እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራሃባ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ"ካብ 100 ካድራት ስለስተ ኣርባዕተ ክኢላታት ባህሊ ዝለዓለ ሓይሊ ነይርዎም"
ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ(ራሃባ) በሃር ስነ ጥበባዊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ልዕሊ 300 ደርፍታት ዘፍረየ ኣብ ስነ ጥበብ ኣስታት 65 ዓመታት ዘበርከተ፡ ብህይወት ካብ ዘለዉ ስነ ጥበባውያን ኤርትራ እቲ ዝገደመ በዓል ሞያ እዩ።
ራሃባ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ኣብ 1937 ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ እትርከብ ሃዘጋ ኣብ እተብሃለት ዓዲ'ዩ ተወሊዱ፡ ብጀካ ብትግርኛ ብትግረ፤ ዓረብን ኣምሓርኛን'ውን ይደርፍ እዩ።
ብምኽንያት መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 'ተራ ስነጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጸነት ኤርትራ' ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ስዒቡ ይቐርብ።
ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ በሃር ስነ ጥበባዊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ንሃረርታ ናጽነት ኤርትራ ካብ መዓስ ጀሚርካ ኢኻ ከተዘይም ጀሚርካ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ናጽነት ናይ ሓባር ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ በብ'ቲ ዝንባልኡን ሞይኡን'ዩ ዝሳተፎ ነይሩ። ንሕና ከኣ ኣብ ስነ ጥበብ ስለዝነበርና ብሞያና ንነጥፍ ነይርና።
እቲ ሃረርታ ናጽነት ድማ ልክዕ ከምቲ ኣባይ ዝነበረ ኣብ ኩሉ ሰብ ነይሩ እዩ። ሰብ ከኣ በብቲ ክብሎን ክገልጾን ዝኽእል ይብሎ ነይሩ'ዩ።
ብረታዊ ቃለሲ ኤርትራ ኣብ መስከረም 1961 እዩ ጀሚሩ፤ ንስኻ ድማ ኣብ 1961 ዕምባባ መስከረም ትብል ደርፊ ኣውጺእኻ፡ ምስቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ምትሕሓዝ ነይርዋ ድዩ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ 1961፡ ኣብ ታሕታይ ባርካ እዩ ጀሚሩ። ቀስ እናበለ ከኣ ናብቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከበሳ ደይቡ ናብ ኩሉ ህዝቢ ተዘርጊሑ።
እዛ ዕምባባ መስከረም እትብል ደርፈይ'ውን ምስቲ ድሮ ብውሑዳት ሰባት ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ'ያ ትተኣሳሰር።
ብግሉጽ ግን ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ፤ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ፡ ስነ-ጥበብ፡ ህዝቢ ኣብ ምጉስጓስን ምንቃሕ፡ ጥራይ ዘይኮነ ውዳቤታት ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ስለዝነበሮ ምስዚ ኣተኣሳሲረ'የ ሰሪሐያ።
ብሓፈሻ ኪነ ጥበብ ካብ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ቅድሚኡን ዓቢ ግደ'ዩ ነይርዎ።
ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ኬንካ ኣንጻሩ ጐስጓስ ከተካይድ ክሳብ ክንደይ'ዩ ከቢድ ነይሩ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ከቢድ እዩ፤ ምእሳር ኣሎ ምቕታል'ውን ኣሎ። ንኹሉ ኢኻ ትዳለወሉ፡ ስለዚ ብሓደ ወገን ቃልሲ ክዓቢ፡ ጉዕዞ ክቕጽል ትደሊ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስግኣት ኣሎ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት እዩ ነይሩ።
ሃገራዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ግን ክካየድ ነይሩዎ፤ ንገብሮ ድማ ነይርና።
