ኲናት የመን፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ዕንወት ኣውሪዱ

ቦታ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, MAREB PRESS

ኣብ የመን ኣብ ሓደ እስላማዊ ቤት ትምህርትን መስጊድን ዕጡቓት ሑቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ባላስቲክ ሚሳይል ብውሕዱ 29 ሰባት ከምዝሞቱ ወይ ከምዝቖሰሉ መንግስቲ ገሊጹ፡፡

በቲ ብሰንበት ኣብ ግዝኣት ማሪብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከቡዎም ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም ኣሎ፡፡

እቶም ግዳያት ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሎም ኣብ መዕቆቢ ኣዕቂሎም ዝነበሩ እዮም፡፡

ንግዝኣት ማሪብ ንምቁጽጻር ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ወፍሪ ዝጀመሩ ዕጡቓት ሑቲ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ፈጺሞምዎ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዝሃብዎ መግለጺ የለን፡፡

እታ ብሃብቲ ነዳዲ ትፍለጥ ዞባ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል የመን ናይ መወዳእታ መንግስቲ ዝቆጻጸራ ዞባ እያ፡፡

በቲ ሽዱሽተ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት የመን፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት እንትቕተሉ: 20 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኾኑሉ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ቅልውላው ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ፡፡

ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑቲ፡ ስራሓት ኢራን ዝኾኑ ክልተ ባላስቲክ ሚሳይላት ናብ መንበሪ ኣባይቲ ተኲሶም ክብል ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሞኣመር ኣል-ኢርያኒ ኣብ ትዊተር ገሊጹ፡፡

ማሪብ ፕረስ ዝተባህለ ድህረ ገጽ፡ ደም ዝጠልቀየ ምንጻፍን ዝተቐደዱ መጻሕፍትን ዘርእይ ፎቶ ዝጠቀዐ ኮይኑ ስዑዳዊት መደበር ቴሌቪዥን ኣል-ዓረብያ ድማ ካብቶም ዝፈራረሱ ህንጻታት ናይ 39 ሰባት ኣስከሬን ተፋሒሩ ከምዝወጸ ኣፍሊጣ፡፡ እንተኾነ መንግስቲ መረጋገጺ ኣይሃበን፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለት ብስቕታ ምሕላፉ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ሓበሬታ የመን፡ መራሕቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ‘‘ብገበን ኲናት’’ ክሕተቱ ጸዊዑ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሚሳይል ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡

ብተወሳኺ ብቐዳም እቶም ዕጡቓት ኣብ ደቡባዊት ከተማ ታይዝ ብዘካየድዎ ደብዳብ ኣባላት ሓደ ስድራ ዝኾኑ ሰለስተ ህጻነት ተቐቲሎም፡፡

ጎንጺ የመን ኣብ 2015 ዕጡቓት ሑቲ ንኣብዝሓ ምዕራባዊ ግዝኣት እታ ሃገር ብምቁጽጻር መራሒ እታ ሃገር ናብ ወጻኢ ክሃድም ድሕሪ ምግባሮምን ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ጣልቃ ምስኣተወን እዩ ተባሪዑ፡፡