“ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ክስዓር’ዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ” ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገራት ዓለም ብሓንሳብ እንተድኣሰሪሐን ኮሮናቫይረስ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ ክስዓር ከምዝኽእል ተስፋ ኣለኒ ክብል ገሊጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ኣብ ቻይና ካብ ዝብገስ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ጸቢብ ብሄራውነትን ክታበት ምኽዛንን” ሓደጋ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ምሉእ ዓለም ክሳብ ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 287 ሚልዮን ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ከኣ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሞይቶም።
ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ዝሓሹ መገድታት ከምዘለዉ ዝገለጸ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ፍትሓዊ ዝኾነ ክፍፍል ክታበት ብዘይምህላዉ እቲ ቫይረስ መልክዑ እንዳቐያረ ንኽቕጽል ዕድል ፈጢርሉ’ዩ ኢሉ።
“ኣብ ገለ ሃገራት ጸቢብ ብሄራውነትን ክዘና ክታበትን ፍትሓውነት ኣጓዲሉ’ዩ። እዚ ድማ ኦሚክሮን ዝተብሃለ ዓሌት እቲ ቫይረስ ንኽፍጠር ባይታ ኣጣጢሑ’ዩ። እቲ ቫይረስ እንዳተለዋወጠ ብዝቐጸለ መጠን ናይ ምቁጽጻርን ናይ ምእማትን ተኽእሎና እንዳነከየ ይኸይድ” ዝበለ ዶክተር ቴድሮስ “ኢ-ፍትሓውነት እንተድኣ ገቲእና ነቲ ለበዳ ክንስዕሮ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ሰባት እንተውሓደ ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም ውድብ ጥዕና ዓለም 2021 ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ምሉእ ዓለም እንተወሓደ 40 ምኢታዊት ህዝቢ ክታበት ክረክብ’ዩ ዝብል ውጥኑ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣይሰመረሉን።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቅድሚ ሕጂ ዝማዕበሉ ሃገራት ኣብ ቀረብ ክታበት ዕንክይክይ እንዳበሉ ንመብዛሕቲኡ ህዝቦም ካልኣይ ክታበት ክህቡ እንከለዉ ገሊኦም ግን ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ክረኽቡ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ ክብል ነቒፍዎም ምንባሩ ይዝከር።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሸቶ እቲ ለበዳ ንምጥፋእ ኣብ ኩለን ሃገራት እንተወሓደ ክሳብ ዝቕጽል ወርሒ ነሓሰ 70 ምኢታዊት ክታበት ንምብጻሕ ወጢኑ’ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







