ሓደ ደቡብ ኮሪያዊ ብዘይተለምደ ኩነታት ናብ ሰሜን ኮሪያ ከዲዑ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ብዘይተለምደ ኩነታት ጥቡቕ ሓለዋ ዝግበረሉ ወተሃደራዊ ዞባ (DMZ) ሓሊፉ ናብ ሰሜን ኮርያ 'ከዲዑ' ዝኣተወ ወዲ ደቡብ ኮሪያ የዘራርብ ኣሎ።
ብዙሕ ግዜ ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ሃዲሞም ዝኣትዉ ሰባት ይሃለዉ'ምበር ብኣንጻሩ ዝተለምደ ኣይነበረን።
እዚ ስሙ ዘይተጸርሐ ደቡብ ኮርያዊ ዜጋ ግን፤ በቲ ጥቡቕን ሓለዋ ዝግበረሉን ካብ ወተሃራት'ውን ነጻ ዝኾነ 'ሓደገኛ ቦታ' ዝበሃል ጥሒሱ ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝሰገረ ሰብ ስልጣን ደቡብ ኮርያ ገሊጾም።
ነቲ ውልቀሰብ ንምሓዝ ኣብ ከባቢ እቲ ዶባት ሓያል ኣለሻ'ኳ እንተተኻየደ፡ ሸሊኹ ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝኣተወ እዩ ዝንገር።
ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ሕዚ ብህይወት ይሃሉ ወይካኣ ተቐቲሉ ይኹን ርግጸኛታት ከምዘይኮኑ፡ እንተኾነ ግን ነቶም መጻብእቶም ሰብ ስልጣን ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣፍሊጦሞም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ሰሜን ኮሪያ ብፍላይ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተኣሳሰር ብዶባት ተሓቢኡ ክወጽእ ዝተረኽበ ዝኾነ ዜጋ ብጥይት ተኲስካ ምቕታል ፖሊሲ እያ ትኽተል።
ምቕታል ጥራይ ዘይኮነ፡ ሬሰኦም'ውን ተቃጽሎ እያ።
እዚ ውልቀሰብ ኣብቲ ካብ ወተሃደራዊ ነጻ ዞባ (DMZ) ክልኩል ቦታ ብቐዳም ኣብ ምብራቓዊ ኣፍደገ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ናይ ምሸት ሰዓት 9፡20 ዝተርአየ ኾይኑ፡ ካብኡ ንደሓር ግና ናብ ዝኣተዎ ክርከብ ኣይከኣለን።
ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ወተሃደራት ሰሜን ኮሪያ ሓደ ኣብ ዶብ ዝረኸብዎ ደቡብ ኮሪያዊ ዓሳ ገፋፊ ሽዑንሽዑ ተኲሶም ከምዝቐተልዎ ይዝረብ።
ነቲ ውልቀሰብ ምቕታል ጥራይ ኮይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ነዳዲ ነስኒሶም ኣቃጺሎምዎ።
ኣብቲ እዋን፡ እዚ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያውያን ቁጥዐ ፈጢሩ ነይሩ።
እንተኾነ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ነቲ ውልቀሰብ 'ቀቲለ ሬስኡ ዘቃጸልክዎ፡ ኮሮናቫይረስ ከይህልዎ ሰጊአ እየ' ብምባል ይቕሬታ ሓቲታ ነይሩ።
ሰሜን ኮሪያ ግን ብዙሓት ዜጎታታ ዶብ ኣቋሪጾም ናብ ደቡብ ኮርያ ኢዶም ስለዝህቡ ተኲሳ ካብ ምቕታል ድሕር ኣይትብልን።
መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ምስ ኮቪድ-19 ብዝተኣሳሰር ሃገራዊ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ምእዋጁ ይዝከር።
ከምኡ ዝገበሩ ድማ፡ ሓደ ደቡብ ኮርያዊ ቫይረስ ሒዙ ናብ ሰሜን ኮርያ ኣትዩ ኣሎ ካብ ዝብል እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜንን ኮሪያታት ዝርከብ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ኾይኑ ዝተኣወጀ ዞባ፡ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ብጥቡቕ ካብ ዝሕለዉ ሓደገኛ ከባቢታት ሓደ ኾይኑ፡ እቲ ከባቢ ብዝተቐብሩ ነተጉቲ ዝተመልአ ኾይኑ፡ 24 ሰዓት ብካሜራ ዝሕሎን ብሓደገኛ ሓጹር ኤሌክትሪክ ዝተኸበን እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







