ኣብ ናይጄርያ ሸፋቱ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጄርያ ዞባ ዛምፋራ ዕጡቓት ምልሻታት ብዝፈፀምዎም ዘስካሕክሕ መጥቃዕትታት፡ ኣስታት 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ፡ ነበርቲ ገሊፆም።
እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ብሰኑይ ዝተፈፀመ 100 ተዋጋእቲ ክቕተሉን ብዙሓት ናብ ዱር ክሕብኡ ዘገደደን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ግብረ መልሲ ከምዝኾነ ይእመን።
እቶም ሸፋቱ ኣብቲ ዞባ ንመንበሪ ኣባይቲ ብምቅፃል፡ ንሬሳ ግዳያት ከምዝቖራረፅዎ ተገሊፁ።
ነባሪ እተን ቁሸታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝረኸብዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ይትኩሱ ከምዝነበሩ ገሊፁ።
እቶም ሕዚ በቶም ዕጡቓት ተፈፂሞም ዘለዉ መጥቃዕትታ፡ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ናይጄርያ ካብ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት እቶም ዝሓሰሙ እዮም።
ማእኸላይ መንግስቲ እታ ሃገር ምስቶም ሸፋቱ ኢሉ ዝፅውዖም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ገበነኛ ዕጡቓት ጉጅለ ንነዊሕ እዋን ክዋጋእ ከምዝፀንሐ ይፍለጥ።
እዞም ዝተራቐቐ መርበባት ገበነኛታት ዘለዎምን ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ዝንቀሳቐሱን ጉጅለታት፡ ብዙሕ ግዘ ኣብ ምስራቕ እንስሳት ዝተዋፈሩ፣ ገንዘብ ንምርካብ ሰባት ዝጨውዩን ንዝተፋጠጦም ሰብ ድማ ዝቐትሉን'ዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ድማ "ሸፋቱ" ከምዝኾኑ ብዝጥርጠሩ ብሞተር ሳይክል ናብቲ ዞባ ዝመፅኡ 300 ዕጡቓት፡ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።
ኢዲ ሙሳ ዝተብሃለ ነባሪ ካልእ ቁሸት ድማ፡ እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ዕጡቓት፡ ኣስታት 2 ሽሕ ከፍቲ ከምዝሰረቑ ን AFP ገሊፁ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ብዘካየዶም ቀፀልቲ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ዱር ተሓቢኦም ዝነበሩ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ናብ ምዕራባዊ ክፋል ግዝኣት ዛምፋራ ከምዝገስገሱ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን። ፕረዝደንት ናይጄርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ምስቶም ምልሻታት የካይዶ ዘሎ ውግእ ዕሽሽ ከምዘይብሎ ቃል ኣትዩ።ፕረዝደንት ቡሃሪ፡ "እዚ ደጊመ ከረጋግፀልኩም እደሊ፤ ኣቱም ዝተኸበብኩም (ዝተኸርደንኩም) ማሕበረሰባትን ካልኦት ናይጄርያውያንን፡ መንግስቲ፡ ነዞም ጉጅለታት ፅሕፍቶኦም ንክፍፅሙ ኣይክገድፎምን'ዩ። መንግስቲ፡ ነዞም ዘይሕጋውያን ንምምሓው ልዕሊ ዝኾነ እዋን ቆራፅነት ኣለዎ" ኢሉ።ሙሓመድ ቡሃሪ፡ "እቶም ብሸፋቱ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታትን ቅትለታትን፡ ተግባራት ቀቢፀ ተስፋ'ዮም። ሕዚ ድማ ኣብ ፀቕጢ ወተሃደራዊ ሓይልና'ዮም" ክብል፡ ወሲኹ ገሊፁ።መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ነዞም ሸፋቱ ግብረራዕዳውያን (ኣሸበርቲ)ኢሉ ብወግዒ ብምስያም፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ጉጅለታትን ደገፍቶምን ተሪር መቕፃዕቲ ክወስዱ ኣዚዙ'ዩ።
ሓይልታት ፀጥታ ናይጄርያ፡ ኣብዚ ሰሙን 537 ዕጡቓት ሸፋቱን ካልኦት መባእታውያን ገበነኛታትን ከምዝቐተሉ ኣፍሊጦም።
ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጉንበት ንነዘ ድማ 374 ከምዝኣሰሩ ሓቢሮም።
መንግስቲ እታ ሃገር ነቶም ሸፋቱ ንምውጋእ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ኣዋፊሩ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







