ኤርትራ፡ “ስነ ጥበብ ገድሊ እንተኾይኑ ንወዲ ኳዳ ጀነራል ምሃብክዎ”

ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ዓለምና ጸሓፍትን ደረስትን፤ ቀባእትን ቀረጽትን፤ ሙዚቀኛታትን ሳዕሳዕትን፤ ንስነ-ጥበብ ብዝተፈላለየ ቃላትን ኣበሃህላን ግን ዳርጋ ኩሎም ስነ-ጥበብ "ግርማ ሕብረተሰብ እዩ!" ክብሉ ይገልጹዎ።

ስነ ጥበብ ንባህልን ኣነባብራን ሕብረተሰብ መልክዕን ግርማን ኣልቢሱ ኣወቂቡን ኣድሚቑን ዘቕርብ መስትያት ህላወ እዩ።

ሓደ ሕብረተሰብ ብስነ ጥባበዊ ፍርያቱ እዩ ዝምዕርግ፤ ስነ ጥበባውያን፡ ኣብ ስፈ ከም ኣርግሄን ድርቅን፣ ቂሔ ጽልምን ሮዶን፤ ኣብ ቅብኣ ሕብርን ብራሽን፤ ኣብ ቅርጻ ምሳርን ሞደሻን ይምሰሉ።

ኤፍሬም ካሕሳይ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኣብነት'ዚ ዝዓልቡ፡ ኣብ ኩሉ ኢዱ ዝጸንበረሉ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ዝዝከርን ዝኽበርን ስርሓትን ፍርያትን ዘቕረበ ስሙይ፡ ብኣብነት ካብ ዝጥቀሱ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባዊ እዩ።

ኣብዚ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ተመኩሮኡ ኣብ ግጥሚ፡ ሕደማ፤ ዜማ፤ ናይ መድረኽ ድራማ፣ ኣልያን ድረሰትን ፊልም ኢዱ ጸንቢሩ።

በታ ኣብዚ ዓመት ባዕሉ ደሪሱ ዝኣለያ 'ዜና ዕረፍቲ' ዘኣርእስታ ሓጻር ፊልም ኸኣ ኣብ - 'ኢንዲ ፈስተ ፊልም ኣዋርድን ቤስት ሾርትስ ኮምፒቲሽን ኣዋርድስ ኦስካር ኤንድ ኤሚ' ዝተባህላ ኣህጉራዊ ውድድር ክልተ ወርቂ ተሸሊሙ።

እዚ ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ስነጥበብ፡ ኣብ 1999 ኣብ ሊድስ ዩኒቨርስቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምርካቡ ብትያትር ስታዲስ ብካልኣይ ዲግሪ ድሕሪ ምምራቑ፡ ናብ ኤርትራ ብምምላስ ጎኒ ጎኒ ስነጥበባዊ ፍርያት፡ ዘለዎ ተመኩሮ ብምክፋል ሓያለ ስነ ጥበባውያን ኣፍርዩ።

ወዲ ኳዳ፡ ሚኒስተር፣ ፈቲሐ'ዶ ክምርዓወኪ፣ ሰብ ኣርወን ምንያን ከምኡ እውን እዛ ኣብ ዓመተ 2019 ኣህጉራዊ ሽልማት ዝረኸበላ 'ዜና ዕረፍቲ' ዝብላ ፊልምታት ኣፍርዩ።

ኣብ ናይ መድረኽ ድራማ እውን መጋርያ፣ ኢለኒ፣ ወዲ ሰጊድ፣ ኣባ ደለም፣ ቤላ ሮባ፣ ኑዛዜ ዛኖይ፣ ሞባእን ካልኦትን፤ መብዛሕትአን እቶም ባዕሉ ዝምሃሮም ስነጥበባውያን ዝተዋስእወን ሓያለ ፍርያት ኣቕሪቡ።

