ተጋዳላይ ሰሎሞን ጸሃየ "እቲ ቃልሲ ብስነ ጥበብ ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ'ዩ ነይሩ"

ተጋዳላይ ሰሎሞን ጸሃየ ገጣሚ ጸሓፍን ተመራማሪ ባህሊ እዩ፤ ንግጥሚ ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ዝደረሰ'ውን እዩ።

ኣብዚ እዋን ዳይረክተር ባህላዊ ጉዳያት ሚኒሰትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

ተጋዳላይ ሰለሞን ጸሃየ ካብ 1979 ኣትሒዙ ክሳብ ናጽነት ንጉጅለ ባህሊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሐ ገዲም ስነ ጥበባውን ተመራማሪ ታሪኽን እዩ። ብምኽንያት መበል 29 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 'ተራ ስነ ጥበብ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ' ኣብ ዝብል ዛዕባ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ይስዕብ።

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ ምስ ቢቢሲ ቃል መሕተት ክትገብር ፍቓደኛ ብምዃንካ ብልቢ የመስግነካ ከም መጀመሪ ዕላል ብኣተዓባብያኻን ናብ ገድሊ ኣሰላልፋኻን ክንጅምር

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየኣብ 1956 ዓዲዂታ ኣብ እትብሃል ዓዲ ተወሊደ፡ ኣብ ዓድና ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ፤ ሓሙሻይን ሻዱሻይን ኣብ ድግሳ፡ ሻውዓይን ሻሙናይን ኣብ ዓዲ ቐይሕ፤ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂረ።

12 ክፍሊ ኣብ ዝነበርክሉ ሃይለስላሰ ወሪዱ ደርጊ ዝመጽኣሉ እዩ ነይሩ። (ደርጊ መስከረም 1974 እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ) ደርጊ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ "እድገት በህብረት፡ የእውቀትና የስራ ዘመቻ" ዝብል ወፍሪ ኣበጊሱ ነይሩ፡ እቲ ወፍሪ ምስ ፖሎቲካ ምትእስሳር ዝነበሮ ኮይኑ ንተማሃሮ ካብ ዓስራይ ክፍሊ ንላዕሊ ዝኾኑ ካብ ከተማታት ኣውጺእካ ነቲ ካብ ተመሃሮ ክስዕብ ዝኽእል ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ድማ'ዩ ነይሩ።

ኣነ ኣብቲ እዋን 12 ክፍሊ'የ ነይረ እንተኾነ ኣብ ዩኒቨረስቲ ዝነበሩ ዓበይቲ ኣያያትና ስለዝጸለዉና ኣብቲ ወፍሪ ኣይተሳተፍኩን፡ ሃገራዊ ስምዒታት'ውን ድሮ ጀሚሩኒ ነይሩ'ዩ፡ ብቀጥታ ድማ ናብ ኤርትራ መጺአ።

ኣብ ዓዲ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲበ ክሰርሕ ጀሚረ፡ ክጋደል ይብል፡ ሓንሳብ ጽናሕ እናተባሃልኩ መወዳእትኡ ግን ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ናይ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ።

ተራ ባህላዊ ጉጅለታት ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ከመይ ነይሩ? እቲ ባህላዎ ጎስጓሳት ካብ መዓስ'ዩ ጀሚሩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ቁሩብ መረዳእታ ንምሃብ፡ ፈለማ ባህሊ ማለት እንታይ ማለት'ዩ? ብዝብል እንተንጅምሮ ምሓሸ። ኣዕሙቕ ኣቢልና ክንርእዮ እንከለና፡ ባህሊ ማለት ኣተሓሳስባ'ዩ፡ ኣራኣእያ'ዩ፡ ኣመለኻኽታ'ዩ።

ባህሊ፡ ብዝብል ስፍሕ ዝበለ ኣምር ክንርእዮ እንድሕር ኮይንና ከኣ ባህሊ ናይ ምቅላስ ሓሳብ፡ ምስቲ ናይ ናጽነት ድሌት'ዩ ዝጅምር።

እቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝምልከት ኣተሓሳስባ ምስ ምፍጣሩ'ዩ እቲ ናይ ባህሊ ተራ ኣብቲ ቃልሲ ዝጅምር።