ብምስጢራዊ ግጥምታትን ቃላትን ክንደርፍ እንከላና እቲ ህዝቢ ቀልጢፉ ይርድኣና ነይሩ።
ሕራይ ዶክተር በረኸት፡ ኣብ 1969'ውን ሃሪ ማዕተበይ ዓሽየ'ምበር ኩላቶም ሰበይ ኢልካ'ውን ደሪፍካ ነይርካ፡ እዛ ደርፊ ከተውጽኣ እንከለኻ እቲ ሽዕኡ ዝነበረ መድረኽ እንታይ'ዩ ዝመስል ነይሩ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ነቲ እዋን ዝመስል ደርፊ ክትደርፍ እንተኼንካ መጀመርታ ነቲ መድረኽ ክትርድኦ ኣለካ።
ኣብ መወዳእታ ሱሳታት ህዝቢ ብዝግባእ ስለዘይነቕሐ ንኣሳልጦ ዓንቃፊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ምንዕዓቕን ነይሩ።
ገዛእቲ እውን ብሃይማኖት ዓሌትን ቋንቋን ሃጓፍ ክፈጥሩ ይጽዕሩ ስለዝነበሩ፡ ነቲ ዝነበረ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ ንምእራምን ሓድነት ንምፍጣርን፡ ፍቕሪ እንተልዩ ዝቐንዓናን ፈጣሪ ዝድግፈናን ብምባል፡ ነዛ 'ሃሪ ማዕተበይ ዓሽየ'ምበር ኩላቶም ሰበይ' እትብል ደርፊ ደሪፈያ።
'ኣንታ ሓላፊ መንገዲ እንተረኸብካያ ንመለይ ሰላም በለለይ' ትብል 'መለይ' ዘርእስታ ደርፊ'ውን ሽዕኡ እያ ተዘይማ፡ እቲ ሓላፊ መንገዲ ናበይ እዩ መልእኽቲ ከብጽሓልካ ትምሕጸኖ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ እወ ግርም ኣለኻ 1969 እያ ደሪፈያ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ደማ ድሮ ሸሞንተ ተረርቲ ዓመታት ኣቑጺሩ ነይሩ።
ብ1969 ብጀካ እቲ ድሌትን ናፍቖትን ናጽነት ልዑል ምንባሩ፡ ካብቶም ዝገዝኡ ዝነበሩ ዝወርድ ዝነበረ ተጽዕኖ'ውን ማዕሪኡ ዛይዱ'ዩ ነይሩ'ዩ፤ ምቁንጻብ ነይሩ፤ ምድሃል ነይሩ፤ ንዕቀት ነይሩ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢ ኵይንካ ኢኻ ትሰርሕ።
ደርፊ መለይ ድማ ናይ ፍቕሪ ኣምሲለ'የ ሰሪሐያ። ህዝቢ ድማ ቀልጢፉ ተሪዲኡኒ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰብ ኮይኖም 'ከምዚ ማለቱ'ዩ' ዝብሉ ንቑሓት ሰባት ድማ ነይሮም እዮም።
ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ሰባት ልዕሊ እቲ ንሕና ንብሎ ገይሮም፡ ንሰብ 'እዛ ደርፊ እዚኣ ከምዚ ማለት'ያ' እናበሉ ኣብ ምጉስጓስ ቃልሲ ንናጽነት ይጥቀምሉ ስለዝነበሩ 'መለይ' ልዕሊ እቲ ኣነ ትጽቢት ዝገበርኩላ'ያ ሰሪሓ።
ዶክተር በረኸት ኣብቲ እዋን፤ ነዚ ሃገራዊ ስምዒታት ዘለዓዕል ደርፍታትካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክትደርፎ እንከለኻ ካብ ሰብ እንታይ ዓይነት ስምዒትን ግበረ-መልስን ተንብብን ትረክብን ነይርካ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ባህግን ህንጡይነት ሰባት ኣብ ናጽነት ላዕሊ'ዩ ነይሩ። ጎድኒ ጎኑ ከኣ ፍርሒ እውን ነይሩ። ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ኣርዑት ንወሳወስ ስለዝነበርና ከቢድ ስግኣት ነይሩና።
ልክዕ ከምዚ 'ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን'ዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ዕላማኻ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትደሊ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ ካብቲ ገዛኢ ሓይሊ ጉድኣት ከይበጽሓካ ትፈርሕ። ግን ንሕና ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ኣደራዕ ተቐቢልና ንሰርሕ ነይርና። እቲ ካብ ህዝቢ ዝውሕዝ ዝነበረ ናእዳን ኣድናቖትን ከኣ መዘና ኣይነበሮን።
ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ነቲ ብደርፍን ብግጥምን ትጒስጉሰሉ ዝነበርካ ሃገራዊ ቃልሲ'ውን ተጸንቢርካዮ ኢኻ፤ እቲ እዋን መዓስ'ዩ ነይሩ? መዓስ ኢኻ ናብ ሜዳ ተሰሊፍካ? ኣብ ሜዳኸ ነቲ ስነ ጥበብ ከመይ ቀጺልካዮ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ኣብ 1975 እየ ንሜዳ ተሰሊፈ። ኣብ ሜዳ ንኽትደርፍ ነጻ ኢኻ ከጋጥመኒ'ዩ እትብሎ ሕማቕ ነገር የለን። መስዋእቲ፡ መውጋእቲ፡ ጥሜት፡ ጽምኢ፡ ዕርቃን ኩሉ ከም ሰብካ ኢኻ፡ ፈሊጥናዮ'ውን ስለዝተሰለፍና ኣየጸገመንን።
