ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን ንመዝነቱ ዘጽንዕ ታሪኻዊ ውሳነ ኣሕሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰልፊ ኮሚዩኒስት ቻይና ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ እታ ሃገር ንመዝነት ፕረዚደንት ዢጂንፒን ዘጽንዕ "ታሪኻዊ ውሳነ" ኣሕሊፉ።
እቲ ሰነድ ጽማቝ ታሪኽ 100 ዓመታት እቲ ሰልፊ ዘዘንቱ ኮይኑ፡ ንቀንዲ ዓወታትን ናይ መጻኢ ኣንፈትን ኣቐሚጡ ኣሎ።
እቲ ሰልፊ ካብ ዝምስረት፡ ንሳልሳይ ግዜ'ዩ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክሓልፍ። እቲ ቀዳማይ ኣብ 1945 ብማኦ ዘዶንግ ዝሓለፈ ኮይኑ ብድሕሪኡ ኣብ 1981 ብደንግ ሲያኦፒንግ እዩ ነይሩ።
እቲ ውሳነ ኣብቲ ኣብ ቻይና ኣዝዩ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ኣኼባ ምዃኑ ዝግለጽ ሻዱሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ እዩ ሓሊፉ።
ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ዘሕለፈ ሳልሳይ መራሒ ቻይና ብምዃኑ፡ ምስ መስራቲ እቲ ሰልፊ ማኦ ዘዶንግን ንዕኡ ስዒቡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ደንግ ሲያኦፒንግን ዘመዓራርዮ ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ላዕለዋይ በዓልስልጣን እቲ ሰልፊ ኩ ኲንግሻን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "[እዚ ውሳነ] ልክእ ከም'ቶም ዝሓለፉ ክልተ ውሳነታት፡ ነቲ ክልሰ ሓሳብ፡ ፍቓድን ተግባራትን እቲ ውድብ ኣብ ምስማር ኣገዳሲ ግደ ክህልዎ እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ዓቢይ ሕልሚ ምዅላዕ ቻይና ክውን ኣብ ምግባር ጠቓሚ እዩ" ኢሉ።
እቲ ሰልፊ ኣቐዲሙ፡ ቻይና ኣብ 2021 ማእከላይ ሃብቲ ካብ ዘለወን ሃገራት ክትኸውን እያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ 2049 ምሉእ ብምሉእ ዝማዕበለት፡ ሃብታምን ሓያልን ሃገር ክትኸውን እያ ዝብሉ ክልተ ናይ ዝኽረ ዘመን ሸቶታት ኣቐሚጡ ነይሩ።
ገለ ተዓዘብቲ እዚ ሓድሽ ውሳነ ዢ ጂንፒን ነቲ ብዝቐደሙ መራሕቲ ተጀሚሩ ዝጸንሐ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዘይምእኩል ኣካይዳ ንድሕሪት ዝቕልብስ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልትታት ብድሕሪ ዕጽው ማዕጾ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ልዕሊ 370 ኣባላት
ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ሰልፊ ተሳቲፎም።
እዚ ቀቅድሚ እቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድን ፕረዚደንት ዢ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉን ሃገራዊ ጉባኤ እዩ ተኻዪዱ።
ኣብ 2018 ቻይና ነቲ ፕረዚደንት ንኽለተ እብረ ጥራይ ከገልግል ዝድርት ሕጊ ብምስራዝ፡ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘፍቅድ ሕጊ ኣጽዲቓ እያ።
እቲ ውሳነ ንምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ብቐንዱ ንስልጣን ፕረዚደንተ ዢ ዘጽንዕ ምዃኑ ተንተንቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣዳም ኒ ኤዲተር ናይታ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ቻይና እትዳሎ ዜናዊመጽሄት ቻይና ኔይካን ኮይኑ "ኣብ ጥርዚ ሃገራዊ ጉዕዞ ቻይና፡ ንርእሱ ከም ጅግና ንምርኣይ እዩ ዝፍትን ዘሎ" ይብል።
ንሱ ወሲኹ፡ "ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ናይቲ ዓቢይ ትረኻ ናይቲ ውድብን ዘመናዊት ቻይናን ዘቐምጥ ታሪኻዊ ውሳነ ብምሕላፍ፡ ዢ ሓይሉ እዩ ዘርእይ ዘሎ። እንተኾነ ግና እቲ ሰነድ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ'ውን ዝሕግዞ መሳርሒ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርስቲ ሲንጋፖር ዝምህር ዶክተር ቾንግ ጃ ጃን ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ንፕረዚደንት ዢ ካብቶም ዝቐደሙ መራሕቲ ዝፈልይ ምዃኑ ይገልጽ።
"ሁ ጂነታኦን ዥያንግ ዘሚንን [ዝቐደሙ መራሕቲ] ከምዚ ናይ ዢ ጽኑዕ ስልጣን ኣይነበሮምን። እንተኾነ ግና ነዚ ዝመሳሰል ዕድላት እንተዝገጥሞም ከምዚ ናይ ምግባር ድሌት እንተነይሩዎም ኣይፍለጥን" ኢሉ።
ነቶም ዝቐደሙ ውሳነታት ዘሕለፉ ዴንግ ማኦን፡ ነቲ ምስ ሕሉፍ ንዝነበሮም ርክብ ንምስባር እዮም ተጠቂሞምሉ።
እቲ ቀዳማይ ውሳነ ኣብ 1945 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰልፊ ጉባኤ ዝሓለፈ ክኸውን እንከሎ፤ ማኦ ስልጣኑ ከደልድልን ኣብ 1949 ንህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ክእውጅን ምሉእ ስልጣን ሂብዎ እዩ።
ኣብ 1978 ስልጣን ዝሓዘ ደንግ ሲያኦፒንግ ኣብ 1981 ነቲ ካልኣይ ውሳነ ብምሕላፍ፡ ኣብ እዋን ማሕበራዊ ሰውራ ካብ 1966 ክሳዕ 1976 ሞት ሚልዮናት ሰባት ከም ዝሰዓበ ብምግላጽ "ንጌጋታት" ማኦ ነቒፉ።
ደንግ ንቑጠባዊ ዕረያ ቻይና'ውን መሰረት ኣንጺፉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