ስለዚ እቲ ኣተሓሳስባ ኣቐዲሙ ካብ ነበረ፡ እቲ ባህልስ ኣብ ቅድሚት ኣሎ ማለት እዩ።

ቅድሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ፡ እቲ ንቕሓት፡ እቲ ናጻ ናይ ምዃን ሓሳብ፡ እቲ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ጽልኢ'ዩ ኣብ ቅድሚት ዝመጽእ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ'ዩ ድማ ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣበጊስዎ።

ብተለምዶ፡ እቲ ባህሊ እንብሎ፡ ነቲ ስነጥባባት ስለዝኾነ'ምበር፡ እቲ ናይ ናጽነት ባህሊ እንተዘይህሉ፡ እቲ ንጸላኢ ብዕጥዊ ቃልሲ ስዒርካ ናይ ምብራር ተበግሶ ኣይምሃለወን።

ስለዚ፡ ባህሊ፡ ብሓፈሻ እቲ ኣመለኻኽታ፡ ኣብ ህይወትካ ዝፍጠር፡ ንቕሓትካ፡ ኣፍልጦኻ ኣብ ታሪኽ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድላትካን ሕሉፍ ታሪኽካን ዘለካ ግንዛበ'ዩ።

ሕቶኻ ግን ናብቲ ጽብብ ዝበለ ትርጉም ናይ ባህሊ፡ ናብቲ ስነ ጥበብ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ'ሞ ብኡኡ'ውን ንርኣዮ።

ኣብቲ ቃልሲ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ይኹን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስነ ጥባብ ብዝተወደብ መልክዕ ዝጀመረሉ ኣብ 1975 እዩ። ቅድሚኡ'ውን ነይሩ እንድዩ ምእኩል ውዳበ ግን ኣይነበሮን።

እቲ እዋን'ቲ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ከተማታት ናብቲ ቃልሲ ይጽንበሩ ነይሮም፡ ካብዚኦም ድማ ብዙሓት ናይ ሙዚቃ፡ ተዋስኦ፡ ስእልን ካልእ ዓውዲ ስነ ጥበብን ክእለት ዝነበሮም ነይሮም።

እዞም ክኢላታት እዚኣቶም ኣብ ክልቲኡ ውድባት ብደረጃ ባህላዊ ጉጅለታት (ድራማን ሙዚቃን) ቆይሞም።

እሞ ከምኡ እንተኾይኑ፡ እቲ ስነ ጥበባዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ቀዲምዎ'ዩ ጀሚሩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል'ዶ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ብርግጽ! ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መስከረም 1961 እዩ ጀሚሩ፡ ቅድሚኡ ግን ካብ 40ታትኣትሒዙ እቲ ንናጽነት ሃረር ዝብልን ዝጠልብን ስነ ጥበባዊ ዕዮታት ነይሩ እዩ።

ቅድሚ 1961 ዝነበራ ጉጅለታት ናይ ስነ ጥበብ፡ ንናጽነት ዝነበረን ሃንቀውታ ብተዋስኦን ብደርፍን ይገልጽኦ ነይረን ።

ምናልባት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ይሰርሑ ስለዘነበሩ፡ ብጉሉሕ መንገዲ ክብልዎ ኣይክእሉን ነይሮም፤ ብምስጡር ጥበብ ግን ይብልዎ ነይሮም።

እቶም ኣብ 1975 ኣብ ሕቑፊ እቲ ቃልሲ ኮይኖም ነቲ ስነ ጥበባዊ ውዳበ ዘካይዱ ዝነበሩ ድማ እቶም ኣብ ከተማ ኮይኖም ነቲ ስነ ጥበባዊ ዕዮታት ዝጀማመሩዎ እዮም።

ካብቶም ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡ ዕዙዝ ዕዮታት ስነ ጥበብ ዘካይዱ ዝነበሩ ጉሉሕ ስም ዝነበሮም ሰባት ወይ ጉጅለታት ብዓል መን ክንጠቅስ ንኽእል?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ዓቢ ደራፋይ በረኸት መንግስትኣብ እንድሕር ወሲድና ቅድሚ ኣብ 1975 ናብ ሜዳ ምውጽኡ እዝዩ ብዙሕ ሃገራዊ ወኒ ዝጉስጉስ ደርፍታት ኣፍርዩ ነይሩ ።

