መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ንቻይና ይበጽሕ

ምንጪ ስእሊ, EPA
መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ፕረሲደንት ቻይና ዢ ጂንግፒን ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ቻይና ኣቐዲሙ ዘይተገልጸ ምብጻሕ ንምፍጻም በይጂን ኣትዩ።
ኪምን ብዓልቲ ቤቱ ሪ ሶል ጁን ክሳብ 10 ጥሪ ኣብ ቻይና ክጸንሑ ምዃኖም መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
እዚ ምብጻሕ'ዚ ሚስተር ኪምን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ንምርኻብ ምድላዋት ይግበረሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ ዝግበር ዘሎ።
እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተራኺቦም ነይሮም። ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣሜሪካዊ ፕረሲደንት ምስ መራሒ ሰሜን ኮሪያ ክራኸብ ድማ ናይ ፈለማ እዋን ነይሩ።
ሚስተር ኪም በታ ድርዕቲ ባቡሩ ናብ ቻይና የምርሕ ከም ዝነበረ ብሰኑይ ጽንጽንታታት ነይሮም።
እዚ ብሓያሎ ላዕለዎት ሰብ መዚ'ታ ሃገር ተሰንዩ ዘካይዶ ዘሎ ምብጻሕ፡ ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ራብዓይ ግዜ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሎሚ ሰሉስ ድማ መበል 35 ዕለተ ልደት ናይ ሚስተር ኪም'ዩ ይበሃል፡ ሰሜን ኮርያ ግን ሓቀኛ ዕለተ ልደቱ ምዃኑ መረጋገጺ ሂባትሉ ኣይትፈልጥን'ያ።
ቻይና ኣገዳሲት ዲፕሎማሲያዊት መሻርኽቲ ሰሜን ኮሪያ'ያ፡ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ምንጭታት ንግድን ረዲኤትን'ታ ሃገር ድማ'ያ።
"ኪም ካብ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን ክረኽቦ ንዝኽእል ጥቕሚ፡ ዲፕሎማሲያውን ቁጠባውን ኣማራጽታት ከምዘለዎ፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ንምዝኽኻር ህንጡይ'ዩ" ኢሉ ዳይረክተር መጽናዕትታት ምክልኻል ኣብ ማእኸል ሃገራዊ ጥቕምታት ሃሪ ጀይ ካዚያኒስ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብዘይንቡር ኩነታት፡ ሚስተር ኪም ኣብ ሽዱሽተ ቀዳሞት ናይ መሪሕነት ዓመታቱ ንፕረሲደንት ዢ ረኺብዎ ኣይፈልጥን ነይሩ። ዓሚ ግን ሰለስተ ጊዜ ቻይና በጺሑ፡ ሰለስቲኡ ምብጽጻሕ ድማ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ኣይፈልጥን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክልተ ካብተን ቀቅድሚ ርክባት ምስ ፕረሲደንት ትራምፕን መራሒ ደቡብ ኮሪያ ሙን ጃይ ኢንን ዝተገብራ ብጽሖታት፡ መርኣያ ዕድላት ምውህሃድ ስትራተጂ ምንባረን ልእኽቲ ቢቢሲ ኣብ ከተማ ሶል ላውራ ቢከር ሓቢራ።
እዚ ናይ ሕጂ ናይ ሰለስተ መዓልታት ብጽሖ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ርክብ መራሕቲ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ከምዝህሉ ኣመተ ከይሃበ ኣይተርፍን ድማ ኢላ ንሳ።
ኣብ ፈለማ ናይ'ዚ ሰሙን'ዚ፡ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ እዋን ክልቲኦም መራሕቲ ዳግማይ ዝራኸብሉ ቦታ ክግለጽ ምዃኑ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣሚቱ ነይሩ።
"ምስ ሰሜን ኮሪያ ጽቡቕ ዝርርባት ይካየድ ኣሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ግን ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ'ዩ" ኢሉ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ድሉው'ኳ እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢራቶ ዘላ ማዕቀብ ዘይተልዕል እንተ ኾይና ግን ኣንፈቱ ክቕይር ምዃኑ፡ ሚስተር ኪም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ናይ ሓድሽ ዓመት መግለጺ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ድሕሪ'ቲ ናይ ሲንጋፖር ርክቦም፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ትራምፕን ኪምን ዛሕቲሉ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ'ቲ እዋን ክልቲኦም ሸነኻት ንሓውሲ-ደሴት ኮርያ ካብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምንጻህ ስምምዕ ከቲሞም ነይሮም፡ ዝርዝር ናይ'ቲ ስምምዕ እንታይ ምንባሩ ግን ንጹር ኣይኮነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







