ጥዕና፡ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ

ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ [ጸጋማይ] ምስ ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቲ

ምንጪ ስእሊ, University of Maryland School of Medicine

መግለጺ ስእሊ, ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ [ጸጋማይ] ምስ ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቲ

ሓደ ኣሜሪካዊ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመትሉ ናይ መጀመርታ ሰብ ኮይኑ።

ወዲ 57 ኣሜሪካዊ ዴቪድ ቤኔት እታ ዝተመሓየሸት ልቢ ሓሰማ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት'ያ ሸውዓተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ ተገጢማትሉ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኸም ዘሎ ኸኣ ሓካይሙ ሓቢሮም።

እቲ መጥባሕቲ ህይወት ዴቪድ ንምድሓን ዝነበረ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ፡ እታ ልቢ ንኽንደይ እዋን ከተካይዶ ከምእትኽእል ግን ብሕጂ ዘገም ኢልካ ዝርአ ከምዝኾነ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቱ "ክልተ ኣማራጺ እየን ዘለዋ ወይ ሞት ወይ ነዛ ካብ ሓሰማ ተወሲዳ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረላ ልቢ ምቕባል" ኢሉ ነይሩ።

ብምስዓብ "ኣብ ጸላም ኮንካ ብሃውሪ ከምምትኳስ'ዩ ግን ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢሉ።

እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዩኒቨርስረቲ ሜሪላንድ ዝርከቡ ደኳትር'ዮም ኣካይዶምዎ፡ ክፍሊ ሕክምናዊ ምቁጽጻር ኣሜሪካ፡ ንዴቪድ ዝነበሮ ኣማራጺ ሞት ወይ መጥባሕቲ ከካይድ ስለዝነበረ ኸኣ ክፈቕደሎም ክኢሉ።

ዴቪድ፡ ኣቐዲሙ ናይ ሰብ ልቢ ክሰጋገረሉ'ኳ ብኣጋ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ርእዮም ዶኳተር ኣይፈቐድሉን።

መጥባሕቲ ዘካይዱ ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, University of Maryland School of Medicine

መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥባሕቲ ልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት'ዩ ወሲዱ

እቶም ነቲ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ እቲ መስርሕ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ልቢ ሓሰማ፡ ዓመታት ዝወሰደ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደሉ ብምሕባር፡ ውጽኢት መጥባሕቲ ዴቪድ፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ልቢ ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ገሊጾም።

ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ ግሪፍዝ፡ እቲ መጥባሕቲ "ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕጽርት ኣካላት ወዲ ሰብ ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ዝወስድ ውጽኢት'ዩ" ኢሉ።

ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ኣሜሪካ መዓልታዊ 17 ሰባት ልቢ ንክቕየረሎም ኣብ ምጽባይ እንከለዉ ከምዝሞቱ ብምሕባር፡ ብሓፈሻ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 100 ሸሕ ሰባት ልቦም ንኽትቅየረሎም ኣብ ትጽቢት ከምዝርከቡ ኣብሪሁ።

ኣካላት ናይ እንስሳ ኣማሓይሽካ በቲ 'ዜኖትራንስፓላንቴሽን' ዝብሃል ኣገባብ ኣብ ሰብ ከምዝገጥም ናይ ምግባር ሓሳብ ነዊሕ ክጽዓረሉ ከምዝጸንሐ'ዩ ዝግለጽ።

ኣቐዲሙ፡ ካብ ልቢ ሓሰማ ዝተወሰደ ሻምብቖታት ደም ኣብ ሰብ ክትከል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኩሊት ኣብ ሰብ ብምትካል ምስግጋር ኣካላት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ እንተኾነ፡ እቲ ናይ ሓሸማ ኵሊት ዝተተኸለሉa ውልቀ ሰብ ሓንጎሉ ምስራሕ ስለዘቋረጸ፡ እቲ መጥባሕቲ ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ክኸውን ኣይክኣለን።

ዴቪድ ግን እቲ መጥባሕቲ ካብቲ ብሓገዝ ማሽን ዘስተንፍሶ ዝነበረ ክገላግሎ'ዩ ትጽቢት ኣሕዲሩ ዘሎ።

ዴቪድ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ብዘይዝኾነ ናይ ማሽን ሓገዝ ከተንፍስን ልቡ ንቡር ትርግታ ከተስምዕን ጀሚራ ኣላ፡ ክሳብ ናብ ዘተኣማምን ደረጃ ዝብጽሕ ግን ኣብ ሕክምና ክጸንሕ ምዃኑ'ዩ ተነጊርዎ ዘሎ።