህቡ ተመራመርቲ፡ ቻይና ንዳህሳስን ምክትታልን ዘገልግላ ዊንግ ሎንግ ዝተሰምያ ድሮንስ ንኢትዮጵያ ሂባ ነይራ።
ካብ መገዲ በረራ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ቸንጉዱ ዝተባህለ ናይ መንግስቲ ትካል መፍረዪ ነፈርቲ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኢትዮጵያ ዝተላእከ ናይ ጽዕነት መራኽብ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS
ይኹን እምበር፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሕቡራት ኢሜሬት ዓረብ እውን፡ ዊንግ ሎንግ ድሮንን ብሉ ኣሮው ሚሳይልን ንኢትዮጵያ ሂባታ።
ኣብ ስቶክሆልም ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር ሰላም (SIPRI) ኢሜሬት ዊንግ ሎንግ ድሮንን ብሉ ኣሮው ሚሳይልን ከምእትውንን ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዛዕባ በረራ ኣብ ዝተገብረ መርመራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 119 ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ካብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማራት ናብ መደበር ሓይሊ ኣየር ሃራር ሜዳን ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌን ዓሊበን። ይኹን እምበር እቲ ጽዕነት እንታይ ከምዝነበረ ንምርግጋጽ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብዚ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ መልሲ እንታይ እዩ?
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ብዛዕባ እቲ እተጠቕሰ ነገራት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን እዩ።
ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣበይ ከም ዝኾነ እኳ እንተ ዘይገለጽኩ፡ መንግስቲ ኣብ እተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን [ድሮን] ተጠቒሙ እዩ" ኢሉ።
ይኹን እምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከምዘይተጠቕምሉ ሓቢሩ።
እተን ድሮናት ብርግጽ መዓስ ከምዝመጽኣ ዝፈለጥናዮ ነገር የለን።
ቢቢሲ ንመንግስታት እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት፡ ድሮናተን ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ከምዝተሳተፋ ብዛዕባ ዝገልጹ ጸብጻባት ተወኪስናዮም ኔርና፡ ዝሃብዎ መልሲ ግን የለን።
ነተን ባይራክታር ድሮን ዘፍረየ ትካል ቱርኪ እውን ተሓቲቱ ነይሩ፡ ምላሽ ግን ኣይረኸብናን።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣጽዋር እገዳ ስለዘየለ፡ ብዛዕባ እተን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዋ ዘለዋ ድሮናት ብኣህጉራዊ ቅጥዕታት ውዕላትን ኣከራኻሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ግና፡ ተሳትፎ ድሮናት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዘሎ ግጭታት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል ።
ኣባል ጉጅለ ፓክስ ዊም ዚዊጅነንበርግ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኣብነት፡ "ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ሓያሎ ክስታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከቢድ ሕቶታት ከልዕል ከምዝኽእል" ይኣምን።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