ንኣብነት 'መለይ' ትብል ደርፉ እንድሕር ወሲድና፡ ንኤርትራ ብምስሊ ሓንቲ ቆንጆ ጓል ብምግላጽ ሃንቀውታ ናጽነት ኣጕሊሒ'ዩ። ሰብ ከኣ ንመን ይደርፋ ከም ዘሎ ይርድኦ ነይሩ።

እዚ ኣብ 1969 ድዩ ዝኸውን ዘሎ ሓቀይ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ እወ ብልክዕ ኣብ 1969 እዩ።

እዚ ድማ፡ ቅድሚ ባህላዊ ውድባት ኣብ ቃልሲ ምጽንባረን፡ ኣብ ከተማታት ዝነበሩ ስነ ጥበባውያን ነቲ ቃልሲ ብስነ ጥበብ ጀሚረሞ ነይሮም'ዮም ንምባል'ዩ ዝገልጾ ዘለኹ።

ቅድሚ 61 ዝነበረ ድማ ሕጂ እዚኣ ክብለካ ዝኽእል ኣብ ርእሰይ ዘይክትመጽአኒ ትኽእል'ያ እቲ ብስነ ጥበብ ዝግለጽ ዝነበረ ሃረርታ ናጽነት ግን ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ምንባሩ ርግጸኛ እየ።

ናብቲ ስነዳውን ባህላዊ ስርሓት ናይ ገድሊ መዓስ ኢኻ ተጠርኒፍካ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ኣነ ካብ 1979 እየ ጀሚረ።

1979 ምዝላቕ ዝነበረሉ'ዩ፡ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ክልቲአን በብሸነኸን ብጀካ ከተማ ኣስመራ (ተኸቢባ ነይራ) ባጽዕ (ውሱን ሸነኻ ኣይተተሓዘን ነይሩ) ዓዲ ቐይሕ ባረንቱን ዓሰብን እንተዘይኮይኑ ዝተረፋ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ እዘን ክልተ ውድባት እየን ነይረን።

ኣብ ከምዚ እዋን ደርጊ፡ ካብ ሕብረት ሶቬትን ንዓኣ ዝድግፉ ማሕበርነታውያን ሃገራት ኲባ፡ ደቡብ የመንን ካልኦትን ዘይተኣደነ ሓገዝ ስለዝረኸበ፡ ደርጊ'ውን ኣብ ሶማል ዓወት ኣመዝጊቡ ስለዝነበረ ፍናን ገይሩ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ሓምለ 1978 ድማ ነቲ ናይ ሶማል ዓወታቱ ኣብ ኤርትራ ክደግሞ ብምሕሳብ መጺኡ።

ሰውራ ኤርትራ ነቲ ተሃንዲዱ ዝመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ምርጻም ኣዋጻኢ ኮይኑ ስለዘይረኸቦ እስትራተጂካዊ ምዝላቕ ገይሩ።

ናብ ሳሕል ከዝልቕ እንከሎ ድማ ሓይሉ ዓቂቡን ንሓይሊ ጸላኢ እንዳሸራረፈን'ዩ ዝኸይድ ነይሩ።

ድሕሪ እዚ እቲ ቃልሲ ክናዋሕ ምዃኑ ርዱእ ነይሩ። ስለዚ፡ ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ተጋዳላይን ህዝብን ክዳለወሉነይርዎ። ነቲ ዕማም ዝዓዮ ድማ ክፍሊ ባህሊ እዩ ነይሩ።

ህዝባዊ ግንባር ድማ ናይ ካልኦት ቃልስታት ኣብነት ብምውሳድ ሰራዊትን ህዝብን ዝጕስጉስ ናይ ስነ ጥበብ መደባት ዘዳሉ ክፍሊ ኣቚሙ። ኣነ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ'የ ነዚ ሰፊሕ ወድባዊ ንጥፈት ተሓዊሰዮ።

