ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘለው ተገሊጹ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሪሽ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Hanna Qassis

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ኩነታት እቶም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት እናኸፍአ ይኸይድ ምህላው ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእሰርቲ፡ ምቕጥቃጥ፡ ዘረፋን ዓመጽን ከምዝተፈጸመን ኣብቲ መዓስከር ሓደ ኤርትራዊ ከምዝሞተን ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዕጡቓት ምሊሻ፡ ናብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ ብምእታዉ፡ ንገለ ሰባት ኣቑሲሎም ንብረት ዘሚቶም ከምዝኸዱ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ሓቢሮም ነይሮም።

ሓደ ስደተኛ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትማሊ ረቡዕ ምሊሻ ትግራይ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ-ሓሪሽ ን19 ስደተኛታት ናብ ዘይተፈለልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎምን፡ ሓደ ካብኦም ከኣ ብረት ክሽከም ኣዚዞሞ ምስኣበየ ከምዝቐተልዎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት፡ ጭውያታት፡ ማእሰርትን ጎነጽን ከምዝተፈጸመ እሙንን ዝተረጋገጸን ሓበሬታ ኣለና" ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ ኲናት ዝተቐርቀሩ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ "ጎነጽን ምፍርራሕን" ደው ክብል ድማ ጸዊዑ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ከምዝተኣስሩ ብምጥቃስ፡ ካብ ሰብ መዚ ትግራይ መብርሂ ክወሃቦም ከምዝሓተቱ'ውን መግለጺ ፊሊፖ ግራንዲ ይሕብር።

"ብዘይ ሕጊ ዝተኣስሩ ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ብህጹጽ ክፍትሑን [ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት] ክበጽሖም ክፍቀደሉን ጸዊዕና ኣለና" ድማ ኢሉ።

ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ሬዳ ንሮይተረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታቶም ኣንጻር ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘይኮኑ ብምግላጽ፡ ውሕስነት እቶም ስደተኛታት ከምዝሕሎን ነቲ ክስታት ከጻርይዎ ምዃኖምን ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ድልየት እንተለዎም ከምዘፍቕዱሎም እውን ተዛሪቡ።

ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ (ኣራ) ብወገኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ዓፈናን፡ ማእሰርትን ክኹንን ጸዊዑ።

ሓላፊ እቲ ትካል ተስፋሁን ጎበዛይ፡ ነቶም ስደተኛታት ካብቲ ኩናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ብቕልጡፍ ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዝዎም መደብ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

መግለጺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩናት፡ ኣብቲ ከባቢ ዘለው ሰራሕተኛታቱን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ናብቶም መዓስከራት ክኸዱ ከምዘይክእሉ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓትን፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ከኸብሩ ግደታ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ።

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝወደቑ ይፍለጥ።

ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ 79 ኣብ ሽረ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ክሰጋገሩ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።