ኤፍሬም ካሕሳይ ኣብ በዓላት ናጽነት፣ መዓልቲ ሰማእታት፣ መኽፈትን መዕጸውን ፈስቲቫልትን ካልኦት ሃገራዊ በዓላትን ከም ቅኒት ጓሶት፣ ሽም ነውጽኣሉ፣ ቀዳማ ምሸት፣ እንዳ ንህቢ፣ ሓላዊ መሸላ፣ እምባ ደንደን፣ ፈላሲት ዑና ጉዶ፣ ኣዝማች ጨፈና፣ ከንቲባ ተፋደ፣ ሰብ ወርቂ፣ ዞማ ኣጎስማ ዝብላን ካልኦት ድራማን ሙዙቃዊ ድራማን ኣቕሪቡ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዝኾነ ያታዊ ድራማ ኣብ ዘዳልወሉ እዋን ናብ ቦታ ፍጻሜን ታሪኽን ብምኻድ መጽናዕቲ ከምዝገብር ይሕብር።

"ስነ ጥበባዊ ዕዮ ክትሰርሕ እንድሕር ኮይንካ ያታን ታሪኽን ሃገርካ ምፍላጥ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሮቛሒታት እዩ" ኸኣ ይብል።

መሳርሕቱን ናይ ጥበብ ብጾቱንን ንወዲ ኳዳ ብኸመይ ከምዝገልጽዎ ንቢቢሲ ኣካፊሎም ኣለዉ

ስነጥበባዊ ኣወል ስዒድ

"ስነ ጥበብ ገድሊ እንድሕር ኮይኑ፡ ንወዲ ኳዳ ጀነራል ምሃብክዎ፡ ስነ ጥብብ ሓደጋ ምስ ዘጋጥሞ ካብቶም ኩቦ ደርብየሙሉ ኮፍ ዘይብሉ ንትንሳኤኡ ዝሃልኽ እዩ።

ንሕና፡ ከም ባህሊ ምስ ሓለፈ ከምዚ ነይሩ ከምዚ ኣበርኪቱ ምባል ኢና ንፈቱ፡ እንተኾነ ከሎ ኢና ከነኽበሮ ዝግባእ፡ ኣብ ስራሕ ስነ ጥበብ ንሓደ ሰብ ሓወልቲ ስራሕ እንተዝበሃል፡ ንወዲ ኳዳ ባዕሉ ዝምርቖ ሓወልቲ ምስራሕክሉ"

ስነጥበባዊ ዮናስ ማይናስ

"ወዲ ኳዳ ካብቶም መንቋሕቋሕታ ጥበብ ዝፈጠሩለይ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዖ መምህር እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ሓይሉ ዓቕሙን ብቕዓቱን ከይጸንቀቐ፡ ዘለዎ ብቕዓት ናብ ሰብ ኣብ ምስግጋር ከይተሓለለ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ ሕፉር ስነ ጥበባዊ እዩ፡ ዘፍርዮ ዘሎን ሰብን በጺሕዎ ዘሎን ደረጃን ርኢኻ ኸኣ ምስክር ዘድልዮ ኣይኮነን"

ስነ ጥበባዊ መለስ ንጉሰ

ብፍላይ ኣብ ድራማ ኣብዛ ሃገር ብዝልዓለ ዝዋሳእን ዝምህርን ዘሎ ሰብ እዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ኸኣ እቶም ንሱ ዝምህሮም መንእሰያት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብቕዓቶምን ቁጽሮምን እናበርከተ ይኸይድ ኣሎ። እዛ ሕጂ ዝተሸለመላ ሓጻር ፊልም ከኣ ምስ ሓፈሻዊ ስርሓት ወዲ ኳዳ ርኢኻ ሓንቲ ንእሽተይ ነገር'ያ"

ስነ ጥበባዊ ተስፉ እምባየ (ፊፊ)

"ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥር እንከሎ፡ ወዲ ኳዳ ኸኣ ንሰብ ኣርቲስት ገይሩ ክፈጥር ዝኽእል ድንቂ ሰብ እዩ። ንጥበብ ብዓይኒ ጥበብ ኣንዊሑ ጠሚቱ ንከጽንዕ ኣማኢት ዓመታት ንድሕሪት ጠሚቱ ዝድህስስ፡ ንመጻኢ፡ ንህሉው ኣካይዳ ስነ ድራማ ኣብ ኤርትራ ኣርዒሙ፡ ሰባት ብምፍራይ ነቕ ነቕ ዘይብል ሰረት ዘንጽፍ ዘሎ እዩ"

ስነ ጥበባዊት ሜሪ መሓሪ

"ኣብ እዋናት ኣቕርቦቶም ምስስል ዘለዎ ይኸውን እንተዀነ፡ እቶም ዘመናት ንድሕሪት ተመሊሶም ታሪኽ ሕብረተሰብና ዘንጸባርቑ ብግዳሰ ዝዓየሎም ምርምራውያን ናይ መድረኽ ድርማታቱን፡ እቶም ናይ እዋንና ኰይኖም ግን ከኣ ልውጥ ዝበለ ኩርናዕ ርእየት ሒዞም ዝተሰርሑ ድርማታቱን ይፍተዉኒ። ኣብ መንእሰያት ጥበበኛታት ጽብቕ ርድኢትን ምስኣቶም ናይ ምሕዋስ ባህሪ ዘለዎ፡ ኣብ ምሕብሓቦምን ምድግጋፎም ካብቶም ንድሕሪት ዘይብሉ ሰባት ምዃኑ'ውን ክፋል ጽባቔኡ'ዩ።"

"ዮናስ ማይናስ እንቋዕ ናተይ ኮነ"

ኤፍሬም ካሕሳይ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተመሃሮ፡ ውህሉል ተሞክሮኡን መጻሕፍቲ ብምንባብ ኣብ ምውሳእ፤ ኣተኣላልያን ኣጸሓሕፋ ፊልም ዘጥረዮ ክእለት ናብ 'ተካእቲ' ዝበሎም ሰባት ንምትሕልላፍ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ባህላዊ ጉዳያት ብምዃን ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ጎኒ ጎኒ ስነ ጥበባዊ ዕይኡ ብዙሓት ተማሃሮ ሚሂሩን ኣመሪቑን።

"ኣብ ሓደ እብረ ክሳብ 130 ዝኾኑ ተምሃሮ ኢና ነመርቕ፡ ስለዚ ብሓርፋፍ ገምጋም ኣብዚ ዓሰርተ እብረ ልዕሊ 1300 ዝኾኑ ተምሃሮ ኣመሪቕና ኣለና" ከኣ ይብል።

ካብቶም ኩሎም ዝመሃሮም ተምሃሮ ካብ ጓል ይኹን ወዲ ብፍሉይ እትድንቖ መን እዩ ንዝብል ሕቶ፦

"እቶም ዘድንቖም ብዙሓት እዮም። ግድን ሓደ ስመ ካብ ተባሃልኩ ግን ዮናስ ማይናስ እዝክር። ንሱ ካብቶም ኣብ 2004 ኣባና ዝተማሃረ እዩ። ክርእዮ እንከለኹ ኸኣ እንቋዕ ናተይ ኮነ ይብል እየ።" ብምባል'ዩ ኣብ ልዕሊ ኮሞድያን ዩናስ ማይናስ ዘለዎ ናእዳ ዝጠቅስ።

ናይ መድረኽ ድራማ ከመይ ኣሎ?

ኤፍሬም ካሕሳይ ዝሰርሖም ናይ መድረኽ ድራማታት መብዛሕትኦም ዓሰርተታት ዓመታት ወይ እውን ልዕሊ ሓደ ዘመን ንድሕሪት ተመሊሱ መጽናዕቲ ኣካይዱ ዘዳልዎም ብምዃኖም ኣብ መሐበር ቅድሚ ዛንታ እቶም ድራማታት ይጥቐሱ እዮም።

እዚ ምግባር ኣይከብድንዶ? ክሳብ ክንደይከ የህልኽዎ? "ንያታን ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ድራማታት ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ውዒልና ኣይንፈልጥን ኢና፡ እዞም ስልጠና እንህቦም ተምሃሮ ኸኣ ብባህሎምን ታሪኾምን ተጸልዮም ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለና።" ይብል ኤፍሬም

