ኣብ ዝሓለፈ መረጻ ዘይተኻየደሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ኣብ 20 መስከረም ክካየድ ተወሲኑ

መረጻ

ምንጪ ስእሊ, NEBE

ኣብ 14 ሰነ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ድምጺ ኣብ ዘይሃቡ ክልላት መረጻ ዝርከቡ ሰባት ኣብ 20 መስከረም ከድምጹ ተወሲኑ።

ቦርድ መረጻ ትማሊ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብቶም ክልላት ምስ ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ዘተ ድሕሪ ምክያድ ናብዚ ውሳነ በጺሕና ኢሉ።

እቲ መረጻ ኣብ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረሪን ደቡብን ዝካየድ ኮይኑ፤ ብተወሳኺ’ውን ን14 ሰነ ቆጸራ ተታሒዙሉ ዝነበረን ዝተናውሐን ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ 20 መስከረም ከምዝካየድ እቲ ቦርድ ገሊጹ።

ቦርድ መረጻ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ብመንጽር እታ ሃገር ሕዚ ዘላትሉ ኩነታት ኣብቲ ዝተገለጸ እዋን “መረጻ ምክያድ ግቡእ ኣይኮነን” ዝብል ርእይቶ ዝሃቡ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

እንተኾነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተኻየደ መረጻ’ውን እታ ሃገር ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ጸጥታ ኮይና ከምዝተፈጸመ ብምዝኽኻር፤ እቲ ን20 መስከረም ዝተሓሰበ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ዝሓሸ ኩነታት ጸጥታ ዘለዎም ከባብታት ብምልላይ ምክያድ ከምዝከኣል ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ተናዊሑ ዝጸንሐ መረጻ ክካየደሉ ተወሲኑ ዘሎ መዓልቲ ምስ በዓል መስቀል ዝቐረበ [ኣብ ጽባሕ] ብምዃኑ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝሓተቱ’ውን ነይሮም።

ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ 14 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስ ስግኣት ጸጥታ፣ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝተረኣዩ ግድፈታትን ኣብ ምዝገባ መረጽቲ መሰረት ዝገበሩ ጥርዓናትን ንምጽራይ ጊዜ ይሓትት ብምንባሩ፤ ኣብ ገለ ክልላትን ናቑጣታት መረጻን ድምጺ ዝወሃበሉ መዓልቲ ክናዋሕ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ እቲ ቦርድ ኣብ መስርሕ ምዝገባ መረጽቲ ዓበይቲ ጸገማት ብምርኣዩ፡ ምጽራይ ክግበርን መረጻ ከይካየድን ውሳነ ዝሃበሎም ከባብታት ነይሮም’ዮም።

ብዘይካ’ቶም ምርጫ ክካየደሎም ን20 መስከረም ቆጸራ ዝሓዘሎም ክልላት፤ ኣብቶም ዝተረፉ ንዝህሉ መስርሕ ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ከምዝህብ ኣብቲ ትማሊ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣዘኻኺሩ።

ብፌዴራል መንግስቲ እንተተነጽገ'ኳ፡ ቅድም ኢላ ክልላዊ መረጻ ዘካየደት ትግራይ፡ ካብተን ብደረጃ ሃገር ዝተዳለወ መረጻ ዘይተኻየደለን ክልላት ሓንቲ ምንባራ ይፍለጥ።