ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሰሜን ኮርያውያን ብዛዕባ 10 ዓመታት መሪሕነት ኪም

ቅድሚ 10 ዓመታት፡ ንሚዲያታት ዓለም ዝተቖጻጸረ ሓደ ክስተት ሰሜን ኮርያ ነበረ።
ጎደናታት ፒዮንግያንግ ብኣውያት ተመሊኦም፣ ዘጸናንዖም ዝስኣኑ ዝመስሉ ደንቢ ልብሲ ቤት ትምህርቲ ዝተኸደኑ ተመሃሮ ተንበርኪኾም፣ ተስፋ ዝቖረጻ ዝመስላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ልበን ደጊፈን ይርኣዩ ነይሮም።
እቲ ሓያል ቑጽጽር ዝግበረሉ ሃገራዊ ሚዲያ ድማ፡ ሰሜን ኮርያውያን "ዝፈትውዎ" መራሒኦም ኪም ጆንግ-ኢል ኣብ መበል 69 ዓመቱ ከም ዝሞተ ኣቃሊሑ።
እቲ ግዜ 19 ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ነይሩ።
ድሕሪ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተንተንቲ ኮርያ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ንምዝራብ ሰነዳቶም ከገላብጡ ተጓይዮም።
ኪም ጆንግ-ኡን።
ኣብ መበል 27 ዓመቱ፡ ዓብዪ ተካኢ መራሒ ሃገር ተባሂሉ። ዝኾነ ነገር ክሳኽዐሉ ከም ዝኽእል ዝገመቱ ግን ውሑዳት'ዮም።
ሓደ ብዙሕ ዕድመን ተሞክሮን ዘለዎ ሕብረተሰብ ብኸመይ ክልቲኡ ብዘይብሉ ሰብ ይምራሕ?
ብዙሓት ወተሃደራዊ ዕልዋ ክካየድ'ዩ ወይ'ውን ሙሁራት እታ ሃገር ስልጣን ክሕዙ'ዮም ዝብል ግምት ነይሩዎም።
ዓለም ግን ነዚ ንኡሽቶ ውልቀ መላኺ ኣታሒታ ርእያቶ። ኪም ጂንግ-ኡን ስልጣኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣደላዲሉ "ኪም-ጆንግ-ኣውነት" ዝብሃል ሓድሽ መዋእል'ውን እዩ ኣምጺኡ።
ተቓወምቱ ኣጽርዩ፣ ኣማኢት ቐቲሉ ምስ ወድአ ትኹረቱ ናብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣዚሩ።
ንፈተነ ኒዩክሌር 100 ባላስቲክ ሚሳይላት የወንጭፍ፤ ሕጂ ግን እቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ጻምእ ምውናን ኣጽዋር ኒኩሌር እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ፤ ኣዝያ ድኻን ካብ ዓለም ዝተገለለትን ኮይና።
ስለዚ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ እዚ ውልቀሰብ ዘሎ ህይወት እንታይ ይመስል?
ላዕለለዎት ዲፕሎማት ዝርከቡዎም ዓሰርተ ነቲ ስርዓት ዝራሕርሑዎ ሰባት ዓሰርተ ዓመታት መሪሕነት ኪም ጆንግ-ኡን እንታይ ይመስላ ዝብል ርኢይቶኦም ሂቦምሉ ኣለው።

ሓድሽ ጅማሮ
ተመሃራይ ጂም ጂም-ሃዮክ ኣቦ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ዝሞተሉ መዓልቲ ከቕትሎ ዝኽእል ሓደ ነገር ገይሩ። ገይላ ወይ 'ፓርቲ' እዩ ኣዳልዩ።
"ሓደገኛ'ዩ ነይሩ፤ ግን ሽዑ ተሓጒስና ነይርና" ይብል።
እቲ ኣብ በረድ ምንሽርታትን ስክዒት ኩዕሶ ምጽዋትን ዝፈቱ ኪም፡ ሓደሽቲ ሓሳባትን ለውጥን ዘልዕል ሓድሽ መንእሰይ መራሒ ክመጽእ'ዩ ዝደሊ ነይሩ።
"ካብኡ ብዙሕ እንጽበዮም ነገራት ነይሮምና፤ ኣብ ኤውሮጳ'ዩ ተማሂሩ። ስለዚ ልክዕ ከማና እዩ ዝሓስብ ዝብል ግምት ነይሩና" ኢሉ።

