ቆልዓ 7 መዓልቲ ዝርከቦም ተመዛበልቲ ህጻናት ብሰንኪ ቀዝሒ ህይወቶም ሓሊፉ

ሶርያ መጽለሊ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ብዝወቐዐ በረድ ዝሓዘለ ዝናብ ስዒቡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ከቢድ ቀዝሒ ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ዝነበሩ ህጻናት ህይወቶም ሓሊፉ።

ሓደ ሓላፊ ወድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ፡ ብሰንኪ እቲ ዛሕሊ ህይወቶም ዝሓለፉ ህጻናት ወዲ ሸውዓተ መዓልቲን ወዲ ክልተ ወርሒን ይርከብዎም።

ኢድሊብ ኣብ ዝተብሃለት ግዝኣት ኣስታት 2.8 ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቂቦም ይርከቡ። ዝበዝሑ ድማ ሙቐት ዝህቡ ክዳውንትን መሞቒ ማሺንን ኣብ ዘይብሎም ዝኣረጉ መጽለሊ እዮም ዝነብሩ።

ካብታ ንዓሰርተ ዓመታት ብዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሶርያ ዝተመዛበሉ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝኸፍኣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሶርያ ዝተርአየ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ዋጋ ምግቢ ተንከፍ ነገራት ብዕጽፊ ክውስኽ ምኽንያት ከምዝኾነ እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ብዘይካ ሞት እቶም ክልተ ዕሸላት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን’ውን ኣሌፖ ኣብ ዝተብሃለ ግዝኣት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ፡ ካብ ዝውለድ ሓደ ወርሒ ዝገበረ ህጻን ብሰንኪ ከቢድ ዛሕሊ ከምዝሞተ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጥ፡ ገባሪ ሰናይ ሶርያ ኣፍሊጡ።

ካልእ ዕሸል ድማ፡ ኣብቲ ይነብረሉ ዝነበረ መጽለሊ ተኣኪቡ ዝነበረ በረድ ምስ ፈረሰ ህይወቱ ሓሊፉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ኢድሊብን ኣሌፖን ኣብ ዝበሃሉ ግዝኣታት ዝርከቡ 287 መጽለሊታት ብዛሕሊ፣ ብውሕጅን ሓያል ንፋስን ተጠቒዖም ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ልዕሊ 935 ግዝያዊ መጽለሊ ዳሳት ዓንዮም ተባሂሉ።

ኣብ ሶርያ ዳይሬክር ድሕነት ህጻናት [ሴቭ ዘቺልድረን- ውድብ ሕቡራት ሃገራት] ሶኒዓ ካሁሽ “ህጻናት ብሰንኪ ዛሕሊ ህይወቶም ንሓደጋ ክቃልዕ ኣይምተገበአን” ኢላ።

እታ ዳይሬክተር፡ በቲ ቅድሚ 11 ዓመት ዝተወለዐ ቅልውላው ምኽንያት ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናት ብማሕበረሰብ ዓለም ዕሽሽ ዝተብሃሉ ይመስል ክትብል’ውን ገሊጻ።