ቅድሚ እዚ እዋን ከኣ ካብ ቑልዕነተይ ስነ ጽሑፍ ናይ ምጽሓፍ ዝንባለ ነይሩኒ። ብውሕዱ ግጥሚታት ይጽሕፍ ነይረ።

ኣብ ሳሕል ኬንካ ክንድቲ ትደልዮ ቀረብ ኣይርከብን'ዩ። ብጀካ እቲ ኣብ ካሴት ዝተቀድሐን ዝተሳእለን ዝተረፈ ሰነዳትኩም ብኸመይ ኢኹም ትዕቅብዎ ነይርኩም? ኲናት ኣሎ ደብዳብ ኣሎ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ እቲ ግዜ ንባዕሉ ብዙሕ መሰነዲ መሳርሒታት ዝነበሮ መድረኽ'ውን ኣይነበረን።

ብፍላይ ኣብ ቃልሲ፡ ኣብ ሜዳ እንተኾንካ ድማ እቲ ሕጽረታት ይዛይድ። እታ ካሴት ንባዕላ ተረካቢት ኣይኮነትን።

ንሕና ኣብቲ ማእከላይ ጨንፈር ባህሊ ስለዝነበርና ብውሱን መጠን ዝሓሸ ቀረብ ነይሩና። መጀመርታ ብጽሑፍን ብካሴትን ኢና ንስንድ ነይርና። ጽንሕ ኢሉ ድማ ናይ ቪድዮ ካሴታት መጺኡ።

'ታይፕ ራይተርስን'ውን' ነይረን። ግን ዉስን ቅዳሕ እየን ክሕዛ ዝኽእላ፤ ነዚ'ውን ኩሉ ኣይኮነን ዝረኽቦ።

ኣብዚ መወዳእታ መድረኽ ጉጅለ ባህልታት ምርኢታተን ብቪድዮ ተሳኢሉ ክስነድ ተጀሚሩ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን እቲ ዝተሳኣለ ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ከምዝበጽሕ ይግበር ነይሩ።

ኵናት እዩ'ሞ ሰነዳትኩም ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን'ከ ነይሩዶ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ የጋጥም'ዩ፡ ኣጋጣሚ ኣነ ካብ 1981 ንድሓር ኣብቲ ማእከላይ ቦታ ናይ ጨንፈር ባህሊ'የ ነይረ።

ኣብኡ ድማ ብተዛማዲ ዝሓሸ እዩ።

እተን ናይ ብርጌዳት ዝነበራ ጉጅለ ባህልታት ግን ኣካል ናይቲ ሰራዊት ስለዝነበራ እዚ ትብሎ ዘለኻ ጸገማት የጋጥመን ነይሩ'ዩ።

ኣብ ኲናት ኩሉ ስለዘሎ ብዙሕ ካብቲ ሰነዳተን ይጠፍአን ከምዝነበረ ይፈልጥ እየ።

ህዝባዊ ግንባር ነቲ ኣብ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንደም ኣብ መጀመረታ 80ታት እዩ እማመ ኣቕሪቡ፡ ገና ሃገር ከይመስረተ'ውን ንስኻ ዝገጠምካያ ሃገራዊ መዝሙር ነይራ፡ ክሳብ ክንደይ ድዩ ነይሩ እቲ ንቕሓት?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ናይ ረፈረንደም ካብ ኣልዓልካ ገለ ክብል'ሞ ናብ ሕቶኻ ክምለስ'የ።

ናይ ረፈረንደም እማመ ኣብ 1980 እዩ ብህዝባዊ ግንባረ ቀሪቡ።

ነዚ ዘቕረበሉ ድማ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ናይ ናጽነት ምሉእ ንምሉእ እምነት ስለዝነበሮ'ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ጸላእቱ ዝብልዎ ዝነበሩ ብካልኦት ሓይልታት ዝተደፋፈአ ቃልሲ ኣይኮነን ዘካይድ ነይሩ።

ጸላእቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያዊ ናይ ምዃን ድሌት ኣለዎ ዝብል ፕሮፖጋንዳ'ዩ ነይርዎም።

ህዝባዊ ግንባር ድማ እዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ መሰረት የብሉን ብምባል ብረፈረንደም ከምዝስዕሮ ይኣምን ነይሩ'ዩ።

ህዝባዊ ግንባር ድማ "ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ትብልዎ ዘለኹም እንተኾይኑ ሕርይኡ እንዶ የርኢ" ዝብል ብድሆ ናብ ዓለም ኣቕሪቡ።

