መስከረም ሚስ፡ ዓቢ ዝና ዘጥረየት ኢትዮጵያ ዝሞበቘላ በልጅያዊት ሙዚቀኛ

ምንጪ ስእሊ, Meskerem Mees
ብጊታር እናተጻወተት ክትደርፍ ንዝሰምዐ ሰብ እቲ ተሞኵሮ ዓቢ ጦብላሕታ’ዩ ዜሕድር። ብሉጽ ናይ ፈረንጂ ምርኢት’ያ እተቕርብ። ቅዲ ኣጻውታኣ ኣዝዩ ምዕቡል’ዩ፡ ድምጻ ምቁርን ምኡዝን፣ ኣቕዋማን ኣቀራርብኣን ድማ ካብ ልቢ ዝመንጨዉ ስለ ዝዀነ።
ሃየስቲ-ሙዚቃ ከም ዝብልዎ እዛ መንእሰይ’ዚኣ ብሩህ ዕድል ከም ዘሎዋን እቲ እተማዕብሎ ዘላ ጥበብ ድማ መዘና በዓል ጆኒ ሚቸል ከይገበራ ኣይተርፍን። ንምዃኑ ጆኒ ሚቸል ብሰብዓታት ሓንቲ ካብ’ቶም ዓበይቲ ብልጫታት ዝተዓደለትን ኣብ ልዕሊ ናታ ወለዶ ድማ ብሙዚቓኣ ኣቢላ ዓቢ ጽልዋ ዘሕደረትን ፍሉይ ቅድን ስምዒትን ዕዙዝነት-ሙዚቃ ዝለገሰት ክኢላ ኣኣንጋዲትን ኣዛናዪትን’ያ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ብራሰልስ (ሃገረ በልጅዩም) ዝተኻየደ ‘ሮክ ራሊ’ ዝበሃል ናይ ሙዚቃ ዓመታዊ ውድድር እዛ መንእሰይ ጓል 21 ዓመት ብምስዓራ ኣብቲ ሃገር ሓዳስ ኮኾብ በሪቓ ክበሃል ይከኣል።
እንታይ’ሞ ኮሮና ንብዙሕ ነገራት ስለ ዝሓላለኸ ኣብቲ ጽንብል ሒደት ኣዕሩኽታን መሓዙታን ቤተሰባን ፈራዶን ጋዜጠኛታትን ጥራይ’ዮም ክርከቡ ዝኸኣሉ፣ እቲ ጽንብል ግን ንዓኣ ኣኺሉ ተሪፉዋ። ኣይጸንሐትን፡ ብሃንደበት ዓቢ ቆላሕቶ ሚድያን ህዝብን ስለ ዘርከባ ኸኣ ኣብ ዘይትፈልጦ ዓለም ሰብ-ዝና ተሸሚማ ትርከብ።
ስማ መስከረም ሚስ (Meskerem Mees) ትበሃል፣ ትርኢታን ደማን ከኣ ካብ ዞባና ዝበቘለት ትመስል።
ንመስከረም ብናታ ወኪል ኣቢልና ደሊና ክንረኽባ ብምኽኣልና ሓጺር ቃለ-መጠይቕ ከነግብራ ክኢልና ኣሎና። ጽማቝ ድማ እንሆ።
መስከረም ሚስ መንያ?
