እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትማሊ ዝተኻየደ መረጻ ትግራይ፡ እንታይ ይመስል ነይሩ
ትግራይ፡ ትማሊ 04 ጳጉሜን ኣብ ዘካየደቶ መረጻ፡ ካብ'ቲ ክመረጽ ዝተመዝገበ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ህዝቢ፡ እቲ ልዕሊ 97 ምኢታዊት ኣድሚጹ ክኸውን ከምዝኽእል ኮሚሽን መረጻ ትግራይ ይገልጽ።
እንተኾነ፡ እቲ ዝመረጸ ህዝቢ ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ገና ብወግዒ ክገልጽ እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ናይ መረጻ ቦታታት ከይዱ ዝተዓዘቦ፡ ብስእሊ ክነቕርበልኩም።