ብዛዕባ ፍትሕ ሓዳርን ምንካይ ክብደትን ዝተዘራረባ ኣድልን ኦፕራን

ድምጻዊት ኣድል ሓዳራ ብምፍትሓ "ከም ዝሓፈረት" ምስ ኦፕራ ዊንፍረይ ኣብ ዝነበራ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ።

እዛ ህብብቲ ድምጻዊት፡ ብ2018 ዓ.ም ምስ በዓል ቤታ ሲሞን ኮኔኪ ክትፈላለ እንከላ ሓዳር ዝበሃል ነገር "ናይ ሕስረት" ስምዒት ከም ዝፈጠረላ ትዛረብ።

ድሕሪ ፍትሕ ሓዳራ "ከቢድ ጭንቀት" ከም ዘጥቅዓን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ልዕሊ 45 ኪሎ ግራም ከም ዝነከየት ትገልጽ።

ኣቡኣ ገና ቖልዓ ክልተ ዓመት እናሃለወት ካብ ሓዳሩ ዝተፈላለየ ብምዃኑ፡ ኣድል "ካብ ቑልዕነተይ ጀሚረ ኣብ ሓዳር ቖልዑ ክህልውኒ እንከለው ኣይፈላለን ይብል ነይረ። ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ንከየጋጥም ንነዊሕ ግዜ ጽዒረ" ትብል።

ጓል 33 ዓመት ኣድል ኣብ መጽሄት ግሎሲ ናይ ሰብኣዊ መንነት [personality] ፈተና ምስ ወሰደት ሓዳራ ድልዱል ከም ዘይኮነ ክትፈልጥ ከም ዝኽኣለት ትዛረብ።

ሓደ ካብቶም ሕቶታት "ብዛዕባኺ ዋላ ሓደ ሰብ ፈጺሙ ክፈልጦ ዘይኽእል ነገር እንታይ'ዩ?" ዝብል ኮይኑ፡ ንመሓዙታ "ሕጉስቲ ኣይኮንኩን፤ ዘለኹዎ ናብራ ኣይኮነን - ስቕ ኢለ ሰለይ'የ ዝብል ዘለኹ" ኢላቶም።

ኩሎም ግን እንቅዓ እንቅዓ ካብ ምትንፋስ ሓሊፉ ካልእ ኣይሓገዙዋን።

ሽዑ "እንታይ እየ ዝገብር ዘለኩ?" ኢለ ንነብሰይ ሓቲተ ትብል።

ኣድልን በዓል ቤታ ሲሞንን ንሸሞንተ ዓመታት ብሓባር ጸኒሖም። እንተኾነ፡ ቅድም ኢላ ሓዳርን ምፍልላይን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት [2018] ከም ዝተፈጸሙ ተዛሪባ ነይራ።

ብጣዕሳ "ሓዳር ኣቕሊለ ኣይርእዮን . . . [ሓዳረይ ምፍትሐይ ክኣ] ዘይፈልጥ ይመስል" ዝበለት ኣድል፡ ነዚ እዩ ድማ "ብምምርዓውን ቐልጢፈ ብምፍታሕን [ሓዳር] ዘሕሰርኩዎ መሲሉ ተሰሚዑኒ። ኩሉ ስለ ዝቐልጠፈ ሓፊረ" ኢላ።

በዓል ቤታ ዝነበረ "ህይወታ ኣድሒኑዋ"

ኣድል፡ ዋላ'ውን "ኣብ ፍቕሪ" እንተዘይሃለወት ሕጂ'ውን ንኮኔኪ ትፈትዎ'ያ።

ክልቲኦም፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ማዕዶ ንማዕዶ'ዮም ዝነብሩ፤ ወዶም ኣንጄሎ ክኣ ብሓባር የዕብዩ ኣለው።