ብምስዓብ "መጽናዕቲ ንምግባር ናብ ቦትኡ ኬድካ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ እቲ ዘገድስ ዛንታ ካብ ቀዳማይ ኣካል ምስ ረኸብካ ንዕኡ ናብ ድራማዊ መልክዕ መስሪሕካ ናብ ናይ መድረኽ ድራማ ከተምጽኦ ኣዝዩ ኣህላኺ እዩ።" ድማ ይብል።

ቅድሚ ናጽነትን ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነትን ኣብ ኤርትራ ናይ መድረክ ድራማ ግኑን ነይሩ።

ሲነማ ኣስመራ ብቐንዱ ካልኦት ኣብ ኣስመራን ካልኦት ዞባታትን ዝርከባ ኣብያተ ሲነማታት ኸኣ ቀትሪ ቀዳመ ሰንበት ናይ መድረኽ ድራማ ዝአንግዳሉ እዋን ነይሩ።

ድሕሪ ምጅማር ዶባዊ ኵናት ኢትዪ ኤርትራ ግን፡ እቶም ኣብ ጉጅለታት ድራማ ተጠርኒፎም ዝነበሩ መንእሰያት ስለዝኸተቱ ናይ መድረኽ ድራማ ተዳኺሙ።

ወዲ ኳዳ እብዚ እውን ርእይቶ ኣለዎ "ናይ መድረኽ ድራማ ዶባዊ ኵናት ምስ ተላዓለ ጠቕሊሉ እዩ ዝሒሉ። ጎኒ ጎኒ እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም እንድሕር ርኢና ኸኣ እቲ ናይ መድረኽ ድራማ ህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ብዲጂታላዊ ዝኾነ ነገራት ዝርእየሉ እዋን ስለዝተበጽሐ፡ ሰብ ናብ ኣዳርሽ ትያትር መጺኡ ናይ ምርኣይ ባህጉ ነክዩ" ይብል።

ብምስዓብ "እቲ ናይ ኤርትራ ናይ መድረኽ ድራማ ኸኣ ጎኒ ጎኒ እቲ ናይ ዶብ ኲናት እቲ ዘመናውነት እውን ነቲ ናይ መድረኽ ድራማ ተራኣይነቱ ንኽንኪ ሓደ ካብ ረቛሒታት እዩ" ይብል።

ኣብ ዩቱብን ኣብ ደረጃ ፊልምታትን ኤርትራን . . .

ኤፍሬም ካሕሳይ "ካብ ዩቱብ እቶም ነቲ ፍርያት ካብትን ካብትን ኣምጺኦም ዝጸዓዕኑ እምበር ስነ ጥበባዊ ዝረብሖ ነገር የብሉን፡ ስነ ጥበባዊ ኣእምርኡ ንዋቱ ጉልበቱ ኣፍሲሱ ዝሰረሖ ስራሕ እቲ ዝጥቀመሉ ግን ካልእ እዩ " እዩ ዝበል።

ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ምስ ኩሉ ጸገማቱን ክሳራታቱን ስነጥበባዊ ፍርያት ካብ ምፍራይ ዓዲ ከምዘይውዓሉ ዝሕብር ኤፍሬም ካሕሳይ፡ በዞም መጺኦም ዘለዉ ሓደሽቲ መንእሰያት ዝፈሪ ዘሎ ፊልምታት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዘሎ ይሕብር።

"ብብቕዓት ኣወሳስኣ፡ ብድርሰት፡ ብኣልያ፡ ኣርትዖት ከምኡ እውን ናይ ኣሰኣእላ ጽባሕ ንግሆ እኹል ባጀት ምስ ዝርከብ ብዓለም ደረጃ ክወዳደር ዝኽእል ኣድማዒ ስራሕ ክስራሕ ይኽእል እዩ።" ከኣ ይብል።

