'ዓለም ደሓን ኩኒ' - ኣብ ድነ ሞት ተማሂሩ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ኤርትራዊ ውጻእ መዓት

ዛንታ ጉዕዞ ሂወቱ ዘገርም'ዩ። ንሂወቱ ኣብ ውልዶኣ እንከላ ንሞት ወፍይዋ፡ ሞት ግን ካልእ ውጥን ከም ዘለዋ፡ ኣይሃወኸቶን-ወጥና ክሳብ ዝገሃድ።

ካብተን ፈተንቲ ዕለታት ሂወቱ ሓንቲ መዓልቲ ከኣ፡ ብቐትሩ ጸልሚትዎ፡ ንበይኑ 'ምጾታት ዓለም' ኣርኪብዎ። ደጊም ንዓለም ደሓን ኩኒ በላ ክሳብ ዝበሃል፡ 'ክልተ ሞት'ዩ' ዝብል ብሂል ኣድሂብሉ ኣይፈልጥን'ዩ።

ብክልተ ሞት ተቐርቂርካ ናይ ተስፋ ባና ክትርኢ ምጽባይሲ ይትረፍ ምሕሳብ'ውን ቀሊል ኣይኮነን።

ብዘይምግናን፡ ኣብ ሰፈር ኣናብስ ጥራይ ዘይኮነ ኣትዩስ፡ ኣብ ኣፍ ጥሙይ ኣንበሳ ወይ ሓርገጽ'ዩ ንነብሱ ረኺቡዋ- ማዕበል ሂወት ዘይገብሮ የብሉን።

ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብሞቑሕ ተቐይዱ- ንኣእምሮኣውን ኣካላውን ህላወ ዝፍትን ኩነት!

'ዓለም ደሓን ኩኒ'

ዛንታ ናይዚ ኤርትራዊ፡ 40 ዓመት ንድሕሪት'ዩ ዝምለስ። እቲ ዝኣተዎ ምድራዊ ገሃነም'ውን ቃል ብቓሉ "ደሓን ኩኒ ዓለም" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

ምስ'ዚ፡ ኹሉ ግን፡ ከምቲ "ካብ በላዒ ብልዒ ኣውጻእካ" ዝበሃል፡ ሃቐናኡን ጥምሑን ዘይጽንቀቕ'ዩ።

ብዛዕባ'ቲ ዝሓለፎ መስገደል ክዛረብ እንከሎ፡ "ኣነ ኣብ ኣለም-በቃኝ ክእሰር ከሎኹ መንእሰይ'የ ነይረ፣ ብማእሰርቲ ተዳሂኸን ላድየን ዘይኰነስ በሲለ ኸኣ ወጺአ፣ ከምዚ ክብል ከለኹ ግን ንክወጽእ ትጽቢትን ተስፋን ኣይነበረንን" ይብል ገብረ ገብረማርያም።

ንሱ ብጊዜ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ 1979 ማለት'ዩ፡ ምስ ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ምሩኻት ኲናት ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዝነበረ ብ"ኣለም በቓኝ" ዝፍለጥ፡ ንሕልፈት ዝተፈርዱ እሱራት ዝሕየርሉ ቤት ማእሰርቲ ተሰጋጊሩ።

"ህይወት ዘይብሉ ኣቕሓ ይድርበ'ዩ፡ ወዲሰብ ግን ኣብ ኣለም-በቃኝ ከም ኣቕሓ ተደርብዩ ከም ዝነበረ ኣነ ህያው ምስክር'የ፣ ኣብኡ ሰብ ዋጋ ከምዘይነበሮ ተማሂረ ወጺአ" እናበለ ገብረ ተዘክሮታቱ ይፍትሽ።

"ኣብ ዉሽጢ ኣለም-በቃኝ ኣይኰነንዶ ንዓመታት፡ ሰብ ንሒዶት መዓልታት ክእሰር ብኣድማሳዊ ሕጊ ዜኽስስ ዓቢ ገበን'ዩ፣ ኣብኡ ህይወቶም ብኣሊፍ ዝጠፍኡ ሰባት ጸብጺብካ'ኳ ኣይውዳእን" ይብል ገብረ።

ነቲ ዝገጠሞ መስገደል ብኸመይ ክሰግሮ ከም ዝኸኣለ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ድማ፡ "ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ደርበዩና ኣነን ብጾተይን ነቲ ኵነታት ብቕልጡፍ ክንመዝኖ ከኣልና። ብዓል ጓንቡር ኰነ ነገርሳ ዝበሃሉ፡ ኣዝዮም ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ እሱራት፡ ምስ ረአና ነገሩ በርሃልና" ይብል

