ኣብ ኢኳዶር ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ብዝተልዓለ ባእሲ 116 እሱራት ተቐቲሎም

ቤት ማእሰርቲ ኢኳዶር

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ታሪክ ኢኳተር ኣዝዩ ጨካነ ብዝተመልኦ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝፍለጥ ውስቲ ቤት ማእሰርቲ ብዘተልዓለ ሓያል ባእሲ 116 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ዘለዉ ተነሓናሕቲ ጉጅለታት ዝተልዓለ እዚ ባእሲ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ ዝተገልጸ ኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጥራይ ሓሙስተ ሰባት ክሳዶም እንትቑረጽ፡ ዝተረፉ ድማ ብጥይት ተቐቲሎም ተባሂሉ።

ላዕለዋይ ኣዛኢ ፖሊስ ዝኾነ ፋዉስቶ ቡኔናዎ፡ እቶም እሱራት ቦምባ ከይተረፋ ከምዝተወራወሩ ገሊጹ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ መሊስካ ንምቁጽጻር ልዕሊ 400 ፖሊስ ናብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ተባሂሉ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣዝዮም ፍሉጣት ዓለምለኸ ጉጅለታት ኣዛወርቲ ዕጸ ፋርስ ዝእሰርሉ ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ።

ገለ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሃን ከም ዝጸብጸበኦ፡ እቲ ባእሲ፡ ብሓደ ፍሉጥ ዓለም ለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ ትእዛዝ ዝተጀመረ እዩ'ውን ተባሂሉ።

ሓላፊ ምምሕዳር ኣብያተ ማእሰርቲ ኢኳዲር፡ ንሓደ ናይታ ሃገር ራድዮ ከም ዝተዛረቦ፡ 'እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝርብሽ' ክብል ገሊጽዎ።

"ሰሉስ ሰዓት ሸሞንተ እቲ ኲናት ምቁጽጻር ክኢልና ነይርና። እንተኾነ፡ ንኣጋ ምሸቱ ናይ ተኹሲን ፍንጀራትን ድምጺታት ተሰሚዑ። ሎሚ ንጎሆ ግን እቲ ኩናታት መሊስና ክንቆጻጸሮ ክኢልና" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ፡ ንጉሆ ናብ'ቲ ባእሲ ዝተልዓለሎም ክፍሊታት እንትኣትዉ ብዙሓት ኣስክሬናት ምርካቦም ተዛሪቡ።

ንሱ ወሲኹ ከም ዝበሎ፡ ገለ እሱራት ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ብዝተጓሕጎሐ ቱቦ እዮም ሓሊፎም መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

በዚ ሓያል ባእሲ ካብ ዝተቐትሉ ብተወሳኺ ካልኦት ልእሊ 80 ዝኾኑ ድማ ከቢድ መቑሰልቲ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ።

ፖሊስ ሽድሽተ ኣብሰልቲ መግቢ መውጽኢ ብምስኣን፡ ካብ ዝተሓብእሉ ክረኽቦም ከም ዝኸአለ ድማ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢኳዶር፡ ኣብ ልዕሊ ምሕደራ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ምስ ኣብ ሜክሲኮ ዝንቀሳቐስ ሰናሎኣ ዝተባህለ ዓለምለኸ ኣሰጋጋሪ ዕጸ ፋርስ፡ ምትእስሳር ዘለዎ ሎስ ቾኔሮስ ዝተባህለ ጉጅለ ኣባላት ዝእሰርሉ እዩ።

ጃሊስኮ ኒው ጄኔሬሽን ዝተባህለ ካልእ ጉጅለ ወሮበላታት ድማ፡ ምስ'ቲ ኣብ ኢኳዶር ዝርከብ ጉጅለ ብምምስጣር፡ ናብ ማእከላዊ ኣመሪካ ንምስፍፋሕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ኢኳዶር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዓቕሚ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ክሽከሞ ካብ ዝኽእል 30 ሚኢታዊ ንላዕሊ ኮይኑ ኢሉ።

እዚ ንምፍታሕ ብቐሊል ገበናት ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ዝተፈረደሎም ዓመታት ማእሰርቲ ብምንጉዳል ንምፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ነይሩ።