ቱርኪ፡ ንኢትዮጵያ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ተዕጥቕ ምህላዋ ንዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጋቶ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency
ቱርኪ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተዕጥቕ ኣላ ንዝብል ጸብጻብ፡ ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ “ሓሶት እዩ” ክብል ነጺግዎ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘገልግሉ ኣብ ቱርኪ ዝተሰርሑ ድሮናት ኣእትዩ ኣሎ ዝብል ጸብጻባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ እቲ ኤምባሲ ምላሽ ዝሃበ።
እቲ ኤምባሲ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ፡ ቱርኪ ንኢትዮጵያ ድሮናት ተቕርብ ኣላ ዝብል ሓበሬታ ሓሶት እዩ” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ስርሒታት ምፍጻሙ ቅድሚ ሕጂ ተገሊጹ ነይሩ።
ቱርኪ ምስ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ቁጠባዊ ምትእስሳር ዘለዋ ሃገር ክትኸውን እንከላ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ብዛዕባ ዘለወን ምትእስሳር ግና ብዙሕ ዝፍለጥ የሎን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቱርኪ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ 5ይ ዓመት ንምዝካር ብሓሙስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ቱርክን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ሚሽናትን ዝርርብ ከም ዘካየደ ማእከን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ።
ኣምባሳደር ያፕራክ ኣለፕ ኣብቲ ስረስርዓት ኣብ ዘስምዐቶ ቃል ኢትዮጵያን ቱርክን ክልተኣዊ ዝምድናአን የሐይላ ምህላወን ገሊጻ።
“ፖለቲካዊ ርክብና ጽቡቕ እዩ። እቲ ንግዳዊ ርክብ ክሕይል ኣለዎ፤ ኣብዚ’ውን ንሰርሕ ኣሎና። ኢትዮጵያን ቱርክን መሓዙት ሃገራት እየን ከምኡ ድማ ክቕጽላ እየን” ምባላ እቲ ማእከን ዜና ቱርኪ ጸብጺቡ።
ንሳ ወሲኻ፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ኣሸባሪ ዝተባህለ ትካል ፌቱላሕ ጉለን፡ ስግኣት ጸጥታ ከይፈጥር ኣንካራን ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ ኢላ።
“ሎሚ እቲ ኣሸባሪ ትካል ፌቱላሕ እንተተዳኸመ’ውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከቦም ሃገራት ይንቀሳቐስ ኣሎ” ኢላ።
ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ወፍሪ ካብ ዝገበራ ሃገራት ኮይና ናይ ኣጭርቕትን ናይ ኤለክትሪክ መተሓላለፊ ስልክታት ዘፍርዩን ካልኦትን ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ 2.5 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ጌሮም ምህላዎም ኣናዶሉ ገሊጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