"እንተ ኣብ ኣለም-በቃኝ ዝነበረ ዓመጽ፡ ዕልቕልቕ፡ ርስሓት፡ ምሒር ጽቕጥቅጥ፡ ጥምየት፡ ሕማም ... ክዝክር ዓቕለይ እጸበኒ ... ቦታ ተሳኢኑ ኣብ ሽቓቕ ዝሓድረሉ ዝነበረ እዋን'ውን ነይሩ'ዩ" ብምባል ነቲ ኵነታት ይገልጾ።

ኣብቲ መሓውሮም ዝተመቋሓሉን፡ ኩነተ-ኣእምሮኦም ንሓደጋ ዝተቓላዓሉን፡ ዘርዕድ መዳጎኒ፡ እቲ እንኮ መዋጽኦ ጌሮም ዝወሰድዎ፡ ንኣእምሮኦም ብቐጻሊ ስራሕ ጸሚዶም፡ ብርሃን ክውልዕሉ ጥራይ'ዩ።

"ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ኵሉ ዓይነት ሰብ'ዩ ነይሩ፡ ዓቢ፡ መንእሰይ ከምዚ ከማይ፡ ስንኩል፡ ሕሙም፡ ጥዑይ፡ ጽሉል፡ ተላጋቢ ሕማም ዀነ ዘይሓወየ ክፉት ቍስሊ ዘሎዎ፡ ምሁራት፡ ሰውራውያን፡ ሰረቕቲ፡ ቀተልቲ ... ኮታ ኵሉ ዓይነት ሰብ'ዩ ነይሩ። ምስ ኵሉ ተማሳሲልካን ተጻዋዊርካን እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣገባብ ናብራ ኣይነበረን።

"ስለዚ ወርትግ፡ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት፡ ኣብ ጭንቀትን ክቱር-ጸቕጥን ተሸሚምና ነሕልፎ ኔርና ... ምስ ከምኡ ዓይነት ናብራ ኸኣ ክንላዘብ ተገደድና" ድሕሪ ምባል "ንሕና ግን ሓንቲ ዓባይ ብልጫ ነይራትና" ክብል ወሰኸሉ።

"ኣነን ብጾተይን ናይ ኤርትራ ፖለቲካ እሱራት ብምንባርና ኣሰርትና እቲ 'ኤርትራ' ዚብል ኣምር ካብ ሓሳብናን ቀልብናን ክወስድዎ ከቶ ኣይከኣሉን፣ ዘይልሕልሕ ኒሕ፡ ዉዕዉዕ መንፈስ ሒዙና ድማ ሃገራዊ ቃልስና ቀጸልና፣ ኣይተሸነፍናን፡ ነቲ ኵነታትና ክንቈጻጸሮን ከነሸንፎን ግን ኣዝዩ ሓጊዙና'ዩ" ክብል ንዝነበሮም ተሪርን ነቓጽን መርገጺ ይዝክር።

መዋጽኦ ዝፈጠረ ህሞት

ብ 1991 ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ኣዲስ ኣበባ ንምቑጽጻር ኣብ ወሰናስን እታ ከተማ ምስበጽሐ፡ ኣብ ኣለም-በቃኝ ዝነበሩ ሓለውቲ ብምህዳሞም፤ እቶም 'ኦሮማይ' ዝተባህለሎም ግዳያት መዓጹ ደፊኦም ክወጹ ከኣሉ፣ ህይወቶም ከኣ ኣድሓኑ።

ገብረ ኸኣ ምስኦም ህይወቱ ኣድሓነ። ድሕሪ 12 ዓመታት ካብቲ ዓዘቕቲ ክወጽእ ብምኽኣሉ ተዘክሮታቱን እቶም ናይ ሽዑ ስምዒታቱ ይስዕርዎ'ዮም።

በቲ ዝተጓነፎ ዕድል "ዳግማይ ተፈጢረ" ብምባል ጥራይ'ዩ ዝገልጾ።

"ይዅን'ምበር" ይብል ገብረ፡ "እቲ ናይ ኣለም-በቃኝ ስምብራት ጌና ምሳይ ኣሎ፣ ስድራይን መቕርበይን ዝተሳቐይዎ'ውን ንባዕሉ ስቅያት'ዩ ነይሩ።

"ግናኸ ኵሉ ሓሊፉ። እቶም ሰንበተ-ሰንበት፡ ይፍለጡና ኣይፍለጡና ብዘየገድስ፡ መግቢ ሒዞምልና ዝመጹ ዝነበሩ ኤርትራውያን ወትሩ እዝክሮም።"

"ናይ ኤርትራ ምሩኻት ኣበይ ኣሎዉ እናበሉ ደልዮም ይረኽብና ነይሮም" እናበለ ንዝነበሮም ህዝባዊ ደገፍን ምድንጋጽን ይገልጽ ።

ንምዃኑ ኣለም-በቃኝ ከመይ ይመስል ነበረ?