ኣድል ህብብቲ ምስ ኾነት ኮኔኪ "ህይወተይ ኣድሒኑዋ'ዩ" ክትብል ተመስግኖ።

"ኣብቲ ግዜ፡ ንኡሽቶ ስለ ዝነበርኹ ኩሉ ነገር ክገብር ይኽእል ነይረ። ብቐሊሉ ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ጥሒለ ብኹሉ ነገር ንባዕለይ ዘጥፍእ ሰብ ምኾንኩ ነይረ። ንሱ ናብ ህይወተይ ምስ መጽአ ግን ከምቲ ሽዑ እዋን ኣብ ህይወተይ ዝተረጋጋዕኹሉ ግዜ ኣይነበረን" ትብል።

ኣድል ብዛዕባ ሙዚቃታታ

ከም Hello ፣ Someone Like You ዝበሉ ሙዚቃታት ኣድል፡ ልቢ ሚሊዮናት ተንኪፎም'ዮም።

ንሳ ግን ሓይሊ ስራሕታ ንርእሳ'ውን ሚስጢር ከም ዝኾና ተዛሪባ።

"ከም ሰብ፡ ደርፍታተይ ዘሎዎም ነገር ኣለኒ'ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ናቱ ሓይሊ [ሙዚቃ] ካብ ዝኾነ ቦታ'የ ዝስሕቦ ይመስለኒ፤ ግን ከመይ ኣቢለ ይረኽቦ ዝብል ኣይፈልጥን። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ግሃድ ህይወጠይ ከምኡ'የ ኢለ ኣይሓስብን" ብምባል እናስሓቐት ተውግዕ።

ኣብቶም ግጥምታት 'ስለ ምንታይ ናይ ውልቂ ዝኾኑ ሓበሬታታት ኣካቲትኺ?' ተባሂላ ተሓቲታ።

ንሳ ድማ፡ ተመሳሳሊ ናይ ህይወት ተሞኩሮ ንዝሓልፉ ዘለው ሰባት ክትገልጽ ካብ ምድላይ ዝነቅል ምዃኑ ኣብሪሃ።

"ሙዚቃ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ሓጊዙኒ'ዩ፤ ስለዚ ኻልኦት ሰባት'ውን በይኖም ከም ዘይኮኑ ብምርኣይ ብተመሳሳሊ ክሕገዙ እየ ዝደሊ"።

ወሲኻ፡ "ሓሓሊፉ ክጽሕፎም ከለኹ ወይ'ውን ተመሊሰ እንትሰምዖም 'እዚ'ኮ ኣመና ናይ ውልቂ ጉዳይ ኣለዎ' ኢለ ይግረም። ግን ክኣ ዋላ ሓደ ካብቲ ንዝሓለፉ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ገዛ ዓጽየ ዘሕለፍኹዎ ንላዕሊ ዘፍርሕ የለን። ስለዚ ኣይፈርሕን' ኢላ።

ኣድል ብዛዕባ ኣቡኣ

ኣድልን ኦፕራ ዊንፍረይን ብዙሓት ውልቃዊ ጉዳያት ኣልዒለን'የን ኣውጊዐን።

እታ ስነ ጥበባዊት ኣብ ህይወታ እቲ "ዝዓበየ ሰበላ" ዝገደፈላ ነገር ንኦፕራ ክትነግራ እንከላ ኣቡኣ ማርክ ኢቫንስ ቖልዓ እንከላ "ዳርጋ ኣይነበረን፤ ጻዕሪ'ውን ኣይገበረን" ኢላ።

'ካብ ዋላ ሓደ ሰብ ተጸብየ ኣይፈልጥን፤ ምኽንያቱ ካብ ኣቦይ ስለ ዝተምሃርኹ። ንሱ ምስ ዝኾነ ሰብ ኣብ ብጣዕሚ ጥዑም ፍቕራዊ ዝምድና ንክትህሉ ዘኽእል ነገር ንኸይረክብ ምኽንያት'ዩ" ትብል።

