ጠፊኡ ዝተባህለ ቱርካዊ ምስቶም ዝደልይዎ ዝነበሩ ጉጅለ ብምዃን ንነብሱ ክደልያ ውዒሉ

ኣብ ቱርኪ ብሃንደበት ድሃዩ ዘጥፈአ ውልቀ ሰብ፡ ብኣጋጣሚ ምስቶም ንዕኡ ንምድላይ ዝተዋፈሩ ጉጅል ብምዃን፡ ንዕኡ ይደልዩ ከም ዘለዉ ከይፈለጠ ምስኦም ኮይኑ ንሰዓታት ከም ዝደለየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
እቲ በያን ማቱሉ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምስ የዕሩኹቱ ኮይኑ ብሰሉስ ኣብ ዞባ ቡርሳ ኣብ ዝርከብ ጫካ ኮይኖም ይሰትዩ ነይሮም።
ብሃንደበት ግን ካብ የዕርኹቱ ብኸመይ ከም ዝተፈላለየ ከይተረደኦ፡ ናብቲ ካብቲ ጫካ ዘውጽእ መንገዲ ክምለስ ኣይክኣለን።
ድሃዩ ዝጠፈኦም የዕሩኹቱን ብዓልቲ ቤቱን፡ ናብ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከይዶም ስለ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ክርከበሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ቦታ ዝደልየ ጉጅል ልኢኾም።
ወዲ 50 ዓመት በያን ማቱሉ፡ ብሃንደበት ምስቶም ንዕኡ ዝደልዩ ዝነብሩ ገለ ክፋል ናይቲ ጉጅለ ምስ ተራኸበ፡ ምስኦም ተሓዊሱ 'ነቲ ዝጠፈአ' ሰብ ኣብ ምድላይ ከም ዝተዋፈረ መደበር ተሌቪዥን ኤንቲቪ ሓቢራ።
ድሕሪ ሰዓታት ሓደ ካብቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ሰብ ብዓውታ ስም ናይቲ ዝጠፈአ ሰብ [በያን ማቱሉ] ምስ ጸወዐ ግን ካብ ሞንጎኦም "ኣብዚ ኣለኹ" ዝብል ድምጺ ተሰምዐ።
እቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ጉጅል እዚ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ሰብ ካብ መጀመርታ ምስኦም ከም ዘይወፈረ ምስ ኣረጋገጹ፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ንበያን ማቱሉ ፈልዩ እቲ ኹነታት ከመይ ምዃኑ ከረድኦ ሓቲትዎ።
በያን ማቱሉ "በጃኹም ብሕማቕ ከይትቀጽዑኒ፡ ኣቦይ ነዚ እንተሰሚዑ ክቐትለኒ'ዩ" ከም ዝበሎም እታ መደበር ተለቪዥን ኣቃሊሓ።
ድሕሪ እዚ ክስተት፡ እቶም ኣብ ምድላዩ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ዝርከብዎም ጉጅለ፡ ንበያን ሒዞም ናብ ገዝኡ ውሲደምዎ፤ ይቅጽዕዎ ኣይቅጽዕዎ ግን ኣብቲ ጸበጻብ ኣይሰፈረን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