ኣለም-በቃኝ ዝበሃል ቤት-ማእሰርቲ ብፍርሂ ንሰባት፡ ኢትዮጵያውያን ኰነ ኤርትራውያን፡ ዘርዕድ ከም ዝነበረ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት ይገልጽዎ።

ሓደ ዶክተር ኣለክስ ደቫል ዝተባህለ ተመራማሪ ብዛዕባ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ክዛረብ እንከሎ "ዕርዲ ጭኰና ናይ ዝሓለፉ መንግስታት ኢትዮጵያ'ዩ ነይሩ" ብምባል ይገልጾ።

ስሙ ክርቋሕ ከሎ ነቶም ብዕድል ካብቲ ጸበባ ክድሕኑ ዝኸኣሉ እሱራት ሕርቃንን ቍጥዐን ከለዓዕል፡ ነቶም ሰቦም ካብ ኣለምበቃኝ ክድሕኑ ዘይከኣሉ ድማ ቅብጸተ ሕልና ዜስዓበ ነበረ።

ህዝቢ ንኣለም-በቃኝ ከም ሰንደቕ ምልካውነት መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነስ ከም መጠንቀቕታ'ዩ ዝርእዮ ዝነበረ - ኣብ መስርዕን ፍቕድን መንግስቲ እንተ ዘይኣቶኻ ምቕርዳድን ምእሳርን ከም ዝነበረ፡ ወይ ከኣ ብሒም ንዝበለ ክሕጐም ምዃኑ ዜመልክት መጠንቀቕታ ከም ዝነበረ ይንገረሉ።

ኣለም-በቃኝ ኣውራ ዝፍለጠሉ ምኽንያት ግን በቲ ብዕለት 24 ሕዳር 1974 ዝተኻየደ መቕዘፍቲ'ዩ። ወትሃደራት ብመካይን ሰባት ጽዒኖም ናብ'ቲ ብእምኒ ዝተሃንጸ ቤት-ማእሰርቲ ክእትዉ ዝተራእይሉን ኣድራጋ ጠያይት ዝተተኰሰሉን ለይቲ ስለ ዝነበረ።

በታ ለይቲ'ቲኣ ግዝያዊ-ወትሃደራዊ-ምሕደራ (ደርግ) ብኣልማማ ን60 ኣባላት መንግስቲ ሃይለስላሴ ነበር ረሸነ። ብድሕሪ'ታ ለይቲ'ቲኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዀነ ኤርትራ እንታይ ከም ዝተኸሰተ ንምግላጹ ዜስካሕክሕ ከም ዝነበረ ሓያሎ መሰኻኽር ኣይኒን ናይ ታሪኽ ተመራመርትን ገሊጾሞ ኣለዉ።

ታሪኻዊ ኣገዳስነት ኣለም በቃኝ ኣዝዩ ዓቢ'ዩ፣ ምኽንያቱ በቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመዓጹ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝሓለፉ፡ እሞ ዉርደትን ሕስረትን ዝተቐበሉ እሱራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ንባዕሉ ኣርማ ናይ'ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ጭካኔን መቕዘፍትን ስለ ዝዀነ፣ እዚ ኸኣ ብዘበን ሃይለሰላሴን ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ 70'ታትን 80'ታትን ዝተኻየደ ብ'ቀይ-ሽብር' ዝፍለጥ ቀዛፊ ሃድን ክርሳዕ ዘይግብኦ ታሪኽ'ዩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ማዕበል ቀይ-ሽብር፡ ሕልፍ ንኽንብሎ፡ ክፋል ናይቲ ብመበል 20 ክፍለ ዘመን ዝተኻየደ ወፍሪ ቅትለት ነበረ።

እዚ ክፍለ-ዘመን'ዚ ኣብ ኣርመንያ ዝተኻየደ ህልቂት፡ ናይ ስታሊን ዓቢ ህልቂት፡ ሆሎካስት (ህልቂተ ኣይሁዳውያን)፡ ናይ ካምቦድያ ሜዳታት ህልቂት፡ ማሕረዲ ቦዝንያን ሩዋንዳን የጠቓልል።

