ኣፍጋኒስታን፡ ሰብ መዚ ስምምዕ ኣመሪካን ጣሊባንን ንውድቀት ኣፍጋኒስታን ኣቀላጢፉዎ ኢሎም

ጀነራል ማክኬንዚ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕን ጉጅለ ጣሊባንን ብዝተበግረ ስምምዕ ንኣፍጋኒስታን ክቆጻጸራ ከም ዝኽኣለ ተዛሪቦም።

እዚ 'ስምምዕ ዶሃ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብ2020 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣመሪካ ሰራዊታ ካብታ ሃገር እተውጽአሉ መዓልቲ ኣስፊሩ ይርከብ።

ጀነራል ፍራንክ ማክኬንዚ እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ወተሃደራትን "ብሓቂ ጎዳኢ ውጽኢት" እዩ ዘለዎ ኢሉ።

ሚኒስትር ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን'ውን በዚ ሓሳብ ብምስምማዕ ጣሊባን "ንክጠናኸር ሓጊዙ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ስምምዕ ዶሃ ከም ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጉጅለታት ሽበራ ድሕነት ኣመሪካን መላፍንታን ኣብ ሓደጋ ከየውድቑ ስጉምታት ንክወስድ ጣሊባን ሓለፍነት ከም ዘለውዎ ይድንግግ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንድሓር ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምውጻእ መደብ ክቕጽሎ እንከሎ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ካብ ግንቦት ናብ መወዳእታ ነሓሰ ዝብል ክናዋሕ ከም ዝተገብረ ይፍለጥ።

ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ትማሊ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ሓይልታት ወጻኢ ዜጋታቶም ከውጽኡ እንከለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተስፋ ዝቖረጹ ኣፍጋናውያን ክምሕጸኑዎም እንከለው ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ብዝተላዕለ ናዕቢ 182 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

መራሒ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ጀነራል ማክኬንዚ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ብላዕለዋይነት ይቆጻጸሮ ነይሩ።

ጀነራል ማክኬንዚ ንኮሚቴ ኣገልግሎት ምክልኻል እቲ ባይቶ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ስምምዕ ዶሃ መንግስቲ ኣፍጋን ዝረኽቦ "ኩሉ ዓይነት ሓገዝ መዓዝ የብቅዕ" ዝብል መዓልቲ ፈልዩ ዘቐመጠ ስለ ዝኾነ ከቢድ ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ኣሕዲሩ'ዩ ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ወተሃደራዊ ኣማኸርታ ትሕቲ 2500 እንተገይራቶም መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ሰራዊቱን ምውዳቖም ኣይተርፍን ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ'ውን ሓቢሩ።

ድሕሪ ስምምዕ ዶሃ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ፕሬዝደንት ባይደን ቑጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ክንኪ ዘሕለፎ መምርሒ ድማ "ካልእ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቅ ሬሳ ዘሎ ሚስማር" ነይሩ ክብል ገሊጹዎ።

ኦስቲን ብወገኑ ኣመሪካ ኣንጻር ጣሊባን እተካይዶ ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ክተብል ኣብቲ ስምምዕ ብምእታው "እቲ እስላማዊ ጉጅለ ተጠናኺሩ፤ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ዝፍጽሞ መጥቃዕቲ ወሲኹ። ኣፍጋናውያን ሰሙናዊ ብዙሓት ሰባት ይስእኑ ነይሮም" ክብል ተዛሪቡ።

እቶም ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ብሰሉስ'ውን ምስ ኮሚቴ ኣገልግሎት ኣጽዋር ኲናት ዝተዛተዩ ኮይኖም፡ ጀነራል ሚሌይን ጀነራል ማክኬንዚን ኣመሪካ ሰራዊታ ቅድሚ ምውጽኣ ኣብ ኣፍጋኒስታን 2500 ወተሃደራት ክጸንሑ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

ጀነራል ሚሌይ ወሲኹ ጣሊባን ምስ ኣልቃዒዳ ዘለዎ ርክብ ዘይበተኸ ኣሸባሪ ጉጅለ ስለ ዝኾነ ኣመሪካውያን ካብ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምሕላው ከቢድ'ዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሚጃሂድ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ጣሊባን "ካብ ኣፍጋኒስታን ተላዒሎም ንኣመሪካ ሓዊሱ ንዝኾነት ሃገር ዘብጽሑዎ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ከም ዘይህሉ ንዓለም ውሕስና ሂቡ'ዩ" ኢሉ።

"ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን እስላማዊ ኢመሬት ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዶሃ ዝተፈረመ ስምምዕ ክንትግብር ድሉዋት ኢና። ኣመሪካን መላፍንታን'ውን ድሉዋት ክኾና ንደሊ። ኣሉታዊ ርኢይቶታት ካብ ምሃብ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር እንገብረሉ መገዲ ክመርጻ ዝሓሸ'ዩ" ኢሉ።