ኣብ ዩቱብ ዝተፈላለየ ዓቕሚ ዘለዎ ፊልምታት ከምዝዝርጋሕ ዝሕብር ወዲ ኳዳ፡ "ዩቱዩብ ከምዚ መጉሓፊ እዩ" ድሕሪ ምባል "ሰብ ነናቱ ስርሓት ኣምጺኡ ኣብኡ ክጽዕኖ ዝኽልክሎ የለን፡ ሓደ ኣብ ሓደ ጸግዒ መንደቕ ኣጸግዒ ስኢሉ ፊልም ኢሉ ክዝርግሖ ይኽእል'ዩ" ብምባል ጎኒ ጎኒ እቲ ኣሉታዊ ሸነኹ ናቱ ዝከኣለ ጽቡቕ ጎድኒ ከምዘለዎ የብርህ።

"ነዞም ሓደሽቲ መንእሰያት መጽረዪ እዩ፡ ሕጂ ሕማቕ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም፡ ነቲ ቀዳማይ ስርሖም ርእዮም ግን ዝሓሸ ንኽሰርሑ የኽእሎም እዩ" ድሕሪ ምባል "ኣብ ዩትዩብ ድኽም ዝበለ ስራሕ ክንርኢ እንከለና ዘሻቕል ኣይኮነን። ኣነ ብወገነይ ከም እወንታ እየ ዝጥምቶ፡ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ኣነ ገዲም ስነጥበባዊ እየ ዝበል እኮ ጥር ኢሉ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ኣይበጸሑን" ይብል።

ወዲ ኳዳ ዝደረሶም ሕደማን ዜማታትን

ኤፍሬም ካሕሳይ ወዲ ኳዳ፡ ኣብ 2011 ብጀማል ሮሞዳን ተደሪፋ ናይቲ ዓመት ዝበለጸት ደርፊ ተባሂላ ዝተሸለመት 'ገዛና' እትብል ደርፊ እትርከበን ልዕሊ 45 ደርፍታት ሕደማን ዜማን ከም ዝሰረሐ እዩ ዝገልጽ።

"ቀንዲ ስረሐይ ኣብ ድራማን ፊልምን ኮይኑ ሕደማ ይኹን ዜማ ከም 'ሆቢ' እየ ዝሰርሖ" ዝብል ኤፍሬም ካሕሳይ፡ ገዛናን ብዓል ካሮሳን ዘርእሰተን ንጀማል ሮሞዳን፡ ክትጭክኒ እትብል ብፍረሰላም ሙሴን ሄኖክ ተኽላይ (ናጎ)ብሓባር ዝደረፍዋ ደርፊ።

ኣብ ቀረባ'የ፡ ከምኡ እውን ሃናየ ዝብላ ብተስፍኣለም ኣረፋይነ (ቆርጫጭ)፡ ኣበይ ኣምሲኻ ብኤልሳ ኪዳነ፡ ቸኮሌት ብሶሎሜ ማሕራይ፡ ተበሪሁኒ ኣሎ ብድምጻዊት ሰምሃር ዮውሃንስን ካልኦትን ኣፍርዩ ኣብ ምዝያምን ምሕዳምን ዓቕሙ ከርኢ ክኢሉ'ዩ።

1999 ጉዕዞ ናይ ዓዲ እንግሊዝ

ኤፍሬም ካሕሳይ ኣብ 1995 'ዲቨሎፕመንታል ትያትር' ዝብል ትምህርቲ ዝህቡ ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ መጺኦም ምንባሮም ብምሕባር፡ ኣብቲ ንሶም ዝህብዎም ዝነበሩ ስልጠናታት ብምርኣይ፡ ንሶም ብዝፈጠርዎ ዕድል፡ ንሱ ሓምሻይ ርእሱ ተመሪጾም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብምኻድ ኣብ ሊድስ ዩኒቨርስቲ ብትያትር ስታዲስ ብካልኣይ ዲግሪ ተመሪቑ።

ወዲ ኳዳ ትብል ጓ ካበይ ዝነቐለት እያ?