“መቦቖለይ ካብ ኢትዮጵያ’ዩ። ጓል ዓሰርተ ወርሒ ከሎኹ’የ ብበልጃውያን ስድራ-ቤት ንከዕብዩኒ ኣብዚ ሃገር መጺአ” ኢላ ዕላላ ትጅምር። ኣብ መረንድሪ ዝበሃል ቝሸት - ኣብ ጥቓ ገንት ዝበሃል ከተማ (ሰሜን በልጅዩም) - ኢያ ዓብያ፣ ብቋንቋ ዳች ኢያ ኣፍ ከፊታ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ሒዘዮ ዝመጻእኩ ተዘክሮታት ፈጺሙ የብለይን፣ ብቖልዓይ ናብ በልጅዩም ስለ ዝመጻእኩ። ምትእስሳር’ውን የብለይን፣ ዘዕበዩኒ ስድራይ ካብ ሓደ መዕበያ ቘልዑ ተረኪቦም ንከዕብዩኒ ስለ ዝወሰዱኒ” ትብል። ኣይኰነንዶ ገለ ምትእስሳር፡ ስም ኢትዮጵያውያን ወላዳ’ውን ከም ዘይትፈልጦ ሓቢራትና።
“ካበየናይ ክፋል ኢትዮጵያ ኮን ትዀኒ?” ንዚብል ሕቶና ድማ “እቲ መዕበያ ቘላዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንባሩ ስድራይ ነጊሮምኒ” ብምባል መልሲ ሃበትሉ።
እቲ ዕላል ብቋንቋ እንግሊዝ’ዩ ተኻዪዱ። መስከረም ብናይ ዜማ ምድራስን ሙዚቃ ምጽዋትን ጥራይ ኣይኰነትን ተዓዲላ፣ ናይ ቋንቋ ፍሉይ ተውህቦ ዘሎዋ መንእሰይ’ያ - እንግሊዘኛ፡ ዳች (ቋንቋ ሆላንድ/ሰሜን በልጅዩም)፡ ፈረንሳኛ እናተገላበጠት እትጥቀመሎም ኰይኖም ገለ ካብ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ግን ኣይኰነንዶ ክትዛረብ ከም ዘይርድኣ ትናዘዝ።
“መስከረም ማለትከ ትፈልጥዮ’ዶ?” ንዝብል ሕቶና ግን ብ”እወ” ትምልሰልና። ኣደማምጻ ስማ ግን ፍልይ ይብል - መስ’ክረም (ኣብ ክንዲ መስከ’ረም)፣ እቲ ዘዕበያ ቋንቋ ንመልሓሳ ስለ ዝስዕሮ።
መስከረም ምስ ጎበዘት ምስ ትውልዲ ሃገራ ብኣካል ንከትፋለጥ ስድራኣ ንኢትዮጵያ ሒዞምዋ ተጓዕዙ። “ኣዝየ ፈትየዮ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ዝረኣኹዎም ኣታኽልትን እቲ ህንጻ ንባዕሉን ኣጸቢቑ ይዝከረኒ” እናበለት ተዕልል። ሽዑ ጓል ዓሰርተ-ሰለስተ ዓመት’ያ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Meskerem Mees
“ንኢትዮጵያ ዝበጻሕኩሉ እዋን ከም ቱሪስት ኰይነ ስለ ዝበጻሕኩ ናይ ቱሪስት ተሞኵሮ ሒዘ’የ ተመሊሰ ... ሽዑ ሓደ ጽኑዕ ምትእስሳር ክፈጥር ኣይከኣልኩን፣ እቲ ሕያውነትን ልግስን ኣከባኽባ-ጋሻን ኢትዮጵያውያን ግን ብቐረባ ክርእዮ ክኢለ” ትብል መስከረም።
ሙዚቃ መስከረም
እዚ ዘጥረኽዮ ዓቕሚ ሙዚቃ ካበይ መጺኡ ንዚብል ሕቶ’ውን እንተ ዀነ ብ‘ካብዝን ካብትን’ ዘኻዕበቱዎ’ዩ ብምባል ንጹር መልሲ ኣይሃበትሉን። ርግጽ’ዩ፡ ፈለማ ጊታር ምውቃዕ ዝጀመረትሉ እዋን ብክላሲካዊ ሙዚቃ - ናይ በዓል ቤቶቨን፡ ባኽ፡ ሞዛርት - ኢያ ሰልጢና። ንዕኡ መሰረት ብምግባር ከኣ’ያ ኣብ ናይ ባዕላ ቅዲ ዝኣተወት።
