ግሪኽ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽእዋ ስደተኛታት ንምኽልካል ምስ ