እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተራ ስነ ጥበብ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ-ብጭልፋ
- Author, ሃብቶም ወልደዮውሃንስ
- Role, ጋዜጤኛ ቢቢሲ
ኣሜሪካዊት ጸሓፊትን ተመራማሪትን ዳውን ብራንካቲ ስነ ጥበብን ኵናትን ብሓሙሽተ መንገድታት ከምዝተኣሳሰሩ'ያ ትሕብር።
ስነ -ጥበብ፡ ኣብ ኵናት ፍናን ሰራዊት ንምጉልባትን ኵናት ንምውላዕን፤ ዝተወለዐ ኩናት ንምህዳእ ጎስጓስ ንምግባር፤ ፍናን ጸላኢኻ ንምሩኽማሽ፤ ኣብ ኵናት ዘድልየካ ገንዘብ ንምርካብ ንምጉስጓስን ድሕሪ ኵናት ቁጠባዊ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዕላማን ውጽኢትን እቲ ኵናት ዕውት ምንባሩ ንምንጋርን ከምዘገልግል ከኣ ትገልጽ።
እንተኾነ ትብል ዳውን ብራንካቲ፡ ጸላኢኻ'ውን ተመሳሳሊ ሜላ ስለዝጥቀም፡ ኣብ ኲናት ንምዕዋት ኣብ ስነ ጥበብ እውን ልዕሊ ጸላኢኻ ጸብለል ምባል ከምዘድሊ ተረድእ።
ውድባት ሰውራ ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን'ውን ኣብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ንስነ ጥበብ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምልዕዓልን ህዝቢ ምስ ሰውርኡ ጥቡቕ ርክብ ንኽህልዎን ተጠቒመናሉ እየን።
ቢቢሲ ትግርኛ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ስነ ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ንዝነበሮ ተራ ጨሊፋ ፈታቲሻቶ ኣላ።
ተመራማሪ ታሪኽን ባህልን ተጋዳላይ ሰሎሙን ጸሃየ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕትት፡ ስነ ጥበባዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ቅድሚ ወግዓዊ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ (መስከረም 1961) ከምዝጀመረ'ዩ ዝገልጽ።
"ካብ 40ታት ጀሚሩ እቲ ንናጽነት ሃረር ዝብልን ዝጠልብን ስነጥብባዊ ዕዮታት ነይሩ እዩ። እተን ሽዕኡ ዝነበራ ጉጅለታት ስነጥበብ ድማ ነቲ ድሌታት ናጽነት ብተዋስኦን ብደርፊን ይገልጽኦ ነይረን እየን" ይብል።
ኣቶ ሰሎሙን፡ እቶም ስነ-ጥበባውያን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኮይኖም ይሰርሑ ስለዘነበሩ፡ ነቲ ክብልዎ ዝደልዩ ብረቂቕ ጥበብ መስጢሮም ይገልጹዎ ምንባሮም ድማ ይሕብር።
እቲ ስነ ጥብባዊ ዕዮታት ኣብ ክልቲኡ ውድባት (ህዝባዊ ሓይልታትን ተጋድሎ ሓርንት ኤርትራን) ኣብ 1975 ብውዱብ መልክዕ ከም ዝጀመረ ድማ ይገልጽ።
እቶም ካብቲ እዋን ኣብ ሕቑፊ ክልቲኡ ውድባት ኮይኖም ነቲ ስነጥበባዊ ውዳበ ዘካይዱ ዝነበሩ ድማ እቶም ኣብ ከተማ ኮይኖም ብስነ ጥበባዊ ዕዮታቶም፡ ንናጽነት ዝዝምሩ፡ ዝደርፉን ዝዋስኡን ዝነበሩ'ዮም።
ሓደ ካብቶም ብዙሓት፡ ኣብ 1975 ምስ ተሓኤ ኮይኖም ድሙቕ ስነ ጥብባዊ ውዳበታትን ንጥፈታትን ዘካይዱ ዝነበሩ ከኣ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ እዩ።
ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ብወገኑ ነቲ ቅድሚ ንሜዳ ምስላፉ ዝነበረ እዋን ከመይ ከምዝነበረ፡ ተዘክሮኡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ'ሎ።
"ከቢድ እዩ ምእሳር ኣሎ ምቕታል'ውን ኣሎ። ንኹሉ ኢኻ ትዳለወሉ፡ ስለዚ ብሓደ ወገን ቃልሲ ክዓብን ክቕጽልን ትደሊ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ስግኣት ኣሎ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት እዩ ነይሩ። ንሕና ብምስጢራዊ ግጥምታትን ቃላትን ጌይርና ክንደርፍ እንከለና እቲ ህዝቢ ድማ ቀልጢፉ ይርድኣና ነይሩ" ይብል።
ነታ ኣብ 1969 ዘዘየማ 'መለይ' ዝኣርእስታ ደረፊ ድማ ከም ኣብነት ይጠቕሳ።
"መለይ ናይ ፍቕሪ ደርፊ ኣምሲለ'የ ሰሪሐያ። ህዝቢ ድማ ቀልጢፉ ተሪዲኡኒ። ኣብ ውሽጢ እቲ ሰብ ኮይኖም ነቲ ንሕና ንደርፎ ደርፊ 'ከምዚ ማለቱ'ዩ' ዝብሉ ንቑሓት ሰባት ድማ ነይሮም እዮም . . . "
". . . ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ሰባት ልዕሊ እቲ ንሕና ንብሎን ንሓስቦን 'እዛ ደርፊ እዚኣ ከምዚ ማለት'ያ' እናበሉ ኣብ ምጉስጓስ ቃልሲ ንናጽነት ይጥቀምሉ ስለዝነበሩ 'መለይ' ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝገበርኩላ'ያ ኣድሚዓ" ይብል።
ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ፡ ኣብ 1975 ናብ ሜዳ ድሕሪ ምስላፉ ግን እቲ ስግኣታት ተቐንጢጡ ብጉጅለ ተወዲቦም ምስ ብጾቱ ከም ድላዮም ክሰርሑ ጀሚሮም።
"ኣብ ሜዳ ንኽትደርፍ ነጻ ኢኻ። ከጋጥመኒ'ዩ እትብሎ ስግኣት የለን። እቲ መስዋእቲ፡ ምጽማእ፡ ምዕራቕ፡ ምሕማም ኩሉ ከም ሰብና ኢና። ፈሊጥናዮ'ውን ስለዝተሰለፍና ኣየጸገመንን።
ናይ ተቃለስቲ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ስለዝነበረ ድማ ንኹሉ ክትክእሎ ይሕግዘካ እዩ።
ካብ ሜዳ ናብ ሃገራት ኣዕራብ እናኸድና ድማ ንህዝቢ ኣብ ምንቃሕ ዝሕግዝ ባህላዊ ምርኢት ነካይድ ነይርና።" ይብል።
ዶክተር በረኸት መንግስትኣብ ተራ ስነጥበብ ኣብ ምጉስጓስ ሃገራዉነት ክገልጽ እንከሎ ድማ "ስነ ጥበብ ሓደ ዓቢ መንኮርኮር እዩ፡ ኣብ ጎስጓስ ሃገራውነት ድማ ካብ 100 ካድራት ስለስተ ኣርባዕተ ክኢላታት ባህሊ ዝለዓለ ኣበርክቶን ሓይልን ነይርዎም" ክብል ይገልጾ።
ኣብ 1977 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ፡ ኣብ ሜዳ ሓደ ካብቶም ኣብ ስነ ጥብበ ዓቢ ሽም ዘጥረየ ተኽለ ክፍለማርያም (ወዲ ትኹል)፡ ኣብ ብረታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ልዕሊ 150 ደርፍታት ኣፍርዩ ኣሎ።
ይክኣሎ፤ ለሚን ለሚነይ፤ ባጽዕ ስየ፤ ጎምበል፤ እምባ ደንደን፤ ሳሊና ፈጨውን ካልእን ወዲ ትኹል ካብ ዝዝከረሉ ስነጥበባዊ ስራሓት ብውሕዱ'ዩ።
ወዲ ትኹል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ባህልን ልምድን ህዝቢ እቲ ዝዓበየ ሰረትን መሰረትን ናይ ጥበባዊ ስርሓትና እዩ። ንሕና ድማ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና፡ ንህዝብና ብትሽዓቲኡ ቋንቋታት ብሄራትና በቲ ዝርደኦ ቋንቋ ስነ ጥበባዊ ፍርያትና ነቕርበሉ ኔርና" ይብል።