ደርጊ ንሻዱሻይ ወራር ይዳሎ ስለዝነበረ ብኲናት ክዕወት'የ ብምባልን ርትዓዊ ረፈረንደም እንተተገይሩ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝስዕር ስለዝፈለጠን ነቲ እማመ ኣይተቐበሎን።

ብዛዕባ እቲ ሃገራዊ መዝሙር ዝበለካዮ፡ ክትስራሕ እንከላ ሃገራዊ መዝሙር ተባሂላ ኣይኮነትን ተሰሪሓ።

ኤርትራ ትሓልፎ ንዝነበረት ጉዕዞ ቃልስን ምረትን ኣብ መጻኢ ድማ ክትዕወት ምዃና እትገልጽ፡ ኤርትራ ነጻ ምስ ኮነት ድማ ህዝባ ክሃንጻ ምዃኑ እትገልጽ ሓርባኛዊት ግጥሚ እያ።

ሓራ ምስ ወጻእና ሃገራዊት መዝሙር ክትኮነና ተባሂላ ግን ኣይተሰረሐትን። እዋኑ ድማ 1986 እዩ ነይሩ ትሕዝቶኣ ድማ

ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ

ብዓል ደማ እናልቀሰ ንኽለቃ

ህይወትና ነሕልፈላ ኣለና ደቃ

መጋየጺ ጓና ከይትኸውን

መጻኢ ዕድላ ከይመክን

ናይ ዘበናት ናይ ህዝባ ዊንታ

ጽባሕ ክረዊ ኣብ ሓርነታ

ኤርትራ ኤርትራ

ኣብ ዓለም ክውሃባ ግቡእ ክብራ (ኩሉ ብመጻኢ እዩ ተጻሒፉ)

ኣሜን ኣይበልናን ኣይሰገድናን

በዲህና ንያት ኣየዕረብናን

ክትብልጽግ ከነልብሳ ግርማ

ሕድሪ ኣለና ግምጃ ክንስልማ

ኤርትራ ኤርትራ

ኣብ ዓለም ክውሃባ ግቡእ ክብራ።

እያ ትብል ነይራ።

ናብታ ረፈረንደም እሞ ንመለስ

ህዝባዊ ግንባር እታ ኣብ 1980 ዘቕረባ እማመ ብብረት ናጸነቱ ምስ ኣረጋገጸ'ውን ኣይሰገራን።

እቲ ናጽነት ዘምጸአ ሓይሊ፡ ናይ ናጽነት ድሌት ዝነበሮ ህዝቢ ዘምጸኦ ምዃኑ፡ ድምጹ ክስማዕ ኣለዎ ብምባል ረፈረንደም ክገብር ወሲኑ።

ሚያዝያ 1993 ረፈረንደም ተኻይዱ፡ ኩሉ ተዓዛባይ ኣብ ዝተረኸበሉ ድማ 99.8 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ንናጽነት ኣድሚጹ ንቃልሱ ድምጹ ወሲኹሉ። እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ማሕተም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ።

ወግዓዊ ምእዋጅ ናጽነት ድማ ኣብ 24 ግንቦት 1993 ተኻይዱ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ነታ ኣብ 1986 ዝተጻሕፈት ግጥሚ ትሕዝቶኣ ምስቲ መድረኽ ከምእትኸይድ ገይረ ነቲ ንመጻኢ ዝገልጽ ግጥሚ ንህልዉን ንሕሉፍን ገይረ ሰሪሐያ።

ኤርትራ ኤርትራ

ብዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ (ኣብታ ቀዳመይቲ ብዓል ደማ እናልቀሰ ንክለቃ'ዩ ዝብል ነይሩ እናኣልቀሰ ድማ ተደምሲሱ)

መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ

መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ

ትእምርቲ ጽንዓት ኮይኑ ስማ

ኤርትራ እዛ ሓበን ውጹዓት

ኣመስኪራ ሓቂ ከም ትዕወት (ኩሉ ሓሊፉ ኣመስኪራ እያ)

ኤርትራ ኤርትራ

ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ (እቲ ኣብ ዓለም ክውሃባ ግቡእ ክብራ ዝብል ዝነበረ'ዩ ክዉን ኮይኑ)

