ኣብ ስዑዲ ዓረብ 30 መራሕቲ ባቡር ንምቁጻር ንዝወጸ መጸዋዕታ 28,000 ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪተን

ኣብታ ሃገር ናይ ባቡር ስራሕ ንፈላማ እዋን'ዩ ደቂ ኣንስትዮ ከመልክታ ዝፍቅድ ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ሃገር ናይ ባቡር ስራሕ ንፈላማ እዋን'ዩ ደቂ ኣንስትዮ ከመልክታ ዝፍቅድ ዘሎ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ 30 ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ባቡር ክቖጽር ዝመሚ ዘሎ ኩባኒያ ባቡር ክሳብ ሕጂ 28 ሽሕ ኣመልከትቲ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

እተን ዕውታት፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ስልጠና ካብን ናብን ቅዱሳት ከተማታት መካን መዲናን ኣዝየን ልዑል ፍጥነት ንዘለወን ባቡራት ክዝውራ ከም ዝኾና ተገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ ንዓሰርታት ዓመታት ዝተሓተ ተሳትፎ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ሃገር'ያ ኮይና ጸኒሓ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን መንግስቲ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምዕባይ ጻዕርታት ክገብር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ እዚ ሓደ ካብ መደባት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ምዃኑ ይንገር።

ብተወሳኺ፡ ደቂ ኣንስተዮ መኪና ክዝውራ የብለንን ዝብል እገዳ ብምልዓልን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ብናጽነት ክጉዓዛ ብምፍቃድን ለውጢ ክመጽእ ገይሩ'ዩ።

ነዞም ለውጢታት ስዒቡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ብዕጽፊ ወሲኹ ናብ 33 ሚኢታዊት ዓብዩ'ዩ።

ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ዓለም ተጸንቢረን።

ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን እቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብቐንዱ ድማ እቲ ዓውዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝበዝሑዎ ኣብ ኣመሪካ ዝማእከሉ ኢንስቲትዩት ብሩኪንግስ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት።

እቲ ሕጂ ስፔናዊ ኩባኒያ ባቡር ዝጀመሮ መመያ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ባቡር ድማ ኣብቲ ዓብዪ ክፍተት ዘለዎ ዓውዲ ህዝባዊ ኣገልግሎት ቁሩብ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብታ ሃገር ዋላ'ውን ማሕበራዊ ዕረያ ይግበር እንተሃለወ፡ ሕጂ'ውን ግን ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ክምርዓዋ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኣ ወይ'ውን ናብ ሕክምና ክኸዳ ኣይኽእላን።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሓዳር፣ ስድራቤት፣ ፍትሕን ምስ ቖልዑ ዝተሓሓዙ ውሳነታታ ኣብ ምሃብን ሕጂ'ውን ጸገማት ይበጽሐን ከም ዘሎ ይገልጹ።