ትምህርቲ፡ "ፈተና እናተፈተንኩ ኣብ ሓያል ቃንዛ ሕርሲ ነይረ"

ምንጪ ስእሊ, Ilu Abba Bor Zone communication office
ጓል 21 ዓመት ፋጡማ፡30 ደቒቕ ድሕሪ ሕርሳ ኣልማዝ ድማ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቒ ፈተና ከም ዝወሰዳ ንቢቢሲ ተዛሪበን።
ተቐማጢት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ መቱ ዝኾነት ተማሃሪት ኣልማዝ፡ ቅድሚ ሕርሳ ፈተና ክትወስድ እኳ ትጽቢት እንተነበራ፡ ብሰንኪ ናይ ምስልምና ጾም ሮሞዳን እቲ ፈተና ክናዋሕ ተገዲዱ።
ሰኑይ፡ ቁሩብ ቅድሚ'ቲ ፈተና ዝጅምረሉ ሰዓት ሕርሲ ተታሒዛ።
"ፈተና ክወስድ እሸባሸብ ስለዝነበርኩ፡ ብዙሕ ኣይተጻዓርኩን" ክትብል ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ተዛሪባ።
ናይ እንግሊዝኛ፡ ኣምሓርኛን ቁጽርን ፈተናታት ኣብቲ ትእለየሉ ዘላ ካርል መቱ ሆስፒታል ኮይና ወሲዳቶ።
ፋጡማ ሳኒ ዝተበሃለት ተመሃሪት ድማ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ካብ እትወልድ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ሃገራዊ መጠቓለሊ ፈተና ተፈቲና።
ቅድሚ ሰዓት ንቃንዛ ሕርሲ ተፀዊራ ፈተናታት ስነህይወትን ሲቪክስን ተፈቲና፡ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ወለደት ኣብ ሆስፒታል ኮይና ነቲ ካልእ ፈተና ወሲዳ።"ፈተና እናተፈተንኩ ኣብ ሓያል ቃንዛ ሕርሲ ነይረ። ናብ ፈተና ቅድሚ ምእታወይ ብቕሩብ የሕመኒ ስለዝነበረ፡ ቃንዛ ሕርሲ ኣይመሰለንን። ስለዝኾነ ድማ ብዘለኒ ዓቕሚ ክልቲኦም ፈተናታት ሰሪሐ ንክወፅእ ፈቲነ" ኢላ።
ነቲ ፈላማይ ፈተና ብምትብባዕ ፈተንቲ ንሕርሲ ተፃዊራ ምስ ወድአት ናይ ድሕሪ ሰዓት ጉዕዞ ናብ ሆስፒታል ደሴ ከም ዝኾነ ትዛረብ።
ኣብ ሆስፒታል ኣትያ ድሕሪ ምውላዳ'ውን ኣብ ውሽጢ ናይ ፍርቂ ሰዓት ኣፈላላይ፡ ሓራስ ኮይና ባይሎጅን ኬሚስትርን ኣብቲ ሆስፒታል ተፈቲና።

ምንጪ ስእሊ, Ilu Abba Bor Zone communication office
ተማሃሪት ኣልማዝ ብወገና ነፍሰ-ጾር ኮይና ትምህርታ ክትከታተል ብዙሕ ዘጸገማ ከም ዘይነበረ ብምግላጽ፡ "ነቲ ፈተና ንምውሳድ ንዝቕጽል ዓመት ክትጽበ ኣይደለኹን" ትብል።
ብዓል ቤታ ኣቶ ታደሰ ቱሉ ብወገኑ፡ ፈተናኣ ኣብቲ ሆስፒታል ኮይና ክትፍተኖ ነቲ ቤት ትምህርቲ ከም ዘእመኖ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ድሕሪ'ቲ ፈተና፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትኣቱ ዝሕግዛ ናይ ክልተ ዓመት መዳላዊ ኮርስ ክትወስድ ትዳሎ ኣላ።
እታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝሓረሰት ፋጡማ "ድሕሪ ሰዓት እውን ፈተና ነይሩና እዩ፤ ስለዘይኸኣልኩ ግና ፖሊስን ኣተሓበበርትን ናብ ሆስፒታል መፅዮም ፈቲኖምኒ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