እቲ ካብ ሕቚፉ ህዝቢ ዝወጽአ ተጋዳላይን ህዝብን ሓደ ዕላማ ስለዝነበሮ እቲ ቓልሲ ብዓድን ብበረኻን ተወሃሂዱ ንናጽነት በቒዑ። ከምኡ እንተዘይከውን ግን እቲ ዛንታ ካልእ ክኽውን ምኸኣለ ይብል ወዲ ትኹል።
ኣብ 1978 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈት ስምይቲ ድምጻዊት ኣብርሀት ኣንከረ'ውን (ጓል ኣንከረ) "ህዝባዊ ግንባር እንታይ ምስ ምንታይ ተቋሪኑ'ዩ ዕዙዝ ሓይሊ ዝፈጥር፡ ኣብ መጀመርታ'ዩ ፈሊጥዎ። እዚ ድማ ሰብ ኣብ ምንታይ የድምዕ ካብ ዝብል እዩ ዝጅምር " ትብል።
ኣብርሀት ኣብ ቃልሲ ምስተጸንበረት ኣብ ብርጌድ 51 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት እያ ተመዲባ። ዳሕራይ ግን ናይ ምድራፍ ክእለታ ተለልዩ፡ ኣብ ኣብ 1981 ካብ ብርጌድ 51 ተሳሒባ ኣብ ባህሊ ውድብ ብዙሕ ደርፍታት ዘፍረየት ድምጻዊት'ያ።
ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንጥፈታት ባህሊ ዓቢ ኣበርክቶ'ዩ ነይሩዎ። " ባህላዊ ጎስጓስ ማዕረ ከቢድ ብረት፡ ማዕረ ከላሺንን ኣርቢጅን እዩ ዘድምዕ" ትብል ኣበርክቶ ጉጅለታት ባህሊ እቲ ውድብ ዕዙዝ ምንባሩ ብምዝካር።
ኣብርሀት ኣንከረ፡ በቲ መረዋሕ ዝጥዕም፡ እናጸንሐ ዝምብድበድ ሓያል ድምጻ " ፋኖ ኣምበላይ ወጮ ሕፍረት ከዲኑ መሊሱዎም" ዝብል ደርፋ እትፍለጥ ወናም ድምጻዊት እያ።
ኣብ ቃልሲ ናጽነት፡ ኩሉ ሃገራዊ በብኽእለቱን ዓቕሙን ተወፍዩ ስለዝተቓለሰ ናጽነት ኤርትራ ህያው ኮይና።
ስነ-ጥበብ ከኣ ከም ሓደ መስመሪ መሳርዕን መበራበሪ ወንን ኣገልጊሉ።
ኣቶ ሰሎሙን ጸሃየ ስነ ጥበብ፡ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ከም ዝስለፍ ጥራሕ ዘይኮነ ክሳብ መወዳእታ ከም ዝጸንዕ ዝገበረ ሓያል ዕጥቂ ምንባሩ የረድእ።
"ጸላኢ ብመሳርሒታት ፕሮፖጋንድኡ 'ንወንበዴታት ደምሲሰዮም' ይብል ስለዝነበረ እቲ ሰውራ ከኣ፡ ብስነ-ጥበባዊ ዕጥቁ፡ ' ኣሎና ኣይተደምሰስናን። እኳ ደኣ ካብ ቀደምና ሰዊድናን ሓይልናን' ብምባል ነቲ ፕሮፖጋንዳ የምክኖን ንሞራል ህዝቢ የበርኾን ነይሩ" ይብል ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ።
ኣቶ ሰሎሙን፡ ካብ 1975 ዝጀመረ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ቀስ እናበለ፡ ብሓይሊ፡ ብቦጦሎኒን ብበርጌድን እናተወደበ፡ ኣብ ሰነ 1981 ካብ ኩለን በራጊድ ብዝተሓረዩ ሰባት ጉጅለ ባህሊ ውድብ ከምዝተመስረተት ይሕብር።
ኩለን ብርጌዳትን ሓያሎ ኣብ ደጀን ዝነጥፋ ክፍልታትን እቲ ግንባርን ነናተን ጉጅለታት ባህሊ ስለዝወደባ፡ ኣብ ንሓድሕዱ ብቕዱስ ቅንኢ ዝወዳደር ውዕውዕ ንጥፈታት ባህሊ እዩ ዝካየድ ነይሩ። ጉጅለ ባህሊ እቲ ውድብ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ሓራ መሬት ኤርትራን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ባህላዊ ዑደት ብምክያድ ብዙሕ መሃርን ጎስጓስን ምርኢታት የቕርብ ምንባሩ ኣቶ ሰሎሙን ጸሃየ ይሕብር።
