ሓንቲ ነፍሰጾር ብሰላም ክትገላገል ዝሓገዘ ዛምብያዊ ወተሃደር መዓርግ ተወሲኽዎ

ምንጪ ስእሊ, ZAMBIA REPORTS
ዛምቢያዊ ወተሃደር ንሓንቲ ነብሰጾር ኣብ ማእኸል ናይ ዕፉን ሕርሻ ብሰላም ክትገላገል ስለዝሓገዛ ናእዳታት ይውሕዘሉ ኣሎ።
ምኽትል ሓለቓ ዓሰርተ ሃምፍረይ ማንጊሳኒ፡ ነቲ ዝፈጸሞ ሰናይ ተግባር ስዒቡ ናብ ሙሉእ መዓርግ ሓለቓ ዓሰርተ ክሰጋገር ተገይሩ።
እታ ነብሰጾር ኣብ ሕማም ሕርሲ ምህላዋ ምስፈለጠ ሞተርሳይክል ኣዳልዩ ናብ ሆስፒታል ከብጽሓ ጉዕዞ ጀመሩ።
ንሳ ብኻልእ ሰብ ኣብ እትዝወር ሞተርሳይክል እናተጓዓዘት ንሱ ድማ ብናይ ብዓሉ ሞተርብሽክሌታ ይስዕባ ነይሩ። ይኹን’ምበር ገና ኣብ መገዲ እናሃለዉ እቲ ሕማም ሕርሲ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጸሐ። እታ ነብሰጾር ክትወልድ ተቓረበት።
“ዝናብ እናዘነበ ከሎ ኣብቲ ናይ ዕፉን ሕርሻ ክትሓርስ ሓገዝ ክገብረላ ግድን ኮይኑ” ይብል ሓለቓ ዓሰርተ ማንጊሳኒ። ንዕትብቲ እቲ ዝተወለደ ህጻን ድማ ብመላጸ ቆረጾ።
“ንዕኣ [ነታ ነብሰጾር] ክረድእ ካብ ስራሕ ብምትራፈይ ንስርሐይ ናብ ዝስእነሉ ሓደጋ ኣውዲቐዮ ነይረ” ክብል’ዩ ንጋዜጠኛታት ዛምቢያ ተዛረቡ።
እታ ነብሰጾር ምስተገላገለት ናብ ገዝኣ ኣይኮነን ኣፍንይዋ። ነቲ ህጻን ሒዙ ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰዶም ይዛረብ።
ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ስልጠና ምውሳዱ ዝገልጽ እቲ ወተሃደር፡ ነታ ኣደ ብምሕጋዝ ግብራዊ ከምዝገበሮ ይገልጽ።
ንዝሰርሖ ሰናይ ተግባር ስዒቡ ነቲ ህጻን ስም ከውጽኣሉ ስለዝተሓተተ ድማ ‘ራይሞንድ ቴምቦ’ ክብል ሰምይዎ’ሎ።
ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ተግባር ሓለቓ ዓሰርተ ማንጊሳኒ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዝጸንሐ ግጉይ ኣመለኻኽታ ዝቕይር ምዃኑ ሓቢሩ።
ብርጋዴር ጀነራል ከልቪን ካንጉማ፡ ወተሃደራት ጉድኣት ዘኸትሉ ከምዝኾኑ ጌርካ ዝውሰድ ንዝነበረ ኣተሓሳስባ “ወተሃደር ንሰባት ክረድእ ከምዝኽእል ዘርእይ ትግባር” ክብል ገሊጹ።
ኣብ ዛምቢያ ኣብ እዋን ወሊድ ብዝፍጸሙ ስሕተታትን ግድፈታትን በቢሰሙኑ ልዕሊ 100 ሓደሽቲ ህጻናት ንሕልፈት ከምዝቃልዑ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር።
ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት ሓደ ድማ ነብሰጾራት ብሰንኪ ራሕቒ ትካላት ጥዕና ኣብ ገዛ ንምውላድ ይፍትናሞ እቲ ሕርሲ ክኸብድ ከሎ ግን ደንጉየን ናብ ሆስፒታል ብምኻደን’ዩ።
እቲ ካልእ ምኽንያት ከዓ ሕጽረት ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝኾነ ሚንስተር ጥዕና እታ ሃገር ሲልቪያ ማሴቦ ትዛረብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







