ጥዕና፡ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ
![ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ [ጸጋማይ] ምስ ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቲ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/10CB0/production/_122648786_4f61f140-dec7-45bb-9f49-26492c2062b8.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, University of Maryland School of Medicine
ሓደ ኣሜሪካዊ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ።
ወዲ 57 ኣሜሪካዊ ዴቪድ ቤኔት እታ ዝተመሓየሸት ልቢ ሓሰማ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት'ያ ሸውዓተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ተገጢማትሉ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኸም ዘሎ ኸኣ ሓካይሙ ሓቢሮም።
እቲ መጥባሕቲ ህይወት ዴቪድ ንምድሓን ዝነበረ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ፡ እታ ልቢ ንኽንደይ እዋን ከተካይዶ ከምእትኽእል ግን ብሕጂ ዘገም ኢልካ ዝርአ ከምዝኾነ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቱ "ክልተ ኣማራጺ እየን ዘለዋ ወይ ሞት ወይ ነዛ ካብ ሓሰማ ተወሲዳ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ምቕባል" ኢሉ ነይሩ።
ብምስዓብ "ኣብ ጸላም ኮንካ ብሃውሪ ከምምትኳስ'ዩ ግን ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢሉ።
እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዩኒቨርስረቲ ሜሪላንድ ዝርከቡ ደኳትር'ዮም ኣካይዶምዎ፡ ክፍሊ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ኣሜሪካ፡ ንዴቪድ ዝነበሮ ኣማራጺ ሞት ወይ መጥባሕቲ ከካይድ ስለዝነበረ ኸኣ ክፈቕደሎም ክኢሉ።
ዴቪድ፡ ኣቐዲሙ ናይ ሰብ ልቢ ክሰጋገረሉ'ኳ ብኣጋ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ርእዮም ዶኳተር ኣይፈቐድሉን።

ምንጪ ስእሊ, University of Maryland School of Medicine
እቶም ነቲ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ እቲ መስርሕ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ልቢ ሓሰማ፡ ዓመታት ዝወሰደ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደሉ ብምሕባር፡ ውጽኢት መጥባሕቲ ዴቪድ፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ልቢ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ገሊጾም።
ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ ግሪፍዝ፡ እቲ መጥባሕቲ "ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽርት ኣካላት ወዲ ሰብ ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ዝወስድ ውጽኢት'ዩ" ኢሉ።
ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ኣሜሪካ መዓልታዊ 17 ሰባት ልቢ ንክቕየረሎም ኣብ ምጽባይ እንከለዉ ከምዝሞቱ ብምሕባር፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 100 ሸሕ ሰባት ልቦም ንኽትቅየረሎም ኣብ ትጽቢት ከምዝርከቡ ኣብሪሁ።
ኣካላት ናይ እንስሳ ኣማሓይሽካ በቲ 'ዜኖትራንስፓላንቴሽን' ዝብሃል ኣገባብ ኣብ ሰብ ከምዝገጥም ናይ ምግባር ሓሳብ ነዊሕ ክጽዓረሉ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝግለጽ።
ኣቐዲሙ፡ ካብ ልቢ ሓሰማ ዝተወሰደ ሻምብቖታት ደም ኣብ ሰብ ክትከል ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኩሊት ኣብ ሰብ ብምትካል ምስግጋር ኣካላት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሓሸማ ኵሊት ዝተተኸለሉa ውልቀ ሰብ ሓንጎሉ ምስራሕ ስለዘቋረጸ፡ እቲ መጥባሕቲ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ክኸውን ኣይክኣለን።
ዴቪድ ግን እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሶ ዝነበረ ክገላግሎ'ዩ ትጽቢት ኣሕዲሩ ዘሎ።
ዴቪድ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብዘይዝኾነ ናይ ማሽን ሓገዝ ከተንፍስን ልቡ ንቡር ትርግታ ከተስምዕን ጀሚራ ኣላ፡ ክሳብ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝብጽሕ ግን ኣብ ሕክምና ክጸንሕ ምዃኑ'ዩ ተነጊርዎ ዘሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







