እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ 'ገለ ሸነኽ ዛንታ ስደት ክነግር ኢለ'የ ነዛ መጽሓፍ ጽሒፈያ'
ብኤርትራዊ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት 'ኣብ ሊብያ'የ ጠነሰ' ኣርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ 29 ጥሪ ኣብ ሽወደን ተሓቲማ።
እዛ 19 ሓቐኛ ዛንታታትን 216 ገጻትን ዘለዋ መጽሓፍ፡ ደራሲ ጸጋበርሃን ጎይትኦም ናብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ከምኡ'ውን ናብ በልጂምን ሽወደንን'ውን እኹል መጽናዕቲ ኣካይዱ ዝደረሳ ምዃኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።
ጸጋብርሃን "እቶም ኣብ ዝኸድክዎ ቃለ መሕተት ገይረ ዛንትኦም ኣብዛ መጽሓፍ ዘስፈርክዎ ሰባት፡ ፍቓደኛታት ስለዝኾኑ ስእሎም'ውን ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ" ብምባል፡ ሓቀኛ ኣሳእል እቶም ሰብ ዛንታ ኣብቲ መጽሓፍ ምስፋሩ ነቲ ዛንታታት ሰብ ናብ ነብሱ ከቕርቦ ከምዝሕግዝ ገሊጹ።
ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ዛንታ ስደት ኤርትራውያን ክጽሓፍ ስለዘይርኣየ፡ ንገለ ሸነኽ ናይቲ ዛንታ ንኽነግር ኢሉ ነዛ መጽሓፍ ከምዘዳለዋ እዩ ዝሕብር።
ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኣብ 2020 እዩ ብስደት ናብ ሃገረ ሽወደን ኣትዩ።
ናብ ሽወደን ካብ ዝኣቱ ከኣ ምጽሓፍ 'ኣብ ሊብያ'የ ጠኒሰ' ካልኣይቱ መጽሓፉ ኮይና ኣብ ታሕሳስ 2020'ውን 'ወጽዓ'ታ ህጻን' ዝኣርእስታ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ነይሩ።
ኣብ ስደት ኣትዩ ነቲ ዓዲ ተላሚዱ ቀልጢፉ ናብ ድርሰታት መጻሕፍቲ ክኣቱ ዝደረኾ ነገር ክገልጽ እንከሎ "እወ ብርግጽ ሰብ ካብ ዝለምዶ ቦታ ወጹኡ ናብ ሓዲሽ ባህሊ፡ ዓድን ኣነባብራን ክኣቱ እንከሎ ንኽላመድ ግዜ ይወስደሉ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነዛ ናይ ጭንቅን ምልማድን እዋን ብምጽሓፍ ከሕልፋ ኣለኒ ኢለ'የ ናብ ምጽሓፍ ኣትየ" ይብል።
ጸጋብርሃን ጎይትኦም እታ ንሱ ዝነብረላ ዘላ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ትርከብ ከተም ኡምዮ፡ ንደረስቲ ኣዝያ ተተባብዕ ከተማ ምዃና ብምሕባር፡ ነዛ መጽሓፍ ንኸዳሉ ኣስታት100 ሽሕ ክሮነር [10 ሽሕ ዶላር] ከምዝሓገዝዎ ገሊጹ።
"ናብ ኣፍሪቃ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይደ መጽናዕቲ ንከኻይድ ምሉእ ወጻኢታት እቲ ምምሕዳር'ዩ ሸፊንለይ" ኸኣ ኢሉ።
ኣብታ ኣብ 2020 ዘሕተማ 18 ዛንታታት ዝሓዘት 'ወጽዓ'ታ ህጻን' ዝኣርእስታ መጽሓፍ'ውን ብተመሳሳሊ ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ ከምዝመወልዎ ጸጋብርሃን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ካብ 1999 ጀሚሩ ክሳብ 2019 ኣብ ጋዜጣ ንገጻት ህይወት ዝድህስስ ዓንቐጻትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ዘበርከት ዝነበረ እዩ።
ብዘይካ እዚ ኣብ 2005 'ኣይወድኻን'ዩ' ፡ ኣብ 2010 'ዛንታ ሄለን' ፡ ኣብ 2013 'ተመርዓወኒ'ባ፡ ኣብ 2015 'ንኽሊቴና'ባ ተመርዖ'፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2018 'ኣዒንተይ ዘምጽኣለይ መዘዝ' ዝብላ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ኣብ ኤርትራ እንከሎ ብውልቑ ዘሕተመን መጻሕፍቲ እየን።
ምስዘን ኣብ ስደት ምስ ወጽአ ዘሕተመን ክልተ መጻሕፍቲ ኸኣ ብሓፈሻ ሸውዓተ መጻሕፍቲ ንንባብ ኣብቒዑ ኣሎ።
ምስ ካልኦት ደረስቲ ብምዃን'ውን ኣብ ሓያለ መጻሕፍቲ ሓጸርቲ ዛንታታት ዘበርከተ ደራሲ እዩ።
ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ኣብ ዓመተ 2011 'ተበርህ ተስፋሁነይ' ብዘርእስታ ድራማ፡ ብሉጽ ደራሲ ኣብ ነዊሕ ድራማ ፡ ኣብ 2012'ውን 'ገንዘብ'ዩ ህይወተይ' ብእትብል ሓጻር ዛንታ ቀዳማይ ተዓዋቲ ኮይኑ ነይሩ።
ኣብ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ 2014 ኸኣ 'ብኸመይ ሃብቲማ?" ብእትብል ሓጻር ዛንታ ክሽለም ከምዝኽኣለ ንቢቢሲ ገሊጹ።