እንተኾነ፡ ዋላ'ውን ንዓመታት ተራኺቦም ዘይፈልጡ እንተኾኑ ኢቫንስ ብጽኑዕ ምስ ሓመመ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ተዓሪቖም'ዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ነታ ናይ መጀመርታ ስርሓ ዝኾነት Hometown Glory እትሰምየት ደርፊ ጥራይ ይሰምዕ ከም ዝነበረ ነጊሩዋ።

"ካልኦት ሙዚቃታተይ ሰሚዑ ኣይፈልጥን። 'ብጣዕሚ ዘሕምም'ዩ ይብል ነይሩ' "ኢላ።

ንሳ ግን፡ ካብቶም ሕጂ ዝሰርሐቶም ደርፍታት ሓደ ዝኾነ To Be Loved ዝተሰምየት ኣቡኣ ኣብ ህይወታ ዘይምንባሩ ብኸመይ ኣብ ሰባት እምነት ከይተሕድር ከም ዝሃሰያ እትገልጽ ሙዚቃ ንዕኡ ሰሪሓ ኣላ።

"ንዓይን ንዕኡን ጽቡቕ'ዩ፤ ክደርፍ ከለኹ ክሰምዕ'ዩ ኢለ ይግምት" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብሚያዚያ ቅድሚ ምሟቱ ብዙም እቲ ሓድሽ ናይ ሙዚቃ ኣልበማ ደሪፋትሉ።

"ንዓይ ብሉጻት ዝኾና ደርፍታት ንዕኡ'ውን ብሉጻት ነይረን፤ ይገርመኒ'ዩ። ክርእየኒ ከሎ ክኣ ብኣይ ሕቡን ነይሩ" ክትብል ንኦፕራ ኣውጊዓታ።

ስለ ዝኾነ ድማ "እዚ ኹሉ ፈውሲ ኮይኑኒ'ዩ፤ ክመውት ከሎ ኽኣ እቲ ዝነበረ በሰላ ሓውዩ" ኢላ።

ክብደት ሰብነታ ብምንካዩ ተነቒፋ

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣድል ኣዘራራቢት ኮይና እያ። ኣብዞም ዓመታት 45 ኪሎ ግራም ነክያ።

እዚ ነቲ ዘጋጠማ "ጭንቀት" ንምቁጽጻር ዝገበረቶ ምዃኑ ትዛረብ።

"ካብ ሓዳረይ ምስ ተፋታሕኹ ኣዝዩ ዘፍርሕ ጭንቀት እዩ ኣጋጢሙኒ። ሙሉእ ንሙሉእ ኣልሚሱኒ፤ ሰብነተይ ክቆጻጸሮ ስለ ዘይኽኣልኩ ድማ ተደናጊረ" ክትብል ተብርህ።

ናብ ጂም ብምኻድ እቲ ዝነበራ መጠን ጭንቀት ክንኪ ምስርኣየት ድማ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታ ገይራ ወሲዳቶ።

"እዚ ድማ ርእሰይ ንክስተኻኸል ሓጊዙኒ'ዩ"።

ኣብ ሞንጎ እዚ፡ ዊንፍረይ ናይ ባዕላ ተሞኩሮ ምንካይ ክብደት ኣልዒላ ሰባት በዚ "ሓሪቖም" ከምኡ'ውን "ራሕሪሖምኒ" ክትብል ተዛሪባ።

ኣድል'ውን ተመሳሳሊ ርኢይቶታት ትሰምዕ ከም ዝነበረት ገሊጻ።

"ኣነ ግን ሰብነተይ ብምንካዩ ኣይሰንበድኩን፤ ሰባት ብዛዕባ ሰብነቶም እንታይ ይሓስቡ ዝብል ምርግጋጽ ክኣ ናተይ ስራሕ ኣይኮነን። ኣነ ናይ ባዕለይ ህይወት ከዐሪ'የ ዝፍትን ዘለኹ፤ ካልእ ጭንቂ ክውስኽ ኣይደልን" ኢላ።