"እታ ሳጓ ናይ ኣቦይ እያ ነይራ ናባና ሰጊራ ኩሎም የሕዋተይ ብወዲ ኳዳ እዮም ዝጽውዑ፡ ማዕረ ዕድመይ ኸኣ ምሳይ ተጓዒዛ ኣላ"

ሓፈሻዊ ንኹሎም ስነጥበባውያን እንታይ ክትብሎም ትኽእል?

"ኣነ ምኽሪ ምሃብ ኣይፈቱን እየ፡ ንነብሰይ ወሲኸ ግን ግዜና ብግቡእ ክንጥቐመሉ ከም ዘለና እየ ዝዛረብ፡ ንሓደ ስራሕ ምሉእ ግዜኻ ተወፍየሉ እንድሕር ኮይንካ እቲ ዘይክኣል ዝመስል ዓወታት ክትጭብጦ ቀሊል እዩ፡ ግዜኻ ከይሃብካዮ ዓወት ምጽባይ ግን ምልኡነት ይጎድሎ'ዩ።

ፊልም ሰሪሕካ ማዕረ ዝናኻዶ ኣታዊ ትረክብ?

ከምቲ ገጣሚ መለስ ንጉሰ ኣብ ሓንቲ ግጥሙ፡ ገጣማይ ስሙ ሰማይ ድራሩ ማይ ዝበሎ፡ ወዲ ኳዳ እውን ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ማዕረ እቲ ዝሃልክዎ ኣታዊ ከምዘይረኽቡ እዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ዓድኻ ኮንካ ኣፍሪኻ ምዝርጋሕን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ኤርትራዊ ነቲ ስራሕካ ከስተማቕረልካ እንተኽኢሉ ንዕኡ ዝበቅዕ እውን ክትሰርሕ እንተኽኢልካ እዚ ካብ ደሞዝን ካብቲ ትረክቦ ገንዘብን ንላዕሊ'ዩ" ኸኣ ይብል።

ነዚ ከብርህ እንከሎ ድማ " ኣብ ኣካዳሚ ኣዋርድ እንድሕር ርኢና 1 ሚልዮን ዶላር ይሽለሙ፡ ነቲ ገንዘብ ግን ጠቒሰሞ ኣይፈልጡን እዮም፡ ካብቲ ገንዘብ ንላዕሊ ግን ነቲ ዝና፡ ነቲ ክብሪ እዮም ዝረቑሑ" ይውስኽ።

ብምስዓብ "እቲ ንፍርያትና ርእዩ ኣስተማቒሩ፡ እዚ ጎዲሉ እዚ ጽቡቕ ኣሎ ዝብለና ተዓዛባይና፡ እዚ እዩ ገንዘብና ብእኡ ኢና ንዓግብ፡ እምበር ብመጠን ናብራን እንድሕር ርኢናዮ ግን ፍልይ ይብል'ዩ" ኸኣ ይብል።

ወዲ ኳዳ ትደርፍ ዲኻ?

"ኣወል ስዒድ ነታ ኦኣር ትብል ተኸታታሊት ፊልም ምስ ሰረሓ፡ እንታይ ክትሕግዘኒ ትኽእል ምስ በለኒ፡ ነታ ደርፊ ሰሪሔሉ፡ ነቶም ደረፍቲ መትሓዚ ክኸውን ድምጺ ኣብ ስትድዮ ምስ ኣእተኹ፡ ድምጽኻ ፈትዮ ኣለኹ ኢሉኒ ምስ ስክፍታይ ሕራይ ኢለዮ እምበር ኣነ ደራፋይ ኣይኮነኩን ባህጊ እውን የብለይን፡ ደርፊ ዋናታት ኣለውዎ"

ኤፍሬም ወዲ ኳዳ ከመይ ዝበልካ ሰብ ኢኻ ምስተባህለ "ውዕይ ኢለ፡ ኣብ ውሽጢ ቂም ዘየሕድር ዝተሰመዓኒ ግርህ ኢለ ዝዛረብ'የ" ክብል ንነብሱ ገሊጽዋ።