ዋላ’ኳ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ኸላ ክላሲካዊ ሙዚቃ እንተ ተማህረት እቲ ኣብ ሓንጎላ ጐሊሑ ዝዕብልል ዓይነት ሙዚቃ እቲ ኣቦኣ ዝሰምዖ ዝነበረ ሸኽላታት (ዲስኮ) ከይኰነ ኣይተርፍን ትብል። “ኣቦይ ባህላዊ ሙዚቃ ኣሜሪካ - ናይ 40’ታትን 50’ታትን ... ከምኡ’ውን ናይቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ወለዶ - ከም በዓል ቦብ ዲላን፡ ዉዲ ጋትሪ ዘኣመሰሉ - እናሰማዕኩ’የ ዓብየ” ትብል፣ ኣብ ቃልስን ፍትሕን ዜድሃበ ሙዚቃ። “ምናልባሽ እቲ ዓይነት ሙዚቃ ኣባይ ጽልዋ ገዲፉ’ዩ እብል” ትብል መስከረም።
“ንዓኺ ሙዚቃ ክትጻወቲ ምስማዕ ፍሉይ ስምዒታት ይፈጥር’ዩ’ሞ ቅዲ ሙዚቃኽን ኣቀራርብኻን ክትገልጽልና’ዶ ምኸኣልኪ?” ንዚብል ሕቶ ሰጋእ ከይበለት መልሲ ሂባትሉ።
“ከም ዝመስለኒ ቅዲ-ሙዚቃይ ካብ በብዓይነቲ ዝምንጩ ሙዚቃ’ዩ ክብል እኽእል” ኢላ ትገልጾ።
“ሙዚቃ ክጻወት ኣብ ካልእ ዓለም’የ ዝኣቱ፣ እቲ ኣብ ዉሽጠይ ዘሎ ስምዒት ከም ዘሎዎ ክወጽኣ ኣሎዎ ኢለ ስለ ዝኣምን ምስ ሕልናይ ብቅንዕና ኣብ ዝርርብ ንክኣቱ እግደድ። ከም ሰብ ባህሪየይ ጥውይውይ ዘይብሉ፡ ኣብ ሓሳበይ ዝመጽእ ሓሳባት ቅኑዕ ኰይኑ እንተድኣ ረኺበዮ ሚእቲ-ብሚእቲ ብኣትኵሮ ብምሓዝን ምክንኻንን ኣብ ናተይ ዓለም’የ ዝጥሕል ... ምናልባሽ ፍልይ ዝበለ ርእየት-ዓለም ይስዕረኒ’ዩ ክብል እኽእል” ትብል።
ክብ ዝበለ ፍልጠት ሙዚቃ ዘሎዎም ሰባት ብዓቕሚ መስከረም ኣድናቖቶም ይገልጹ’ዮም፣ ብድምጻ ዀነ ቅዲ ኣዋቕዓ ጊታራ።

ምንጪ ስእሊ, Meskerem Mees
መስከረም ኣብ ምህዞኣዊ ህርኵትና ስለ ዘላ ኣብ ናታ ዓለም’ያ ትነብር ጥራይ ዘይኰንትስ ትሕልንተኛ’ያ ክበሃል ይከኣል። “ንነብስኺ ከም ትሕልንተኛ (idealist) ጌርኪ’ዶ ትርእይያ?” ንዝብል ሕቶ፡ “እንድዒ፡ እቲ ቓል ዓቢ ቓል’ዩ፣ ንሓንቲ ጓል 21 ዓመት፡ ጌና ሕጂ ኣብ ዓለም ሃሰው ክትብል ዝጀመረት ሰብ በቲ ጠመተ’ቲ ዲኺ ንዓለም ትርእይያ ኢልካ ምሕታት ክብድ ይብል” ብምባል ትስሕቕ።