ስለዚ ወፍሪ 'ቀይ-ሽብር' ብፍላጥ ብናይ ሞት ጭፍራታት ዝተኻየደ ራዕዲ ምንባሩ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝለከመ ምንባሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጽዎ'ዮም። ስንብራቱ ድማ ኣብ ኣለም-በቃኝ ኣትሪፉ ነበረ።

ዶ/ር ደቫል ኣለም-በቃኝ ብምፍራሱ ሓደ ካብ'ቶም ኣበርቲዖም ዝተቓወሙ ተመራማሪ'ዩ። በቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸሓፈን በቶም ኣብኡ ዝጠፍኡን ዝበለዩን ሰባት ንመዘከርታ ኣብ ቀጽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ቤተ-መዘክር ንክስራሕ ብዙሕ ዝጸዓረ ተመራማሪ'ዩ። ኣይኰነሉን ግን።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብህልቂት ኣፍሪቃውያን ቤተ-መዘክር ንክሃንጽ ጌና ድልው ከም ዘይኰነ'ውን ዶ/ር ደቫል ይዛረብ። ባህሩ ዘውደ ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ'ውን ብሸነኹ ዜዘንቶዎ ተመሳሳሊ ታሪኽ ኣሎ።

ዚዝከር'ዩ፡ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ማዕረ እቲ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (OAU) ኢዩ ደው ኢሉ ነይሩ። ኣብ 2009፡ ኣብ ዘበን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጨሪሱ ከም ዝዓኑ ተገብረ።

"ዓቢ ታሪኻዊ ጌጋ" ብምባል ዶ/ር ደቫል ኰነ መሰልቱን ተቓወሙ። እቲ ቻይናውያን ድሒሮም ዝሰርሕዎ ሓድሽ ህንጻ ሕብረት-ኣፍሪቃ ኸኣ ልክዕ ኣብ ልዕሊ ኣለምበቃኝ'ዩ ተሃኒጹ ዘሎ።

ናብ ገብረ ክንምለስ ...

ናብራ ኣለም-በቃኝ፡ ብዅሉ ሸነኹ፡ ኣሰቃቒ ከም ዝነበረ ገብረ ክገልጾ ምስማዕ፡ ኣይኰነንዶ ነቲ እሱር ባዕሉ ንሰማዒ'ውን ከቢድ ተመኵሮ'ዩ።

"ሰለስተ ናይ 100 ግራም፡ ፍርቂ ዕምኲ-ኢድ፡ እሞ ኸኣ ዘይበሰለ ባኒ ንመዓልቲ ይወሃበና ነይሩ፡ ፍርቁ ቢሑቕ ስለ ዝነበረ ክንበልዖ ኣይንኽእልን ነርና። ጽርየት ኣይነበረን፡ መሕጸቢ ሳሙና ኣይወሃበና፡ ቅያር ክዳን እይነበረን፣ ብቲፎ (ተላባዒ ሕማም) ዝሓምም፡ ኣብ ኢድና ዝሞቱና'ውን ነይሮም'ዮም"

"ኣብቲ ማእከል ኣለም-በቃኝ ሰብ ዝሕነቐላ ብኣርባዕተ የዕኑድ ጥራሕ ደው ዝበለት መረባዕ ነይራ፣ ኣብ ክቢ እታ መረባዕ፡ ንየማን ኣዙሪት እንዳዞርና፡ ጥራሕ ኢና ክንቀሳቐስ ንኽእል ዝነበርና። ብመዓልቲ ጸሓይ፡ ብለይቲ ድማ ማይ ክወቕዓና ከም ናትና ጌርና ሒዝናዮ ንነብር ኔርና"

"ሰንበት ህይወት ንመልሰላ መዓልቲ ነበረት። ሳላ በጻሕቲ ሰብ ምዃንና ይርድኣና ነይሩ። ወረ ስድራ ንረኽበሉ፡ 'ኣጆኹም' ንሰምዓሉ መዓልቲ ነበረ፣ ሓድሓደ እዋን መግቢ ወይ ከኣ ቅያር ክዳውንቲ እንረኽበሉ መዓልቲ ነበረ፣ ብሓቂ ቅድስቲ መዓልቲ" እናበለ ብዘይ ገለ ምረት ይዛረብ።

ገብረ፡ ናይ ፖለቲካ እሱር እዩ ነይሩ። እቲ ማእሰርቲ ድማ ከም መቐጸልታ ናይ ቃልሱ ገይሩ እዩ ወሲድዎ። ቢቲ ዝረኸቦ ራህዋ ድማ ዳግማይ ከምዝተፈጥረ እዩ ዝዛረብ።

