'ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣለይቲ ፊልም ንነብሰይ እየ ዘድንቅ' ኣርያም ወልድኣብ

ኣርያም ወልድኣብ፡ ኣብ ስነ ጥበባዊ መድረኻት ሓጸርቲ ዛንታታት ብምንባብ፡ ኣብ ኤሪ ቲቪ ኣብ ዝቐርቡ መደባት ስነ ጥበብ በቲ መሳጥን፡ ምስቲ እተዘንትዎ ዛንታታት ክብ ለጠቕ እናበለ ዝኸይድ መሳጢ ቅኒትን እትመርጾም ቃላትን ኣብ ብዙሓት ተኸታተልቲ ናእዳ ዝረኸበት ፍትውቲ ስነ ጥበበኛ እያ። ዝያዳ ግን በቲ እተቕርቦ ዝነበረት ሓጸርቲ ዛንታታት እያ ትነኣድን ትምስገንን ነይራ።

ኣርያም ንዓመታት ብተዛማዲ ካብ ተዓዘብታ ግልል ኢላ ድሕሪ ምጽናሕ፡ 'ጽቡቕ ኣላ' ትብል ብምርኢት [ተዋስኦ] ዝተሰነየት ፍሉይ ቅዲ ኣቐራርባ ዘለዋ ሓጻር ዛንታ ሒዛ ብዩትዩብ ተቐልቂላ ኣላ።

መንቀሊ ሓሳብ እታ ዛንታን፡ ኣቐራርብኣን ክንምለሶ ኢና።

ድሕረ ባይታ ኣርያም ወልድኣብ

ኣርያም ወልድኣብ ኣብ 1990 ኣብ ሳሕል ሂምቦል ኣብ ዝተብሃለ ቦታ'ያ ተወሊዳ።

ጓል ሓደ ዓመት እንከላ ኸኣ ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ስለዝወጽአት፡ ኣብ ሕቑፊ ኣዲኣ ኮይና ምስ ክልተ ምዕባያ ኣሕዋታ ናብ ኣስመራ ኣትያ።

ካብ ብንእሽትኣ ዝንባለ ስነ ጥበብ ከምዝነበራ እትገለጽ ኣርያም፡ ኣብ ሬድዮን ተለቪዥንን ጽሑፋት ብምቕራብ፡ ቀስ እናበለት ዓቕማ ብምድላብ ናብ ምጽሓፍን ምእላይን ፊልምን፡ ግጥምታትን ሓጸርቲ ዛንታታን ኣብ ምጽሓፍን መጽሓፍ ኣብ ምድራስን በጺሓ።

ኣርያም ባዕላ ደሪሳ ባዕላ ዝኣለየታ ፊልም 'ይቕረ ንመን'፣ ፊልም 'ዩኤል ኣብ ፈተነ' ኣርያም ዝጽሓፈታ ፍስሃየ ወርቅነህ ዝኣለያ፣ መጽሓፍ 'ቅድሚ ቀዳማይ' እኩብ ሓጺር ዛንታታትን ግጥምታትን ናብ ህዝቢ ኣቕሪባ።

ብፊልም ይቕረ ንመን ኸኣ ሽልማታት ዓቲራ።

ኣርያም ነዚ ዘላቶ ናይ ስነ ጽሑፍ ዓቕሚ ንኽትድልብ ኣብ ዝተፈላላየ እዋን ንስነ ጽሑፍ ኣመልኪታ ስልጠናታት ከምዝወሰደት ትገልጽ።

ኣርያም ኣብ 2007 ናብ ሳዋ ምስ ከደት ንሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ስነ ጽሑፍ ስልጠና ወሲዳ ነይራ።

"እታ ቀንዲ ንዓይ ዓቢ በሪ ዝኸፈተትለይ ግን ብብዓል መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብርሃምን ኢሳቕን ዝተዋህበት ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስልጠና ስነ ጽሑፍ እያ፤ ኣብ 2010'ውን ብሓንቲ እንግሊዛዊት ኣጸሓሕፋ ፊልም ተማሂረ ነይረ" ትብል።

ብምስዓብ "ኣብ ስማፕ ኸኣ ካብቶም ቀዳሞት ተመራቖ [2014] ትያትሪካል ኣርትስ ነይረ" ምንባራ ትገልጽ።

ኣርያም ኣብ 2016 ኸኣ ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ኣምሪሓ።

"ጽቡቕ ኣላ"

ኣርያም ነዛ "ጽቡቕ ኣላ" ዝሰመየታ ብተዋስኦ ዝተሰነየት ሓጻር ዛንታ፡ ንክትጽሕፋ ዝደረኻ፡ ሰባት ብዛዕባ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኣብ ነብሳ ዝርኣየቶ ምዃኑ'ያ ትገልጽ።

"ኣብ ዓዲ እንከለኹ፡ ብዛዕባ ኣመሪካ ዝነበረኒ ትጽቢትን እቲ ክውንነትን በበይኑ ኮይኑ ረኺበዮ" ብምባል እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዓዲ ዝርከቡ ሰባት፡ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ጽቡቕ ናብራ ዝነብሩ ከምዝመስሎም ትገልጽ።

