ኤርትራ፡ ደርፊ ዮናስ ምሕረትኣብ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሽልማት ተዓዊታ

ኤርትራዊ ዮናስ ምሕረትኣብ ብኮሜድያዊት ደርፊ ‘ሓሚዳ’ ሽልማት ‘ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ’ ተዓዊቱ።

ደርፊ ሓሚዳ ኣብቲ Best Artist, Duo or Group in African Traditional ብዝብል ምድብ ምስ 11 ካልኦት ደርፍታት ንሽልማት ተሓጽያ ምንባራ ይዝከር።

ዮናስ ማይናስ ንኹሎም መወዳድርቱ ብምብላጽ እዩ ተሸላሚ እዚ ኣህጉራዊ ሽልማት ክኸውን ክኢሉ።

እቲ ኣፍሪማ 'ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ' ዝተሰምየ ሽልማት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ምዕራብን ኣፍሪቃን ብዝብል ንኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብምምዳብ እዩ ሽልማታት ዝዕድል።

ዮናስ ምሕረትኣብ ብዝያዳ ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ኣብ ምእላይ 'ቪድዮ ክሊፕ' እውን ዓቢ ክእለት ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ እዩ።

ከም መርኣይኡ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ብሻሞት ዝውሃብ ሽልማታት ኣብ 2018 ብሓሙሽተ ዓውድታት ኣብ 2019 ከኣ ብተመሳሳሊ ብሓሙሽተ ዓውድታት ክሽለም ክኢሉ'ዩ።

እታ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ (ዳይሬክቲንግ) ዝተሸለመት 'ክንራኸብ ኢና' ዘርእስታ ደርፊ ቃልኣብ ተወልደመድህንን ኣብ 2019 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት 'ጎነይ' ዝኣርእስታ ደርፊ ናይ ኣብርሃም ኣለምን ዮናስ ምሕረትኣብ ማይናስ እዩ ኣልይወን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ (ኣፍሪማ) ልዕሊ 400 ደርፍታት ን30 ኣህጉራውን ን10 ዞባውን ሽልማታት ተሓጽየን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተዓወትቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ሌጎስ ናይጄሪያ ሽልማቶም ተቐቢሎም።

ኣፊሪማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ ዓመታዊ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻእን ንዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስነ-ጥበባውያን ሽልማት ይህብ።

ኣብ ዞባዊ ሽልማታት 10 ዓይነታት ሽልማታት እዮም ዝውሃቡ። እዚኦም

  • ዝበለጹ (ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ድምጻውያን ካብ ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ
  • ዝበለጹ (ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ድምጻውያን ካብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ
  • ዝበለጹ (ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ድምጻውያን ካብ ዞባ ምብራቅ ኣፍሪቃ
  • ዝበለጹ (ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ድምጻውያን ካብ ዞባ ሰሜን ኣፍሪቃ
  • ዝበለጹ (ካብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ድምጻውያን ካብ ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ኣህጉራዊ ሽልማታት ኸኣ ብሉጽ/ ብልጽቲ ድምጻዊ/ት እዚ ዓመት፣ ብሉጽ ኣልበም፣ ብሉጽ ድምጻዊ ወይ ድምጻዊት እዚ ዓመት፣ ብልጽቲ ባህላዊት ደርፊ እዚ ዓመት፣ ብሉጽ ኣብ ደገ ዝቅመጥ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊን ካልእን ዝብል ሰላሳ ሽልማታት ተዋሂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገረዝግሄር፡ በታ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ እትመሓለለፍ ዘላ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህርን ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓትን፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ሳቲጉ ዝተሰመየ ትካል ምሽላማ ይዝከር።

ዊንታ ብጽላት 'ቤስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' እያ ካልኣይቲ ብምውጻእ ንሽልማት በቂዓ።

ሳቲጉ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ እብረታት ክሽልም ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻድሻይ ግዘ እዩ ተኻይዱ።