ግጭት የመን፡ ብሪጣንያ እቲ ንየመን እትህቦ ዝነበረት ሓገዝ ኣጉዲላቶ

ምምዝባል የመን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነታ ብኵናት እትሕመስ ዘላ የመን እትህቦ ዝነበረት ሰብኣዊ ሓገዛት ስለዘጉደለቶ ካብ ኣባላት ፓርላማ ተቓውሞ ኣጋጢሙዋ።

ለብዘበን ካብቲ ኣብ ዓመተ 2019-2020 ዝሃበቶ 164 ሚልዮን ፓውንድ ዳርጋ ብፍርቂ ብምጕዳል 87 ሚልዮን ፓውንድ ጥራሕ ክትህብ እያ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዶሚኒካ ራይብ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ዓባይ ብሪጣንያ እትህቦ ደገፍ ን240,000 ህጻናት ከም ዝምግብን ንሚልዮናት ካልኦት ጽሩይ ማይ ንኽረኽቡ ከምዝሕግዝን ገሊጹ ።

ሓደ ሚኒስተር ነበር ግን፡ እቲ ሕጂ ንየመን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ጸበባን እንህቦ ዘሎና ደገፍን ንመንነትና ዘይገልጽ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ የመን ንዓሰርተ ዓመት ብዝቐጸለ ግጭት፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባትን (ክልተ ሲሶ ህዝቢ እታ ሃገር) ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም። ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሕጻናት ከኣ ብሕጽረት ምግቢ ብዓጸባ ይሳቐዩ ኣለው።እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩነታት ከኣ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ተባሂሉ ።

ኣብ ዓመተ 2020-2021፡ ብሪጣንያ፡ 214 ሚልዮን ፓውንድ ንየመን ሰብኣዊ ሓገዝ ሂባ ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝድገፍ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ናይ 164 ሚልዮን ፓውንድ ከምኡውን ናይ 50 ሚልዮን ፓውንድ ተወሳኺ ወጻኢታት ዘጠቓለለ እዩ ።

እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ሓገዝ ዓመተ 2021-2022 ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝቕባበ፡ ወለንተኛታት ለገስቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝምወለኦ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝንክየኦ እዩ ዝንገር ዘሎ ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ 2021-2022፡ ሕቡራት ሃገራት ንኣህጉራዊ ሓገዝ ዝስልዖ ባጀት ብኣስታት 4 ቢልዮን ፓውንድ ክንክዮ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ንግብረ ሰናይ ዝወሃብ ሓገዝ ብ 0.7% ክንኪ እዩ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ፋይናንሲያዊ ወጥሩ እቲ ንረድኤት ዝወሃብ ሓገዝ ክንኪ ግድን እዩ - ስለዚ ከኣ እዩ እቲ ምርጫ ከቢድ ዝኸውን ኢሉ።

'ኣጸጋሚ ኵነታት"

ሚንስትራት እንግሊዝ፡ ኩናት የመን ካብ ዝጅመር፡ ዓባይ ብሪጣንያ 1ቢልዮን ፓውንድ ረድኤት ብምሃባ "ክትሕበን" ትኽእል እያ ኢሎም ።

ኣብዚ ከቢድ ቁጠባዊ ኵነታት ብሪጣንያ ከም ኣብ ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት "እጃምና ንገብር ኣለና" ኢሉ ሚስተር ራብ። ቅድሚኡ ብልግሲ ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ሓምሻይ ደረጃ ኢና ንስራዕ ኔርና ኢሉ።

እቲ ለብዘበን እንህቦ 87 ሚልዮን ፓውንድ መብጽዓ ከኣ ን240,000 የመናውያን ወርሓዊ ክምግብን፡ ን400 ክሊኒካት ጥዕና ክድግፍን ፡ ን1.6 ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ጽሩይ ማይ ክህብን እዩ ኢሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ነተን ዝደኸያ ስድራ ቤታት መግቢን ካልእ ኣገዳሲ ስንቂ ንምዕዳግ 1.5 ሚልዮን ፓውንድ ተወሳኺ ሓገዝ ክወሃበን እዩ። እንተዀነ ግን፡ ጸሓፊ ሰልፊ ዕዮ ኣህጉራዊ ምዕባለ ሚስተር ፕሪ ካውር ጊል ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሰደቶ ረድኤት ናይ ምጉዳል ስጕምቲ ነቒፉዎ።