Hold On "ሃገራዊ መዝሙ" ክኸውን ኽእል ደርፋ

30፡ ናይቲ ሓድሽ ኣልበም መጸውዒ እዩ።

I Drink Wine, Love Is A Game ከምኡ'ውን Hold On ደርፍታት ኣብዚ ኣልበም ተኻቲቶም ኣለው።

"I'm such a mess / The harder that I try, I regress / I am my own worst enemy / Right now I truly hate being me" ካብ ተለላታት Hold On እዮም።

ኣድል፡ ምስ ተፋትሐት ዝነበራ ስምዒት እዚ ከም ዝነበረ ተዛሪባ። መሓዙታ ድማ "Hold On" ይብልኣ ነይረን።

"ኣነ ግን ነቲ ኩነታት ተቐቢለ ክስጉም ጻዕሪ ምግባር ይደኽመኒ ነይሩ፤ መስርሕ'ዩ - ናይ ፍትሕ መስርሕ፣ መስርሕ ንብሕትኻ ቖልዓ ምዕባይ፣ መስርሕ መዓልታዊ ውላድኻ ዘይምርኣይ እዩ ነይሩ" ትብል።

ቅድሚ እቲ ቃለ መጠይቕ፡ ኦፕራ እቲ ደርፊ፡ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንዝገታገቱ ዘለው ሰባት "ሃገራዊ መዝሙር" ክኸውን ዝኽእል እዩ ኢላ ከም ዝሓሰበት ተዛሪባ።

ንማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ድማ "እዚ ደርፊ ኣዝዩ ሙቁርን ሰርሳርን'ዩ" ኢላ።

ወዳ ታይለር ስዊፍት ኮኸብ ድምጻዊት'ያ ኢሉ ይሓስብ

ኣድል፡ ብ2018 ወዳ ኣንጄሎ ኣብ መበል ሓምሻይ ምርኢት ሙዚቃ ታይለር ስዊፍት ክዕደም ወሲዳቶ ነታ ኩለ መዳለዊት ስነ ጥበባዊት ምስ ርኣየ ሃኒኑ'ዩ።

ሽዑ ቖልዓ ሽዱሽተ ዓመት ነይሩ።

ኣብቲ ምርኢት ክዕደሙ ዝመጽኡ ሰባት ብዝሖም ምስ ርኣየ ግን ክኣምን ኣይክኣልለን።

ኣድል እናስሓቐት "ኣነ ኣብ ስታድየም ንዘቕርቦ ምርኢት ምድላው ክገብር ይመጽእ ነይሩ'ዩ፤ ሽዑ ጥርሑ ይርእዮም ስለ ዝነበረ በዚ ተገሪሙ" ኢላ።

ኣድል፡ ከም በዓል ኣመሪካዊት ድምጻዊት ሊዞ፣ ኢንግሊዛዊ ተዋሳእን ድምጻውን ጄምስ ኮርዴንን ተዋሳኢትን በዓልቲ ሞያ ቅዲ ፋሽንን ሜሊሳ ማክካርቲን ዝበሉ ፍሉጣት ድምጻውያን ዝተሳተፍሉ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ከተቕርብ እንከላ፡ ኣንጄሎ ንፈለማ እዋን ብቐጥታ ሙዚቃ ክተቕርብ ተዓዲሙ።

ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ድማ ሓቀኛ ናይ ኣዲኡ ህቡብነት ክርዳእ ክኢሉ'ዩ።

"ሓደ ግዜ Easy On Me ብቐጥታ ብዩትዩብ ምስ ተፈነወ፡ ዝከታተል ዝነበረ ብዝሒ ሰብ እናቖጸረ . . . 150,000 ሰባት ይጽበዩ ነይሮም። ዝውሃቡ ዝነበሩ ርኢይቶታት ኣንቢቡ ክኣ 'ብሓቂ ሰባት ይፈትውኺ'ዮም' ኢሉኒ። በዚ ብዙሕ ኣይኮነን ግን ቁሩብ ክርድኦ ጀሚሩ ኣሎ" ኢላ።