ኣርያም ኣብ ነብሳ ዘጋጠመ ንምግላጽ ኸኣ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወት ኣብ ወርሓ ብዙሕ ሰብ ንሓገዝ ከምዝሓተታ ብምዝካር "ኣነ ገና ነቲ ዓዲ'ውን ኣይተላለኽዎን ነይረ፡ ብሓፈሻ ቀስ እናበልኩ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ገልጠምጠምን ክብደት ናብራን ምስ ረኣኽዎ ከተሓሳስበኒ ጀሚሩ። እታ ጽቡቕ ኣላ ትብል ዛንታ ኸኣ ብኸምዚ እያ ተጀሚራ" ብምባል ንኣጀማምራ እታ ዛንታ ትገልጾ።

ኣርያም፡ "ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ኤርትራውያን ንስደራቤቶም ፈተውቶምን መቕርቦምን ክብሉ ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉን ኣብ ዘይተደለየ ከቢድ ዕዳ ክኣትው ርእየ'የ " ትብል።

እቲ ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ዝኽፈል ዋጋ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ዝለዓለ ምዃኑ ኣርያም ትሕብር "እቲ ካብ ስድርአን ትጽቢት ዝግበረለን ዋጋ ክኸፍላ ክብላ ዕድሚኤን፡ ጽባቐኤንን ኩሉ ነገረንን ዘብለያ ኣሕዋት ኣለዋና። ብቐረባ ዝፈልጦ ምስ ጥዕናን ዕዳን ዝተሓሓዝ ዛንታታት ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ኣሎ። እዚታትት ኩሉ እዩ ከኣ ነታ ዛንታ ክጽሕፋ ኣገዲዱኒ" ትብል።

ኣብታ ዛንታ ኣርያም ነቲ ሓጺር ዛንታ ምስቲ ዛንታ ዝሳነ ምከና ብምምራጽ እናኣንበበቶ እንከላ፡ ውርይቲ ኤርትራዊት ተዋሳኢት መረብ እስቲፋኖስ ኸኣ ናይታ ኣብቲ ዛንታ ዘላ ኣብ ወጻኢ ትነብር ገጸ ባህሪ ብምልባስ'ያ ጎኒ ጎኒ እቲ ዛንታ ትዋሳእ።

ንመረብ ካልኦት መሰነይታ ተዋሳእቲ የብላን።

ኣርያም ነቲ ቅዲ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ከተብርህ እንከላ "ቀደም ኣብ መድረኽ ወጺአ እናኣንበብኩ እዮም ሰባት ዝፈልጡኒ። ሓዲሽ ነገር ክፍትን ኣለኒ ስለዝበልኩ እየ ኸኣ ነዚ ቅዲ እዚ ዘይፍትኖ ብምባል ሓሲበዮ፡ ሓዲሽ ነገር ምፍታን ኸኣ ደስ'ዩ ዝብለኒ" ትብል።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስነጥበባውያን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ኣብ ስደት ከምዝነብሩ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ እንትርፎ እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኡጋንዳን ዘለዉ፡ ብተዛማዲ ገለ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ከፍርዩ ዝረኣዩ፡ እቶም ዝበዝሑ ሞያ ብምቕያር እዮም ናብርኦም ዝመርሑ።

እቲ ምኽንያት ኣርያም ክትገልጾ እንከላ "ንኣብነት ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ካብ ሓደ 'ስቴት' ናብ ካልእ 'ስቴት' ጌሽካ ክትራኸብ ብዙሕ'ዩ ዘኽፍለካ፡ መነባብሮ ኣሎ፡ ምግጫው ናይ ባህሊ ኣሎ፡ ነቲ ኣብዚ ዘሎ 'ሲስተም' ክትርዕሞ ኣለካ" ብምባል ምስቲ ሰብ ንመዓልታዊ መነባብርኡ ንምምላእ ጸደፍደፍ ዝብሎ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ንምክያድ ኣዝዩ ከምዝኸብድ እያ ተገልጽ።

ሽልማታት ይቕረ ንመን'

ኣርያም ወልድኣብ፡ ኣብ ዓውዲ ፊልም ክትሰርሕ ምስ ጀመረት መጀመርታ: ነታ 'ዩኤል ኣብ ፈተነ' ትብል ፊልም እያ ደሪሳ፡ ብምቅጻል ንፊልም 'ይቕረ ንመን' ባዕላ ጽሒፋ ባዕላ ኣልያታ።

እዛ ፊልም ከም ብዓል ሳሮን በረኸት፡ ሲራክ ሚኪኤል፡ ስዒድ ኣንዋር፡ ዊንታ ገረዝግሄርን ሃኒባል በለጾምን ዝኣመሰሉ ውሩያት ተዋሳእቲ ዝተዋስኡላን እያ።

