ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሶማሊላንድ ክዝቲ ምዃኑ ተገሊጹ

ዌስትሚኒስተር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ናጽነት እታ ዛጊት ሃገር ምዃና ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘይተወሃባ ሶማሊላንድ ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እታ ካብ ሶማሊያ ተነጺላ ርእሰ ምሕደርኣ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ክሳብ ሎሚ ብወግዒ ናጽነታ ተኣዊጁ ሃገር ክትበሃል ኣይበቕዐትን።

ውድብ ሕቡራት ኮነ ብኻልኦት ሃገራት እውን ነዚ ኣፍልጦ ከይረኸበት ዓመታት ኣቑጺራ’ላ።

“ኣፍልጦ ንሶማሊላንድ” ብዝብል ርእሲ ብኣባል ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ጋቪን ዊልያምሰን ንዝቐረበ ለበዋ ስዒቡ ሎሚ ሰሉስ ኣብቲ ጉዳይ ዘተ ከምዝግበር ተፈሊጡ’ሎ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብዚ ጉዳይ ተመያይጡ እንተነበረ’ኳ ዘሕለፎ ውሳነ ግን ኣይነበረን። ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ዘተ ግን ኣብዚ ጉዳይ ውሳነ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

ነዚ ስዒቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ብትዊት ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ ናብቶም ኣብ ብሪጣኒያ ዝነብሩ ዜጋታት ሃገሩ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

እቲ ረቂቕ ሓሳብ ምቕራቡ ዝነኣደ እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኩሎም ኣብ ብሪጣኒያ ዝነብሩ ዜጋታት ሶማሊላንድ ምስ ኣብ ፓርላማ ዝውክልዎም ኣባላት ዘለዎም ርክባት ከደልድሉ ሓቲቱ።

ኣብ ብሪጣንያ ገለ ከባብያዊ ኣመሓደርቲ: ሶማሊላንድ ነጻ ሃገር ከምዝኾነት ኣፍልጦ ሂቦም’ዮም። ነዚ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ ምምሕዳር ከተማታት ሸፊልድ፣ ካርዲፍን በርሚንግሃምን ብኣብነት ይጥቀሳ።