ግሪክ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ሓዊ ኣብ መርከብ ዝጠፍኡ 11 ሰባት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ቀጺሉ

ሓደጋ ሓዊ ዘጋጠማ መርከብ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓደ ካብቶም ኣብ ጥቓ ግሪኽ ብዓርቢ ሓደጋ ሓዊ ዘጋጠማ መርከብ ዝጠፍኡ ተጉዓዝቲ ብህይወት ከም ዝተረኽበ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

እዚ ወዲ 21 ዓመት ቤላሩሳዊ መራሒ መኪና መሰላል ተጠቒሙ ካብታ ሓደጋ ዘጋጠማ መርከብ ናብ ጃልባ ዝሓኾረ ኮይኑ፡ ናይ መጀመርታ ቃሉ 'ብህይወት ኢኻ ዘለኻ በሉኒ' ክብል ተሰሚዑ።

ንሱ ንማዕኸን ዜና ግሪኽ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብታ መርከብ ድምጺ ካልኦት ሰባት ከም ዝሰምዐ ተዛሪቡ።

ሕጂ'ውን 11 ሰባት ዝጠፍኡ ኮይኖም ልዕሊ 270 ሰባት ምድሓን ተኻኢሉ'ዩ።

እታ ባንዴራ ጥልያን ዝነበራ ብጥልያናዊ ኩባኒያ ግሪማልዲ ላይንስ እትውነን ‘ዩሮፌሪ ኦሎምፒያ’ ዝተባህለት መርከብ ብዓርቢ ካብ ግሪኽ ሊጎምኒትሳ ናብ ወደብ ብሪንዲሲ እናተጉዓዘት እንከላ’ዩ እቲ ሓዊ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኪና ተላዒሉ።

እቶም ድሃዮም ዘይተረኽበ ሰባት ኩሎም ካብ ቡልጋርያ፣ ግሪኽ፣ ቱርክን ሉታኒያን ዝመጸዕኡ መራሕቲ ቃፍላይ መካይን ከም ዝኾኑ ሰብ መዚ ግሪኽ ይገልጹ።

ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ እቲ ሓዊ ንምጥፋእ ክልተ መዓልቲ ክወስደሎም እንከሎ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ብዘይምጥፍኡ ግን ሰባት ንምድሓን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

እታ መርከብ ብጠቕላላ 239 ተጉዓዝትን 51 ሰራሕተኛታት ሒዛ ምንባራ እቲ ኩባኒያ ይገልጽ።

ብዓርቢ እውን ከም ተጉዓዝቲ ዘይተመዝገቡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ክልተ ኣፍጋናውያን ምድሓን ተኻኢሉ እዩ ክብሉ ሓለውቲ ባሕሪ ግሪኽ ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም።

ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝድሓኑ መራሒ መኪና ዳኔሎ ካርሉሲ “ሞት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ርኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ምኽንያት እቲ ሓደጋ ሓዊ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል’ውን ምጽራይ ክግበር መምርሒ ከም ዝተዋህበን ካፒቴን ሓዊሱ ሰለስተ ሰባት ቃሎም ክህቡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም።

እቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዘይተረኽበ 11 ሰባት፡ ሽዱሽተ ካብ ቡልጋርያ፣ ሰለስተ ግሪኽ፣ ሓደ ካብ ቱርኪ፣ ሓደ ድማ ካብ ሉታኒያ ምዃኖም ሰብ መዚ ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ቡልጋርያ 127 ዜጋታቱ ኣብታ መርከብ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

እቶም መራሕቲ መኪና ምናልባት ኣብ ክንዲ እቶም ዝተጻበቡ ናይ ተጉዓዝቲ ቦታታት ኣብ መኪንኦም ክድቅሱ ተነጊሩዎም ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ካብቶም መራሕቲ መኪና ንቴሌቪዥን ግሪኽ ተዛሪቦም።