ጂም-ሃዮክ ካብ ዝተማህረ ስድራቤት ዝመጽአ ኮይኑ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ቤጂንግ የጽንዕ ነይሩ። እዚ ውሑዳት ርኹባት ሰሜን ኮርያውያን ዝረኽቡዎ ዕድል'ዩ።
ኣብ ቻይና ዝነበሮ ህይወት ብዛዕባ ዝሓሸ ዓለም ንክፈልጥ ኣብ ኢንተርነት ድማ ብዛዕባ ሃገሩ ዜና ክርኢ ዘኽኣሎ ነይሩ።
"መጀመርታ ኣይኣምኖን ነይረ፤ ምዕራባውያን ይሕስው'ዮም ዘለው [ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ] ይብል ነይረ። ልበይን ኣእምሮይን ግን ተኸፋፊሉ። ርእሰይ ክትሪኦ የብልካን ይብለኒ፤ ልበይ ድማ ተወሳኺ ክርኢ ይህንጦ" ይብል።
25 ሚሊዮን ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ትሕቲ ስጡም ክትትል ዝግበሮ ኩነታት ዝነብሩ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ካልእ ክፋል ዓለም ወይ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ሃገሮም እንታይ ይብሉ ዝብል ውሑድ ነገራት እዮም ዝሰምዑ።
እቲ መራሒ ድማ ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደለን ንዕውትነቶም ዘድልዮም መለኮታዊ ፍጡር ከም ዝኾነ'ዮም ዝመሃሩ።
ጂም-ሃዮክ፡ እዚ ሰብ ተተካኢ መራሒ ምዃኑ ሓደ ዝሓጽሮ ዝነበረ ስምዒት'ዩ ፈጢርሉ፤ ተስፋ።
ተጠራጠርቲ
ካልኦት ግን ይጠራጠሩ ነይሮም። ኣብ ገለ ጎደናታት ፒኦንግያንግ ኪም ጆንግ-ኡን ነዚ ስልጣን ዝበቅዕ ኣይኮነን ዝብሉ ሕሜታት ይወጽኡ ነይሮም።
ኣምባሳደር ኩዌት ነበር ሪዩ ያን-ው መሳርሕቱ እቲ ስልጣን ካብ ኣቦ ናብ ውላድ ብምትሕልላፉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ ይዛረብ።
"መጀመርታ 'ሕጂ ኽኣ ካልእ ምትክኻእ?' እየ ኢለ። ሰሜን ኮርያውያን በዚ ውርሻዊ ምትኽኻእ ተሰላችዮም'ዮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብ እቲ ዝተማህረ ሓድሽ ነገር ይደሊ ስለ ዝነበረ 'ዋእ ካልእ ዝተፈለየ ነገር ክመጽእ'ዶ ኣይግብኦን?' ኢና ኢልና" ይብል።
ስድራ ኪም፡ እታ ሃገር ካብ እትምስረት ካብ 1948 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ'ዩ ነታ ሃገር መሪሑ።
ዜጋታት እታ ሃገር ደም እዚ ስድራቤት ቅዱስ'ዩ ተባሂሉ'ዩ ዝንገሮም።
መብጽዓ
እዚ ሓድሽ መራሒ ብ2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘስምዖ ዘረባ ሰሜን ኮርያውያን "ዳግም ዕጣቖም ዘስጥምሉ" ምኽንያት የለን ኢሉ ተዛሪቡ።
በዚ፡ እታ ኣብ 1990ታት ምኽንያት ሞት ኣማኢት ኣሽሓት ዝኾነ ሓያል ጥምየት ተጠቒዓ ዝነበረት ሃገር እዚ ሓድሽ መራሒ ዜጋታት ዘጋጥሞም ሕጽረት መግብን መከራን ከብቅዕ ክገብር'ዩ ኢሎም ሓሲቦም።
እዚ ኽኣ ዓብዪ ነገር ነይሩ።

ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ተወሳኺ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ከመቻችኡ መምርሒ ተዋሂቡዎም። እማን ክኣ ገለ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሰባት ለውጢ ክርእዩ ጀሚሮም።
መራሒ መኪና ዮ ሲኦንግ-ጁ ኣብ ሱፐር ማርኬታት ሰሜን ኮርያ ገለ ቅድሚኡ ዘይነበሩ ነገራት ምርኣዩ ይዛረብ።
"ንዓና ክሳብ ዝደንቀናን እንሕበነሉን ናይ መግቢ ፍርያትና ብጣዕሚ፣ ምዕሻግን ቐረብን ካብ ቻይና ዝሓሸ'ዩ" ኢሉ።
ስጉምታት ምጽፋፍ
ሰናይ ተምኒታት ኪም ጆንግ-ኡን ነቶም ከም ስግኣት ዝርእዮም ዝነበሩ ሰባት ትርጉም ኣይነበሮምን።
ብፍላይ ኣኩኡ ጃንግ ሶንግ-ታክ ሓያል ኔትዎርክ መላፍንቲ ዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ኣብ ጥቃ ዶብ ቻይና ዝነበረ ነጋዳይ ቾይ ና-ራ ጃንግ ሓድሽ መራሒ ሰሜን ኮርያ ግዲ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ፈጢሩሉ።
"መብዛሕትና ሃገርና ምስ ቻይና ዝምድና ክትጅምር እሞ ብነጻነት ናብ ወጻኢ ክንቀሳቐስ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና" ይብል።
"ሶንግ-ታክ ስልጣን እንተሒዙ ንሰሜን ኮርያ ብዙሕ ቑጠባዊ ለውጢ ከምጽኣላ እዩ ኢልና። እዚ ዓው ኢልና እንዛረቦ እኳ እንተዘይኮነ ከምዚ ዓይነት ተጽቢት ግን ነይሩና" ኢሉ።
ግንከ፡ ከምዚ ዓይነት ጽንጽንታ ቐልጢፉ ክቑጸ ኣለዎ።
ስለ ዝኾነ ድማ ሶንግ-ታክ ካብ ከልቢ ዝኸፍአ" ከምኡ'ውን "ናይ ሰብ ሓተላ" ተባሂሉ ሽሙ ምስ ጸለመ "ኣሃዳዊ መሪሕነት ሰልፊ" ኣናኢሱ ብዝብል ክሲ ተቐቲሉ።
ድሮ እቲ መንእሰይ መራሒ ጨካን ምዃኑ ከርኢ ጀሚሩ።
ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሓት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ደቡብ ኮርያ ብምህዳም ዕቑባ ክሓቱ ጀሚሮም። ንሱ ክኣ እዚ ጠጠው ከብሎ ወሲኑ።
ኣብ ዶብ ዝግበር ሓለዋ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣቐን በርትዐ። እቲ ዶብ ብመጻወድያ ሽቦ ሓጹር ግጥም ኣቢሉ ለኮቶ።
ደላሊ ዝነበረ ሃ ጂን-ው ካብቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ክወጽኡ ዝኽኣሉ 100 ሰባት እዩ።

