ናጽነት ሚድያ፡ ዓለምለኸ ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓዊሞም

በዓል መዚ ሚድያ ኢትዮጵያ: ኣዲስ ስታንዳርድ

ሕብረት ኣውሮጳ ከምኡ'ውን ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝጣበቑ ሲፒጄ፣ ኣር ኤስ ኤፍን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤፍፒጄን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ተፈሊጡ'ሎ።

በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ንኣጀንዳ ኣሸባሪ ጉጅለ የሰጉም'ዩ" ክብል ነቲ ጋዜጣ ይኽስስ።

"ነቶም ጉጅለ ሽበራ 'ሓይልታት ምክልኻል' ዝብል ኣፍልጦ ሂቡ" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ነዚ ስዒቡ እቲ ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ምሒር ከምዝተረበሸ" ብምሕባር ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ ስርሑ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ።

ነቲ ጋዜጣ ዝውንን ኩባንያ ጃከን ኣሕታሚ ብወገኑ፡ "ግቡእ መብርሂ" ከምዘይበጽሖ'ዩ ዝገልጽ።

ወኪል ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "መራኸቢ ብዙሃን ንዝኾነ ይኹን ስርዓት ዴሞክራሲ ከም ሰራውር ደም'ዮም። ጋዜጠኛት ስርሖም ብናጽነት ክሰርሑ ግድን'ዩ" ኢሉ።

ጉጅለ ዓለምለኸ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ብወገኑ ካብ በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ መብርሂ ክወሃቦ ከምዝሓተተ ገሊጹ።

እቲ በዓል መዚ ግልጺ ዘይኮነ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዝጠቅስ ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት "ጋዜጠኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ምእሳር የብቅዕ፤ ሰበስልጣን ንናጽነት መራኸቢ ሓፋሽ ከጥቅዑ የብሎምን" ኢሉ።

ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝርከብ ማሕበር ፕረስ ኣፍሪቃ ድማ ነጻ ሚድያ ኣብ ምጥንኻር ዴሞክራሲ ዓብዪ ብጽሒት ከምዘለዎ ብምሕባር "በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ብዘይገለ ምኽንያት ፍቓድ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ምስራዙ ኣቖጢዑና'ሎ" ክብል ገሊጹ።

ሲፒጄ ብወገኑ "እቶም ሰብመዚ ብቐልጡፍ ፍቓድ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ክመልሱ ኣለዎም። ጋዜጠኛታት ብናጽነት ስርሖም ክሰርሑ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ። ዝኾነ ይኹን መራኸቢ ብዙሓን ብዘይ ምምያ ['ሳንሱር']ን ትንኮያን ስርሑ ክሰርሕ ኣለዎ" ክብል መርገጺኡ ኣፍሊጡ።

መስራቲት ኣዲስ ስታንዳርድ ዝኾነት ጸዳለ ለማ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፤ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ከምዝሓሰቡ ተዛሪባ።

"ምኽንያቱ እዚ ውሳነ ትኽክለኛ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን" ኢላ።

ንናጽነት ፕረስ ከምዝግደስ ዝገለጸ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ "ናጽነት ዝህሉ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምስ ዝህሉ'ዩ" ኢሉ።

ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጸብጻባት ብቐጻሊ ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ንመንግስቲ ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ [ህወሓት] ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ከምዝተበሃለ ይዝከር። ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበራ ከተማታት ዳግም እናተቖጻጸረ ይርከብ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ክልተ መራኸቢ ብዙሃን ዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ኣብ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ፤ ጸኒሖም ድማ ሰለስተ ክፍትሑ ከለዉ ዝተረፉ ግን ዛጊድ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ ነይሩ።