ኮሮናቫይረስ፡ 7 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ 'ዱባይ ኤክስፖ 2020' ተኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተናውሐ ዱባይ ኤክስፖ 2020 ተኸፊቱ።
ኣወሃሃድቲ እቲ ኤክስፖ ድሕሪ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ደቂ ሰባት ክፍጠር ትጽቢት ገይሮም ኣለዉ።
እቲ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ ግዝፉ ክንዱ 600 ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ 438 ሄክታር'ዩ ተደኵኑ ዘሎ።
ኣብቲ ኣዝዩ ውቁብ ቦታ፡ ልዕሊ 190 ሃገራት ባህላዊ ምርኢታተን ከቅርባ እየን።
መንግስቲ ዱባይ ንሙሉእ ትሕተ ቅርጺ እቲ ምርኢታትን ንመላእ እቲ 'ዱባይ ኤክስፓን' ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ገይሩ ኣሎ።
እቲ ኤክስፓ፡ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ሚልዮን በጻሕቲ ከእንግድ ኸኣ ብኣግኡ ትጽቢት ተነቢርሉ ኣሎ።
ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ፡ ብሽያጥ መእተዊ ትኬት ከም ዝተሓጎሱ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተነቢሩ ዘሎ ናይ መገሻታት እገዳ፡ እቲ ኤክስፓ ክንድቲ ተገሚትዎ ዘሎ በጻሕቲ ከእንግድ ኣይክእልን እዩ ዝብል ስግኣታት ዘለዎም ተንተንቲ'ውን ኣይተሳኣኑን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኣመነሉ ክታበት ዝተኸተበ ዝኾነ ሰብ ናብ ሃገራ ክኣቱ ኣፍቂዳ ትርከብ።
ናብቲ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ ንምእታው'ውን ዝኾነ ልዕሊ 18 ዕድሚኦም ከም ዝተኸተበ ወይ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃኑ ዝገልጽ ሰነድ ከርኢ ክግደድ እዩ።
እቶም ኣወሃሃድቲ ዝያዳ ንምቅላል ኢሎም ኣብ ኣፍደገ እቲ ምርኢት ዝካየደሉ ትኬት ከም ዝሽየጥን ኮሮናቫይረስ ክምርመር ንዝደሊ ኸኣ መመርመሪ ነቁጣታት ኣዳልዮም ከም ዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ዱባይ ሸኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል መኽቱም ዕዱማትን ውሩያት ድምጻውያንን ኣብ ዝተረኸብሉ ነቲ ምርኢት ትማሊ ሓሙስ ብወግዒ ኸፊትዎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተሓሓዝ ብተደጋጋሚ ሽማ ክልዓልን ክትንቀፍን ይስማዕ'ዩ።
ከም መርኣይኡ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ኤክስፓ ከይሳተፋን፡ ኣብኡ ዝገብርኦ ምወላ ከቋርጻን ምምሕጻኑ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኽሲ ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብምንጻግ፡ 'ኣብ ሓቂ ዘይተሞርኮሰ' ኢልዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