ናጽነት ዘምጽአ ልዑል ኒሕ

ንህንጻ ንልምዓት ክሰርሕ

ስልጣነ ከነልብሳ ግርማ

ሕድሪ ኣለና ግምጃ ክንስልማ።

እያ ትብል፡ ካብ ምእዋጅ ነጽነት ኣትሒዛ ድማ ወግዓዊት ሃገራዊ መዝሙር ኮይና።

ኣቶ ሰሎሞን፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ምዕቃብን ምምዕባልን ቋንቋታት ኤርትራ'ውን ይሰርሕ ነይሩ'ዩ፡ እቲ መስርሕ ምዕቃብ እንታይ'ዩ ዝመስል ነይሩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ እቲ ዝተገበረ ኣዝዩ ሰፊሕ ስራሕ'ዩ፤ ኣብ ሓጺር ሰዓታት ቀቀንዱ'ውን ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

ገለ ንምጥቃስ ግን ምድላው ናይ መዝገበ ቃላት ነይሩ።

እቲ መዝገበ ቃላት እንግሊዝ ትግርኛ ዓረብ እዩ። ከምኡ'ውን ብትግርኛ ጀሚሩ ትርጉም እንግሊዘኛ ዝሕብር'ውን ነይሩ እዩ።

ናይ ስነጽሑፍ ውድድራትን ስራሓትን ይካየድ ነይሩ።

ተራ ናይ ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ድማ ልዑል ነይሩ።

ቤት ትምህርቲ ሰውራ'ውን ገሊኦም ኣብቲ ሰውራ ዝተወለዱ፤ ገለ ድማ ብህጻንነቶም ናብ ገድሊ ዝመጽኡ፡ ገለ'ውን ስድርኦም ናብ ገድሊ ሒዘምዎም ዝወጽኡ ዝረክብዎም ህጻናት ብሓደ ዝምሃርሉ ዝነበሩ ዓቢ ቤት ትምህርቲ ነይሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ዓቢ ግደ'ዩ ነይርዎ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት'ውን መምሃራን ካብ ሳሕል እናኸዱ ይምህሩ ስለዝነበሩ ዳርጋ ኣካል ቤት ትምህርቲ ሰውራ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት'ውን እቶም መሃይምነት ከየጥፍኡ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ከምዝምሃሩ ይግበር ስለዝነበረ እዚ'ውን ኣካል እቲ ምምዕባል ቋንቋ'ዩ።

ዋላ እኳ እቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣቀዲሙ ሰጒሙ እንተነበረ፡ እቲ ፊደላት ዘይነበሮ ቋንቋታት ኤርትራ ግን እቲ ኩሻዊ ቋንቋታት ናይ ላቲን ፊደላት ከምዝህልዎ ተገይሩ፡ ብኡኡ'ውን ትምህርቲ ይወሃብ ነይሩን ኣሎን።

እዚ ኹሉ ኣብ ዙርያ እቲ ባህልታትን ቋንቋታትን ዝግበር ዝነበረ'ዩ።

ካልእ ናይ ሙዚቃ፡ ቅብኣ፡ ቅርጻ ቤት ትምህርቲ'ውን ነይሩ'ዩ።

ናይ ድራማ ትምህርቲ ንምክያድ'ውን ሱዳናውያን መመሃራን ንጥቀም ነይርና።

እቶም መምሃራን ናብ ሳሕል ኣትዮም ይምህሩ ነይሮም ማለት ድዩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡እወ ምስ ማሕበር ተዋሳእቲ ሱዳን ስምምዕ ብምግባር ሰለስተ መመሃራን ተዋስኦ ካብ ሱዳን ናብ ሳሕል ኣምጺእና ትምህርቲ ከምዝህቡ ተገይሩ።

ሰባት ሙዚቃ ክምሃሩ ናብ ወጻኢ (ሱዳንን ዓዲ እንግሊዝን) ይስደዱ ነይሮም እዮም።

ሰፊሕ እዩ። እዚ ግን ኣብ ምምዕባል ቋንቋ ንዝግበር ዝነበረ ኣብነታት ንምጥቃስ ዝብሎ ዘለኹ እዩ።

ኣብ ባህሊ ውድብ ኣብ ዝነበርካሉ እቲ ናይ ሓባር ስራሕ ውጽኢቱ ከመይ ነይሩ፡ ብውልቕካ ንስኻ'ኸ ኣብ ምንታይ ኢኻ ትሰርሕ ነይርካ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ እቲ ስራሕ ክልተ ባህሪ ዘለዎ'ዩ፡ ውልቃውን ሓባራውን።

