ጠፊኡ ዝተባህለ ቱርካዊ ምስቶም ዝደልይዎ ዝነበሩ ጉጅለ ብምዃን ንነብሱ ክደልያ ውዒሉ

ንዞባ ቡርሳ ዘርኢ ካርታ ቱርኪ
መግለጺ ስእሊ, ንዞባ ቡርሳ ዘርኢ ካርታ ቱርኪ

ኣብ ቱርኪ ብሃንደበት ድሃዩ ዘጥፈአ ውልቀ ሰብ፡ ብኣጋጣሚ ምስቶም ንዕኡ ንምድላይ ዝተዋፈሩ ጉጅል ብምዃን፡ ንዕኡ ይደልዩ ከም ዘለዉ ከይፈለጠ ምስኦም ኮይኑ ንሰዓታት ከም ዝደለየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እቲ በያን ማቱሉ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምስ የዕሩኹቱ ኮይኑ ብሰሉስ ኣብ ዞባ ቡርሳ ኣብ ዝርከብ ጫካ ኮይኖም ይሰትዩ ነይሮም።

ብሃንደበት ግን ካብ የዕርኹቱ ብኸመይ ከም ዝተፈላለየ ከይተረደኦ፡ ናብቲ ካብቲ ጫካ ዘውጽእ መንገዲ ክምለስ ኣይክኣለን።

ድሃዩ ዝጠፈኦም የዕሩኹቱን ብዓልቲ ቤቱን፡ ናብ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከይዶም ስለ ዝሓበሩ፡ ኣብቲ ክርከበሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ቦታ ዝደልየ ጉጅል ልኢኾም።

ወዲ 50 ዓመት በያን ማቱሉ፡ ብሃንደበት ምስቶም ንዕኡ ዝደልዩ ዝነብሩ ገለ ክፋል ናይቲ ጉጅለ ምስ ተራኸበ፡ ምስኦም ተሓዊሱ 'ነቲ ዝጠፈአ' ሰብ ኣብ ምድላይ ከም ዝተዋፈረ መደበር ተሌቪዥን ኤንቲቪ ሓቢራ።

ድሕሪ ሰዓታት ሓደ ካብቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ሰብ ብዓውታ ስም ናይቲ ዝጠፈአ ሰብ [በያን ማቱሉ] ምስ ጸወዐ ግን ካብ ሞንጎኦም "ኣብዚ ኣለኹ" ዝብል ድምጺ ተሰምዐ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቶም ዝደልዩ ዝነበሩ ጉጅል እዚ ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ሰብ ካብ መጀመርታ ምስኦም ከም ዘይወፈረ ምስ ኣረጋገጹ፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፖሊስ ንበያን ማቱሉ ፈልዩ እቲ ኹነታት ከመይ ምዃኑ ከረድኦ ሓቲትዎ።

በያን ማቱሉ "በጃኹም ብሕማቕ ከይትቀጽዑኒ፡ ኣቦይ ነዚ እንተሰሚዑ ክቐትለኒ'ዩ" ከም ዝበሎም እታ መደበር ተለቪዥን ኣቃሊሓ።

ድሕሪ እዚ ክስተት፡ እቶም ኣብ ምድላዩ ዝተዋፈሩ ፖሊስ ዝርከብዎም ጉጅለ፡ ንበያን ሒዞም ናብ ገዝኡ ውሲደምዎ፤ ይቅጽዕዎ ኣይቅጽዕዎ ግን ኣብቲ ጸበጻብ ኣይሰፈረን።