ናይ ተቓለስቲ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ስለዝነበረ ድማ ንኹሉ ክትክእሎ ይሕግዘካ እዩ።
ካብ ሜዳ ናብ ሃገራት ኣዕራብ እናኸድና ድማ ህዝቢ ነነቓቕሕ ነይርና።
በዓልቲ ቤተይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተኣሰረትን ደቀይ ብዘይ ኣላዩ ንበይኖም ምስ ተረፉን፡ ደቀይ ንምሕጋዝ ብ1980 ካብ ሜዳ ናብ ዓዲ ዓረብ ወጺአ።
ብፍላይ እቲ ንእሽቶ ቖልዓ ንሜዳ ምስ ከድኩ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ'ዩ ተወሊዱ። ንበዓልቲ ቤተይ ነብሰ ጾር'የ ገዲፈያ ነይረ፤ ኩሎም እቶም ደቀይ ኸኣ ናእሽቱ እዮም ነይሮም።
ኣብ ሜዳ እንከለኻ ምስ ቅጽበታዊ ዓወታት ዝተኣሳሰሩ ዝሰራሕካዮም ደርፈታት'ከ ነይሮም'ዶ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ንሓደ ደርፊ ክትሰርሕ ዘበገሰካ ነገር ኣሎ፤ ነብሲ ወከፍ ሃገራዊ ደርፊ ድማ ምስኡ ዝተኣሳሰር ክስተት ኣሎዎ።
ግጥሚ ክትጽሕፍ፡ ዜማ ከተውጽእ ኣብ ውሽጥኻ ገለ በል ዝብል ስምዒት ክደፍኣካ ናይ ግድን'ዩ። ስለዚ፡ ነብሲ ወከፍ ደርፊ ዘንቅሎን ዘበግሶን ኩነታት ኣሎ። ልክዕ ከምዚ ንሃሪ ማዕተበይ ትብል ደርፈይ ከነዕልለላ ዝጸናሕና ማለት እዩ።
ገና ናብ ምርኢት እናቐረብና ሽዕኡ ገጢምና ሽዕኡ ዘይምና ነቕርበሉ ግዜ ነይሩ'ዩ። ብዝያዳ ድማ ኣብቲ ንህዝብን መንእሰያትን ኣብ ምንቃሕ ኢና ነተኩር ነይርና።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ስነ ጥበባዊ ጎስጓሳት እነተዘይግበር ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1991 ክውን ምኾነዶ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ስነ ጥበብ ሓደ ዓቢ መንኮርኮር ቃልሲ እዩ። ካብ 100 ካድራት ስለስተ ኣርባዕተ ክኢላታት ባህሊ ዝለዓለ ሓይሊ ነይርዎም ክብል እደፍር እየ።
ሓደ ሓደ ግዜ ምርኢት ከነርኢ እንከለና፡ እቶም ምርኢትና ክርእዩ ዝመጽኡ መንእሰያት ብትሕዝቶ ደርፍታትናን ግጥምታትን ተመሲጦም ብኡ ኣቢሎም ናብ ሜዳ ዝስለፉ ውሑዳት ኣይነበሩን።
ስለዚ፡ ስነ-ጥበብ ንጉዕዞ ናጽነት ዝድርኽ፡ ንጸላኢ ዝድህልን ዓቢ ኣበርክቶ ነይሩዎ።
ብስነ ጥበብ፡ ጅግንነትን ቆራጽነትን ጀጋኑ ብምግላጽ፡ ኣሽሓት ጀጋኑ ኢኻ ተፍሪ፤ ናይ ብሓቂ ኸኣ ሰሪሑ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኸውን ደርፋታት ኣፍሪኻ ኣለኻ ዶክተር?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 300 ደርፍታት ኣፍርየ ኣለኹ። ገና ድማ ይቅጽል ኣለኹ። ቀደም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይነ ዝደረፍክዎ ሕጂ ከም ብሓድሽ ይደርፎን ይመልኦን ኣለኹ። ዛጊት ናብ ህዝቢ ዘይበጽሐ ኣስታት ኣርብዓ ዝኸውን ሓደሽቲ ደርፍታት ሰሪሐ ኣለኹ።
ቅድሚ ሜዳ ብረቂቕ ሕቡእ ጥበብ፡ ኣብ ሜዳ ብምሉእ ናጽነት፡ ኣብ ስደትን ድሕሪ ናጽነትን ናብ ሃገረይ ምስ ተመለስኩን ከኣ ብዙሕ ደርፍታት እየ ደሪፈ።
ከምዚ ዝገለጽኩልካ ገና'ውን ይገጥምን ይዝይምን ይደርፍን ኣለኹ።
ዶክተር እዛ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ ትብል ሽመት ካብ መን ኢኻ ረኺብካያ?
በረኸት መንግስትኣብ፡ ሓደ እዋን ፕረዚደንት ኢሳያይሳ ኣብ ዝተሳተፈሉ በዓል ምርኢት ነቕርብ ነይርና።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ሕጂ ራሃባ ኢልኩም ጸውዕዎ ኢሉ ብማክሮፎን ሓቢሩ ነዛ ሽመት ሂቡኒ።
እንታይ ማለት እዩ ኢሉ ሰብ ምስ ሓተተ ድማ፡ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ ማለት እዩ ኢሉ ኣብሪሁዋ።
ኣነ ድማ ተቐቢለያ ብኣውሎ ምስጋናይ ገሊጸሉ።
ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ በሃር ስነጥበባዊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ
ኣነ'ውን የመስግነካ