ብቐንዱ በቲ ሓባራዊ ክጅምረልካ። ኩልና ንሓደ ዕላማ ንምምጻእ ናጽነት ኢና ንሰርሕ።

እዚ ዕላማ እዚ ድማ ንኹልና ዝጠምር'ዩ።

ነዚ ዕላማ ንምጭባጥ ድማ ኩልና እናተማላላእና ዝበለጸ ፍረ ንምጭባጥ ኢና ንሰርሕ፤ እዚ ኸኣ ዓቢ ውጽኢት ነይርዎ።

ናብ ናይ ውልቀይ ክመጽእ እንተኾይነ ኸኣ፡ በብውልቅኻ እተበርክቶ እዩ እቲ ናይ ሓባር ስራሕ ብሉጽ ንኽኸውን ዝሕግዝ። ናተይ ግደ ድማ ምድራስ'ዩ ነይሩ (ግጥሚ ተዋስኦ) ምድላው መጽሄት ነጸብራቕ ከምኡ'ውን ኣብ ምምሕዳር ነይረ።

ባህሊ ውድብ'ከ መዓስ'ያ ቆይማ? ካብ ሜዳ ወጺእኹም'ውን ባህላዊ ምርኢት ተቕርቡ ስለዝነበርኩም ተራ ስነ ጥበባዊ ምርኢታት ኣብ ምምጻእ ናጽነት ከመይ ነይሩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ካብ 1975 እዩ ዝጅምር እዚ እቲ ቀዳማይ ዙርያ ኣወዳድባ እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣወዳድባ ድማ ኣብ 1976 ተኻይዱ፡ መብዛሕትኦም ፊተውራሪ ዝኾኑ ሙዚቃ ደርፍን ተዋስኦን ከምዝመሃሩ ተገይሩ፤ ብዓል ኣሮን ተኪኤ፡ ሙሉጌታ ወዲ ዛግር ዝርከብዎ ማለት'ዩ።

እዞም ጉጅለ እዚኦም ድማ ክሳብ ምዝላቕ ዘሎ ግዜ (1979 ) ጸኒሖም።

ንዐኦም ዝምህሩ ዝነብሩ ድማ ከም ብዓል ዓሊ ዓሲና፡ ተስፋሚካኤል ቀለታ ነይሮም።

እስቲፋኖስ ኣብርሃም ዘማችከ ምስኦም ድዩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ዘማች፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ቀያሕቲ ዕምባባ ንዝበሃሉ ጉጅለ እዩ ሒዙ ነይሩ። ንሱ ካልእ መድረኽ'ዩ።

ኣብ 1979 ሰፊሕ ባህላዊ ውዳበ ስለዝቖመ ድማ ካብተን ዝነበራ ብርጌዳት ባህሊ በራጌድ 23፥ 70፥ 58፡ 31፤ ካልእን ነይሩ እዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 1981 ድማ ማእከላይ ጨንፈር ባህሊ ውድብ ካብ ኩሉ ብርጌዳት ብዝተዋጽኡ ሰባት ቆይሙ።

ነቲ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ክሳብ ክንደይ ተራ ነይርዎ ዝብል ድማ ኩሉ ሰብ እንድዩ ብበሞይኡ ኣብቲ ቃልሲ ኣበርኪቱ።

ስነጥበብ ከኣ ናቱ ጽልዋ ነይርዎ'ዩ።

ህዝቢ ከም ዝውደብ ኣብ ጎኒ ሰውርኡ ደው ከምዝብልን ገጥ ከምዝብልን ገይሩ እዩ።

ፕሮፓጋንዳ ናይ ጸላኢ ንወንበዴታት ደምሲሰዮም እዩ ዝብል ነይሩ። ንሕና ድማ ብስነ ጥበብ ኣለና ኣይተሰዓርናን - እኳ ደኣ ሰሲናን ሰዊድናን ብምባል ንህዝብናን ዓለምን ንነግር ነይርና። ሞራል ህዝብና ኣብ ምብራኽ ከኣ ዓቢ ግደ ነይሩዎ።