"እታ ሃገር ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ኣለዋ። ክወጽእ ዝፈተነ ተኲስኹም ቅተሉ'ዮም ዝብሃሉ። ነዚ ክኣ ሓላፍነት ኣይወስድሉን" ይብል።
ወሲኹ "መጀመርታ ፈሪሐ ነይረ፤ ንኡሽቶ'ውን ስለ ዝነበርኩ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ሕቶታት ነይሩኒ። መሰልን ናጽነትን ዘይብሉ ትሕቲ እንስሳ ዝኾነ ህይወት ንምንባር ስለ ምንታይ'የ ኣብዚ ተወሊደ? ዝብል ሕቶታት ስለ ዝነበረኒ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣእቲየ ክውስን ነይሩኑ' ኢሉ።
ዕድል ገይሩ ግን ካብታ ሃገር ወጺኡ። እንተኾነ ኣዲኡ ተኣሲራ፤ ብሰንኪ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበጽሓ ጨካን ኣተሓሕዛ ክኣ ሽባ ኮይና።
በዚ ጂን-ው፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ድምጺ ወላዲቱ ናብ ኣእምርኡ ስለ ዝቕልቀሎ ይሓዝን።
ህቡብነት
ኪም ጆንግ-ኡን፡ ብሓደ ሸነኽ ንተቓወምቱን ነቲ ስርዓት ክሒዶም ዝወጽኡን ሰባት ክሃድን እንከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ካብ ኣቡኡ ንላዕሊ ዘመናውን ሕውስውስ በሃልን መሲሉ ይቐርብ ነበረ።
ዘመናዊት ንእትብሃል መንእሰይ ሪ ሶል-ጁ ክኣ ተመርዓወ። ናብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን ሃገሩ ኣብ ዝገብሮ ምብጻሕ ምስ ሰባት እናተሓቛቖፈ፣ ሰላምታ እናሃበን እናስሓቐን ስእሊታት ይስኣል።
ሰባት ኣብ ዝዘናግዑሎም ካብ ሓጺን ዝተሰርሑ መዛግዒ ቦታታት ብምጽዋት፣ ኣብ በረድ ብምንሽርታት፣ ፈረስ ብምግላብ ምቅሉል ምዃኑ ኣርኣየ።
ምስ በዓልቲ ቤቱ ድማ ኣብ ፋብሪካታት መመላኽዒታት ዑደት ብምግባር ኣዝዮም ዘመነዎት ዝበሃሉ ምህርታት ንህዝቦም ኣርኣዩ።
እንተኾነ "ዘመናዊ" ምምሳል ንተራ ሰሜን ኮርያውያን ዳርጋ ነውሪ ነበረ።
ዮን ሚ-ሶ ክኣ ካብ ደቡብ ኮርያ ብሕቡእ ዝኣተው ዲቪዲታት ዝርኣየቶም ነገራት ክትገብር ድልየት ሓዲሩዋ። ሽቛር፣ ሃብል ክሳድን ጅንስን ስረን ክትገብር ደልያ።
"ሓደ መዓልቲ ተታሒዘ፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብዙሓት ሰባት ክሳብ ዝበኪ ድሂሎምኒ። 'ኣይትሓፍርን?' ኢሎምኒ" ትብል።
ስነ ጥበባዊት ዩን-ያንግ ልክዕ ከም በዓልቲ ቤት ኪም ጆንግ-ኡን መንእሰይ እያ። ኩሎም ደርፍታታ ግን ነቲ መራሕቲ ዘሞግሱ ክኾኑ ኣለዎም ተባሂላ። ነዚ ክትቃወሞ ምስ ፈተነት ተኣሲራ።
"ድሕሪኡ እቲ ኣነ ዝደልዮ ብናጽነት ክሰርሕ ኣይተፈቕደለይን። መንግስቲ ናይ ወጻኢ ጽልዋ ስለ ዝሰግእ ነቲ ኢንዳስትሪ ይቆጻጸሮ'ዩ። ኣነ'ውን ብዙሕ ተሳቕየ'የ" ኢላ።
ከም ጸብጻብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ደቡብ ኮርያ ዝመጽኡ ቪድዮታት ብምዝርግሖምን ብምርኣዮምን ኣስታት ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም።
ኪም ጆንግ-ኡን ነቶም ናይ ወጻኢ ጽልዋታት "ሓደገኛ መንሽሮ" ክብል'ዩ ዝገልጾም።
ሚሳይል
ሰሜን ኮርያ ባላስቲክ ሚሳይል ብዝተኮሰት ቑጽሪ ርእሰ ዜና ማዕኸናት ሓበሬታ ዓለም እያ ትኸውን፤ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ግን ክንድ'ቲ መንግስቲ ዝሓስቦ ሃገራዊ ኩርዓት ከዕቢ ኣይክኣለን።
ሓደ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ዝወጽአ ዜጋ "ሕጂ'ውን ብደምን ረሃጽን ሰባት ኣጽዋር የማዕብሉ ኣለው'ዮም ዝብሉ" ኢሉ።
ካልእ ድማ "ንሕና ግን ከም ዓወት ኣይንቖጽሮን። ነዝስ እዚ ኹላይ ገንዘብ ኣውጺኦም ኢና ንብል። ኩሉ ንዕኦም እንኸፍሎ ገንዘብ ነዚ የውዕሉዎ ኣለው ንብል" ይብል።

ኣብ 2016 ዓ.ም፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ካብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ምስሓብ ወጻእ ዝኾነ ካልእ ዕማም ተዋህቦ።
ኣምባሳደር ርዩ "ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ኒኩለር ንምንታይ የድልያ ዝብል ከነረድእን መርትዖታት ከነቕርብን ተነጊሩና" ኢሉ።
ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ እዚ ምዝራቦም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዓለም ከም ቅቡል ተገይሩ ክውሰድ'ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩዎ።
ግን ከምኡ ኣይኮነን።
ኣብ ሞንጎ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ-ኡንን ዝነበረ ብዲፕሎማሲያዊ ምርኢት ተኸንቢቱ'ዩ።