"ኣብ 1984፣ 1986 ንሱዳን እንዳከድና ምርኢት ነቕርብ ነይርና።ብ 1989፥ 1990፥ 1991 ከኣ ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ገይሽና ኣብ ምርኢት ኣርኢና። በቲ እንገብሮ ዝነበርና ጎስጓስ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ንሜዳ ይስለፉ ነይሮም" ይብል ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ።
ስነ ጥብበ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ወኒ ህዝቢ ኣብ ምልዓልን ንቓልሲ ኣብ ምስላፍን ዓቢ ስራሕ ሰሪሑ። ኣብ ርእሲኡ እውን ህዝቢ ሓድነቱ ከደልድልን ሓቢሩ ክሰርሕን ጎስጒሱ። ኣብ ክልቲአን ውድባት ዝተወደቡ ሃገራውያን ድምጻውያን ኣብ ውሽጢ ጸላኢን ኣብ ግዳም ኣብ ስደትን ኮይኖም ንናጽነት ኤርትራ ዘሚሮምን ደሪፎምን እዮም።
ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ መጀመርታ ናጽነት ንብዙሓት ዓበይቲ ስነ ጥበበኛታት ነብሲሄር የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ነብስሄር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ፡ ሃይለ ገብሩ፡ ሓጎስ ብርሃነን ካልኦትን፡ ከምኡ'ውን ነብሲሄር ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ካልኦት ፖሎቲካውያን ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ዝተረኸብሉ 'ዛንታ ጓል ንጉስ' ዝሰመይዎ ዕላል እናኣዕለልዎም እተርኢ 'ቪድዩ' ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰብ ዝርኣያ ኣላ።
ኣብቲ ዛንታ ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ንጉስ ሓደ ግዙፍ ኣራዊት ሒዝዋ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ይንቆት'ሞ እቲ ንጉስ 'ንጓለይ ነጻ ዘውጽአ ክምርዓዋ ክፈቕደሉ'የ' ይብል።
ኣብታ ዓዲ ዝነበሩ ሓንባሲ፡ ቶኳስን ደራፍን ድማ ብሞያዊ ምትሕብባሮም ነታ ጓል ንጉስ ካብ ኣፍ እቲ 'ግዙፍ ኣራዊት' ነጻ የውጽእዋ።
ሕመረት ዛንታን መልእኽትን ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ብምትሕብባር ኩሉ'ዩ ዓወት ዝርከብ'ዩ ዝብል። ንእግረ መንገዶም፡ ድማ ተራ ስነ ጥበብ ኣብ ምዕቃብ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ዓቢ ምዃኑ ነቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ቀለስቲ ስነ ጥበብ ኤርትራ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ብምኽንያት መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ "ተራ ስነ ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ራእሲ ሃገራዊ ባህሊ በሃር ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስትኣብ፡ ተመራማሪ ባህልን ደራስን ኣቶ ሰሎሙን ጽሃየ፡ ተጋዳላይ ድምጻዊ ተኽለ ክፍለማርያምን (ወዲ ትኹል) ተጋዳሊት ድምጻዊት ኣብርሀት ኣንከረን (ጓል ኣንከረ) ዝገበርናዮ ቃል መሕተት ብተኸታታሊ ከነቕርበልኩም ኢና።