“ንመጀመርታ እዋን ካብ ቤተይ ወጺኣ ብነብሰይ ኣብ ዓቢ ከተማ (ገንት) እነብር ኣሎኹ፣ ናጽነተይ አስተማቕሮ ኣሎኹ፣ ብሕጂ ጌና መቐረት ዓለም ንከስተማቕሮ ይጽበየኒ ኣሎ እብል” ኢላ ወሰኸትሉ። “ምሳኻ ብሓሳብን (ፍልስፍናን) ዝሰማማዕ ምርካብ፡ ዓለምካ ምስ ዓለም ካልኦት ከመይ ኢሉ ከም ዝሳነ ዘኣመሰሉ ነገራት የሕስቡኒ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺእካ ምርኢት ምክያድ፡ ምስ በብዓይነቶም ናይ ሚድያ ሰባት ተራኺብካ ቃለ-መጠይቓት ምሃብ ... ብቐሊሉ ኣይርእዮምን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሙዚቃይ ካብ’ዝን ወድ’ዝን’ዩ ዝመጽእ - ካብ’ቶም ኣብ ህይወተይ ዘጓንፉኒ ዕግንግናት’ዩ ዝፍጠር ዝብል እምነት ኣሎኒ” ኢላ ትገልጾ።
“ኣብ ሶሻል-ሚድያ ብኣኺ እኹል ሓበሬታ ክንረክብ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት እንታይ ኰን ይኸውን?” ንዚብል ሕቶ “ኣነ ናይ ሶሻል-ሚድያ ሰብ ኣይኰንኩን፣ ብብሕቲ ክነብር እመርጽ። ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ግን ብብሕቲ ምንባር፡ እሞ ኸኣ ኣብ ምርኢት ዓለም ንዝሳተፍ ሰብ፡ ጨሪሱ ኣይከኣልን።
“ስለዚ እዚ ተላባዒ ሕማም ምስ ተኣልየ ዑደት ናይ ምግባር መደብ ኣሎኪ ማለት ድዩ?” ኢልና ምስ ተወከስናያ እወ ዝብል መልሲ ሃበትና። “ምናዳ ኣብ ለንደን ምርኢት ንኸካይድ ኣዝየ’የ ዝብህጎ፣ ምኽንያቱ መብዝሕትኡ ሙዚቓይ ምንጩ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ስለ ዝዀነ” ትብል።
“ሓደ መዓልቲ ብቋንቋ ኢትዮጵያ - ኣምሓርኛ ንኣብነት - ዜማ ትደርስሉ መዓልቲ ይመጽእ’ዶ ይዀውን?” ንዝብል ሕቶ “ይኸብደኒ ኢለ እኣምን ግናኸ ዘፍትነሉ ምኽንያት የለን” ኢላ መልሲ ሂባትሉ።
እቲ ዓይነት ሙዚቃ ምግላጹ ኣሸጋሪ’ዩ፣ ምስምዑ ዝሓሸ’ዩ። ልስሉስ፡ ልዙብ፡ ራሓ ዚህብ ኰይኑ ካብ ጃዝ፡ ባህላዊ፡ ግኑን፡ ክላሲካዊ ዝተዋጽአ ሕዉስዋ ሙዚቃ’ዩ። ዋዕ-ዋዕ ዘይብሉ ብዝሑል ድምጺ ጊታር ደርዲራ፡ ብዉጹእን ንጹህን ድምጻ ኣሰንያ ከተቕርቦ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር።
ኣብ እዋን ኮቪድ መስከረም ዘዳለወታ “ጆ” (Joe) ዘርእስታ ዜማ ኣብ ምሉእ ሃገረ በልጅዩም ቀዳመይቲ ብምውጽኣ ንዝናኣ ክብ ከተብሎ ከኣለት። ምስ ካልኦት ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር ድማ ዝተፈላለዩ ሙከራታት ተካይድ ኣላ። ኣብ ቀረባ እዋን እትሕተም ሸኽላ (ሲዲ) ንምቕራብ ከኣ ምቅርራባት ኣብ ምክያድ ትርከብ።
ዝተፈላለዩ ዜማታት መስከረም (Meskerem Mees) ኣብ ዩትዩብ ተዘርጊሖም ኣሎዉ።
ንመስከረም ሚስ ጽቡቕ ዕድል ከጓንፋ ትምኒትና ብምግላጽ ተሰናቢትናያ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







