ቱርኪ፡ ንኢትዮጵያ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ተዕጥቕ ምህላዋ ንዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጋቶ

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ: ያፕራክ ኣለፕ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ: ያፕራክ ኣለፕ

ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተዕጥቕ ኣላ ንዝብል ጸብጻብ፡ ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ “ሓሶት እዩ” ክብል ነጺግዎ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘገልግሉ ኣብ ቱርኪ ዝተሰርሑ ድሮናት ኣእትዩ ኣሎ ዝብል ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ኤምባሲ ምላሽ ዝሃበ።

እቲ ኤምባሲ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ድሮናት ተቕርብ ኣላ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት እዩ” ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ምፍጻሙ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ።

ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር ክትኸውን እንከላ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ብዛዕባ ዘለወን ምትእስሳር ግና ብዙሕ ዝፍለጥ የሎን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ 5ይ ዓመት ንምዝካር ብሓሙስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ቱርክን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ሚሽናትን ዝርርብ ከም ዘካየደ ማእከን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

ኣምባሳደር ያፕራክ ኣለፕ ኣብቲ ስረስርዓት ኣብ ዘስምዐቶ ቃል ኢትዮጵያን ቱርክን ክልተኣዊ ዝምድናአን የሐይላ ምህላወን ገሊጻ።

“ፖለቲካዊ ርክብና ጽቡቕ እዩ። እቲ ንግዳዊ ርክብ ክሕይል ኣለዎ፤ ኣብዚ’ውን ንሰርሕ ኣሎና። ኢትዮጵያን ቱርክን መሓዙት ሃገራት እየን ከምኡ ድማ ክቕጽላ እየን” ምባላ እቲ ማእከን ዜና ቱርኪ ጸብጺቡ።

ንሳ ወሲኻ፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ኣሸባሪ ዝተባህለ ትካል ፌቱላሕ ጉለን፡ ስግኣት ጸጥታ ከይፈጥር ኣንካራን ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ ኢላ።

“ሎሚ እቲ ኣሸባሪ ትካል ፌቱላሕ እንተተዳኸመ’ውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከቦም ሃገራት ይንቀሳቐስ ኣሎ” ኢላ።

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ወፍሪ ካብ ዝገበራ ሃገራት ኮይና ናይ ኣጭርቕትን ናይ ኤለክትሪክ መተሓላለፊ ስልክታት ዘፍርዩን ካልኦትን ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ 2.5 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ጌሮም ምህላዎም ኣናዶሉ ገሊጹ።