ኣብ ትግራይ ዝመጽእ ዓመት መረጻ ክካየድ እዩ

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይን ካልኦት 6ይ ሃገራዊ መረጻ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2016 ዓ.ም [ግእዝ] ከባብያዊ መረጻ ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ነዚ ዝገለጸ፡ ጸብጻብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዓመት 2015 ዓ.ም ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ዲሞክራስያዊ ጉዳያት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ።

ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ቦርድ ኣቶ ውብሸት ኣየለ፡ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝተወሰኑ ክልላት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከምዘይተኻየደ ብምግላጽ፡ ኣብዚ ዓመት 2015 ዓ.ም ክካየድ ተሓሲቡ ከምዘይተዓወተ'ውን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ፡ 6ይ ሃራዊ መረጻ ከይተኻየደ ምትራፉ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ንበይኑ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ መረጻ ድማ፡ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ከምዝነጸጐ ዝዝከር እዩ።

ድሕረ ባይታ ምስሕሓብ መረጻ ኣብ ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ብ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም 6ይ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ምድላዋት ተጀሚሩ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ እቲ መረጻ ንክናዋሕ ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ጉዳይ መረጻ፡ ንክልቲኦም ውድባት ህወሓትን ብልጽግናን፡ ዝመርሕዎም መንግስታትን ከተፋንኖም ተራእዩ።

ህወሓት፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ፡ ናይ ባዕሉ ክልላዊ ቦይቶ ኣቝሙ፡ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ወሲኑ።

'ጉዳይ መረጻ ሕጋውን ዲሞክራሲያውን መሰል ስለ ዝዀነ፡ ነቲ መረጻ ክነካይዶ ኢና፤ ነዚ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን' ዝበለ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ፡ መረጻ ምክያድ ዝንኣሰ መሰል ርእሰ-ውሳነ ከምዝዀነ ይገልጽ።

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ግን፡ ትግራይ መረጻ ክተካይድ ከም ዘይትኽእል፣ እንተተኻይዱ ድማ ሕጋዊ ከም ዘይከውን ብምግላጽ እቲ ምትፍናን እናዓበየ መጺኡ።

ክልል ትግራይ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን፡ መንግስቲ ፈደራል ዘይደልዮን ዘይተቐበሎን ብ04 ጳጉሜን 2012 [09 መስከረም 2022] መረጻ ኣካይዳ።

ባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፡ እቲ መረጻ "ዘይሕጋውን ተቐባልነት ዘይብሉን" ክብል ነጺግዎ።

በዚ ምኽንያት፡ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ መንግስቲ ፈደራልን ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ጸኒሖም።

እቲ ምስሕሓብ፡ ካብ ናይ ቃላት ኲናት ሰጊሩ ናብ ናይ ሓይሊ ጐንጺ ኣምሪሑ ንክልተ ዓመታት ደማዊ ኲናት ምስዓቡ ዝዝከር እዩ።

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰለማውያውያን ሰባት ህይወቶም ክስእኑን ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸመ ጸብጻበት ይሕብሩ።

እቲ ኲናት ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ደው ክብል እንከሎ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ ውጽኢቱ ተሰሪዙ፡ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ተተኺሉ ነቲ ክልል ኣብ ምምሕዳር ይርከብ።