ኣብ መስከረም 2017 ኣብ 'ሲሊከን ቫሊ ኣፍሪካን ፊልም ፈስቲቫል' ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፊልም ፈስቲቫል ኣርያም ንይቅረ ንመን ንውድድር ስለዝቐረበታ፡ እታ ፊልም ኣብ ምድብ ትረኻዊ ፊልምታት (achievement in narrative films) ተሸሊማ።

ኣብ 2020'ውን ነታ ፊልም ኣብ ሂዩስተን ኢንተርናሽናል ፊልም ፈስቲቫል ኣወዳዲራታ 'ሲልቨር ረሚ ኣዋርድ' ከምዝረኸበት ኣርያም ትዛረብ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘላ ማሕበር 'women of colour' ናይ ዓለም ደቂ ኣንሰትዮ ሰራሕቲ ፊለም ኣባል ብምዃን፡ ብመንገዲ እቲ ማሕበር ብዝመጻ ዕድመ 'best film directed by women of colour' ኣብ ዝብል ተወዳዲራ ብመንገዲ ይቕረ ንመን ምስ ካልኣይታ ክትዕወት ክኢላ።

"ኣብዚ ውድድር ምዕዋተይ ዘሐጎሰኒ፡ ብውልቀይ ኣይኮንኩን ተዓዊተ ንሃገረይ ወኪላ እየ ተወዳዲረ" ትብል ኣርያም።

ኣርያም ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ድርሰት ብምሓዝ ዓለም ለኻዊ ጽልዋ ዘለዎ ስራሕ ንኽትሰርሕ ኣብ ጻዕሪ ከምዘላ ብምሕባር "ብፍላይ ብሓፈሻ ንኣፍሪቃውን ዝውክል ስራሕ ክሰርሕ'ዩ ሓሳበይ" ትብል።

'መጽሓፍ ቅድሚ ቀዳማይ . . . ብድምጺ'

ኣርያም ወልድኣብ፡ እኩብ ሓጺር ዛንታታትን ግጥምታትን ዝሓዘት 'ቅድሚ ቀዳማይ' ዝሰመየታ መጽሓፍ'ውን ናብ ህዝቢ ዘርጊሓ እያ።

ነቲ ዝሃበቶ ኣርእስቲ ኣመልኪታ ኸኣ "ኣነ ንዕላማ ናይቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኸፈለ ከቢድ ዋጋ፡ ቀዳማይ ጥራይ ኢላ ክገልጾ ነብሰይ ኣይገበረለይን ልዕሊኡ እዩ፡ ህይወትካ፡ ስድራኻ፡ ሓዳርካ፡ ዕድላትካ ገዲፍካ'ዩ ተፈጺሙ ነዚ'ሞ ከመይ ኢለ'የ ቀዳማይ ጥራይ ኢለ ክገልጾ ብምባል እየ ቅድሚ ቀዳማይ ኢለዮ" ትብል።

መጽሓፍ ቅድሚ ቀዳማይ ኣብ ኢድ ኩሎም ደለይታ ከምዘይበጽሐት እትገልጽ ኣርያም "እቲ ጸገም ኣብ ሃገርና ባዕልኻ ትጽሕፍ፡ ባዕልኻ ተሕትም ባዕልኻ ትዝርግሕ ስለዝኾነ እወ ከምቲ ዝድለ ኣብ ኢድ ኩሉ ደላይኣ ኣይበጽሐትን ኣላ" ትብል።

ኣርያም ነዚ ሃጓፍ እዚ ንምምላእ ነታ መጽሓፍ ብምልክዕ ድምጺ መሊኣ 'audio book' ትገብራ ምህላዋን ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ሰማዕቲ ክትፍኖ ምዃናን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣርያም ወልድኣብ ኣብ ኣስመራ እንከላ፡ 'Aru Show' ዝሰመየቶ ብባህላውያን ሙዚቀኛታት ተሰንያ ኣብ መድረኽ ብምውጻእ ሓጸርቲ ዛንታታት ተቕርበሉ ምርኢት ጀሚራ ነይራ።

እንተኾነ እቲ መደብ ምስ ናብ ኣመሪካ ምጋሻ ክትቅጽሎ ከምዘይክኣለት ሓቢራትና።

'ካብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዩ ኣለይቲ ፊልም ንነብሰይ እየ ዘድንቅ'

ኣርያም ወልድኣብ ካብ ደቂ ተባዕትዩ ተዋሳእቲ ንመስፍን ተስፋገርግስ (ማዕበል) ካብ ደቂ ኣንስትዩ ተዋሳእቲ ኸኣ ንጽገ ተኽለሰንበት (ኣደይ ብጫ) ከምእተድንቕ ትገልጽ።

ካብ ደቂ ተባዕትዩ ደረስትን ኣለይትን ንነብስሄር ኢሰይያስ ጸጋይ ከምእተድንቕ እትገልጽ ኣርያም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ኣለይቲ ፊልም ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ካብተን ዘለዋ ንነብሳ ኣብ ቅድሚት ከምእትሰርዓ ትገልጽ።