ኣብ ሱዳን ኣብ 1984፣1986 እንዳኸድና ምርኢት ነቕርብ ነይርና። ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ድማ ኣብ 1989፥ 1990፥ 1991 ምርኢት ኣርኢና። ድሕሪ ምርኢት ድማ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ናብ ሜዳ ይስለፉ ነይሮም።

እዚ ምርኢታት እዚ ዘስነቖ ኒሕ እዚ ኢልካ ክትግምቶ ዝከኣል ኣይኮነን።

ኩሉ እቲ ዓወት ድማ ብምምልላእ ናይ ኩሉ እዩ መጺኡ።

24 ግንቦት 1991 ኣበይ ኔርካ? ስምዒትካ ንምግላጽ ዘምሎቕካያ ቃል'ከ ትዝክራ'ዶ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ኣብ ዓራግ እየ ነይረ፡ ምዓስ'ዩ ኢና ዘይንፈልጦ ነይርና'ምበር እቲ ዓወት ይቀራረብ ምንባሩ ይርዳኣና ነይሩ'ዩ።

ህዝባዊ ግንባር ስዕረት ደርጊ ንምቅልጣፍ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ'ውን ይቃለስ ስለዝነበረ፡ ናጽነት ከምዝቕረበ ይርድኣና ነይሩ።

ምስ ኮነ ግን ይድንጽወካ እዩ። ነቲ ሓጎስ ክትገልጾ'ውን ቃላት ኣይትረኽበሉን።እቲ ሽዑኡ ዝተሰማዓኒ ሓጎስ መወዳደርቲ የብሉን። ብሕጂ'ውን ምስኡ ዝመጣጠን ሓጎስ ዝሕጎስ ኣይመስለንን።

ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኣይተሰነደን ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ይስነድ ኣሎ ድዩ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ፡ ንዓበይቲ ሰብ ተሞኩሮ ቃለ መጠየቕ ይካየድ ኣሎ፡ ጽሑፋት'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ይሕተም ኣሎ።

እንተኾነ ምስ ዕምቆትን ስፍሓትን ናይ ገድሊ ኣረኣኢኻ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ በሃላይ'የ።

ብሰፊሑ ክዳሎ ከምዝግብኦ እቲ ግዜ ድማ ሕጂ ምዃኑ ይርድኣኒ።

ስለዚ ካብ ንኡስ ፈተነታት ዝሓልፍ ዓበይቲ ፍርያት ናይ ታሪኽ ሰውራ ብሕጂ ኢና ክንጽበ።

ንስኻኸ ከም ጽሓፋይ ኣብ ምስናድ እዚ ታሪኽ እንታይ ትሰርሕ ትህሉ?

ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ፡ ኣነ ብዓቕመይ ዝገብሮ ነገር ይህሉ'ዩ። እንተኾነ ታሪኽ ብሓደ ሰብ ወይ ብዝተወሰኑ ሰባት ኣቐሚጥካ ክስነድ ኣይክእልን'ዩ።

ብርግጽ ግዲኦም ከበርክቱ ይኽእሉ'ዮም።

ኣነ ብዓቢኡ ፍሉይ መደብ ክግበረሉ ዘለዎ ኮይኑ ይርኣየኒ።

ሰፊሕ ሃገራዊ መደብ ኮይኑ ብሃገራዊ ደረጃ ክስራሕ ዘለዎ'ዩ።

ታሪኽ ታሪኽ እዩ፡ ታሪኽ'ዩ ንሓደ ህዝቢ ዘቑሞ፡ታሪኽ'ዩ ዓንዲ ሕቑኡን መሰረቱን።

ንሓደ ህዝቢ ዘንብሮ፡ ዘንብሮ ዘሎን ንጽባሕ ዘቐጽሎን ታሪኽ'ዩ። ስለዚ ተስፋ ንገብር ንምስናዱ ዓቢ ተበገሶ ክውሰድ።

የመስግነካ ኣቶ ሰሎሞን ጸሃየ

ኣነ'ውን የመስግነካ ሃብቶም