"ከም ዝበልኩኻ ዳግማይ እኮ'የ ተፈጢረ ... ስለዚ ነቲ ሓድሽ ህይወት ክጽንብልዶ ወይስ ዒሕ እናበልኩ ክነብር? ኩሉ ሓሊፉ'ዩ፣ ሰብ ግን ካብ ዛንታይ ክመሃር እደሊ ... ከምኡ ዘኣመአለ መንግስታዊ ገበን ዳግማይ ምእንቲ ንከይፍጸም" እናበለ ስምዒቱ ብኣንኩሮ የካፍል።

"ኣብ ኣለም በቃኝ ተማሂረን ምሂረን"

ትምህርቲ ሓደ ካብ'ቶም ገብረ ጸቒጡ ዝዛረበሎም ጕዳያት'ዩ። እቲ ኣብ ኣለም-በቃኝ ብሕቡእ እናተማህረ ክሳብ ኣብ ናይ 12 ክፍሊ ማትሪክ (ንዩኒቨርሲቲ ዜእቱ ፈተና) ምክፋሉን ብኣዝዩ ልዑል ነጥቢ (11 A's, 2 B's) ምሕላፉን ንባዕሉ ዓቢ ዛንታ'ዩ።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዘይተሰብረ ክብረ-ወሰን-እቲ ዓወት ቀንዴል ህይወቱ ድማ'ዩ፣ እቲ ዓወት ብክንደይ ሽግርን መሰናኽሎን ዝተሓዝአ፡ ብጥበብን ዓቕልን ዝተሰነየ ኰይኑ እቲ ዘዘንተዎ ታሪኽ ብመልክዕ መጽሓፍ'ምበር ብሓጺር ሓተታ ዚግለጽ ኣይኰነን። እቲ ዜገድስ ነጥቢ ኣብ መጨረትኡ ብምዓዋቱ'ዩ።

ክሳብ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ዝወጸሉ እዋን ድማ ንእሱራት ጥራይ ዘይኰነስ ንሓለውቲ ቤት-ማእሰርቲ'ውን እናመሃረ'ዩ ጊዜኡ ኣሕሊፉዎ።

"ካብ'ቶም ኣነ ዝመሃርኩዎም ኣሰርተይ ደረጃ ትምህርቶም ከማዕብሉ ስለ ዝኸኣሉ ማህደረ-ትምህርቲ ረኺቦም ንምብራቓውያን ሃገራት ዝተላእኩ ነይሮሞም" ይብል ገብረ።

"እታ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጻእናላ መዓልቲ - 27 ግንበት 1991 - ቀትሪ ሰዓት ሓደ - ከምዚ ትማል ኰይኑ ይስምዓኒ" ይብል ገብረ።

"እቶም ሓለውትና ዶኩሜንት ኣቃጺሎም ነብሶም ሓራ ከውጽኡ ንመዓጹ ቤት-ማእሰርቲ ኣርሕዮም ሃው በሉ፣ ንሕና ኸኣ ደድሕሪኦም ወጻና፣ ኣብ ንኸዶ ጠፊኡና ግን ዕግንግን ክንብል ይዝከረኒ ... ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጻእ'ውን ናቱ ጸገማት ነይሩዎ" ድሕሪ ምባል ብዛዕባ ዜጓነፎ ዕድል ይዛረብ።

ካብኡ ድማ ገብረ ዝተሓባበሮ ሰቡ ረኺቡ መገዱ ንኣስመራ ቀንዖ።

ዛንታኡ ግን ኣብኡ ኣይተወድአን። ኣብ ኣስመራ ኣትዩ ትምህርቱ ድሕሪ ምቕጻል ንወጸኢ ክምሃር ዕድል ረኸበ። ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ኸኣ ብናይ መዓርግ ዶክተር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተመረቐ።

"ኣብ ኤርትራ ግን ድሕሪ ናጽነት እቲ ኵነታት እናኸፍአ ከደ። ብድሕሪ ዉግእ ባድመ ምሁራን ካብ ሃገር ዝርሕቅሉ፡ ተማሃሮ ዝስደድሉ፡ ኣምራት ዲሞክራሲ ዝሓቐቐሉ፡ ኵነታት እሱራት ድማ ካብ'ቲ ኵነታት ኣለም-በቃኝ ዝኸፍኣሉ ዘበን መጸ" እናበለ ዛንታኡ ብቃዝኖት ይድምድም።