ይኹን'ምበር እታ ሃገር ኣጽዋር ኒኩሌር ምምዕባል ጠጠው ከተብል ብዝብል ዝተነብረላ እገዳታት ክጸንዑ'ዩ ተራእዩ።
"እዚ ንህላወ እቲ ስርዓት ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ሰሜን ኮርያ ጠጠው ኣይተብልን" ይብል እቲ ኣምባሳደር።
ቅልውላው ኮቪድ
እዚ ዓለማዊ ለበዳ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ንጎረቤታ ቻይና ክወራ እንከሎ፡ ሰሜን ኮርያ ዶባታ ዓጽያ። ንሰባት ጥራይ ዘይኮነ ኮላይ ንንግዲ።
ኣብ መእተዊ በሪ ዳንጎንግ ዝበጽሑ መግብን መድሃኒታትን መእተዊ ስኢኖም። ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ንግዲ እታ ሃገር ካብ ቻይና ዝመጽእ'ዩ።
ኣብ ሰሜን ኮርያ መራሒ መኪና ዝነበረ ጁ ሴንግ "ኮቪድ ካብ ዝመጽእ ንድሓር ብዙሕ ነገር ተቐይሩ" ይብል። እቲ ዶባት ካብ ዝዕጾ ንድሓር ምስ ኣዲኡ ብዙሕ ኣይተራኸበን።
"እቲ ኢኮኖሚ የንቆልቁል ኣሎ፤ ዋጋታት ከቢሩ። ናብራ ኣጸጋሚ ኮይኑ፤ ስድራይ መግቢ ዝረኽቡ ይመስለኒ ግን ክቡር'ዩ። የጨንቐኒ'ዩ" ኢሉ።
ገለ ብጥምየት ከም ዝተጠቕዑ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው።
ኪም ጆንግ-ኡን እናነብዐ ኣብ ዘስምዖ ሓደ ዘረባ "ዓብዪ ቅልውላው'ዩ" ክብል ገሊጹዎ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ዶክተር ዝነበረ ኪም ሳንግ-ሂ መብዛሕትኡ መድሃኒት ብጸሊም ዕዳጋ ተዓዲጉ ከም ዝኣቱ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ሰሜን ኮርያ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእሉ እታወታት ስለ ዘይብላ ብምክንያት እዚ ቫይረስ ዝስዕብ ዘሎ ሞት ኣይፍለጥን።
ገለ ካብቶም ርኢይቶ ዝሃቡ ሰባት ብህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣዝዮም ስምዒታዊ ኮይኖም ነይሮም።
ዕልዋ መንግስቲ ክህሉ'ዩ ዝብል ግምት'ኳ እንተነበሮም ዋላ ሓደ ምልክት ብዘይምርኣዩ ርሑቕ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ኩሎም እዚ ስርዓት ክገጥሙዎ'ዮም ዝተባህሉ ግምትታእ ፈሪሶም።

ሕጂ'ውን እታ ንልዕሊ 70 ዓመታት ካብ ዓለም ተቖራሪጻ ዘላ ሃገር ዶባታ ክትኸፍትን ሰባት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ከተፍቅድን ትጽቢት ይገብሩ።
መብዛሐትኦም ድማ ብውሑድ ስድራቤቶም ክርእዩ ይደልዩ።
ኣብ ትሕቲ 10 ዓመታት መሪሕነት ጆንግ-ኡን እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ኮይና ዓሰርታት ሚሳይላት እንተሃለዎ'ውን ህዝቡ ግን ይጠምዩ'ዮም ዘለው።

ኩሎም ነዚ ዛንታ ቃለ መጠይቕ ዝሃቡ ሰባት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእቲዮም ካብ ሰሜን ኮርያ ብምውጻእ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተዓቖቡ ኮይኖም ገሊኦም ኣብ ኣመሪካ ይርከቡ። ድሕነት ኣብታ ሃገር ዘለው ኣባላት ስድራቤቶም ንምሕላው ድማ ናይ ገሊኦም ሽም ተቐይሩ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







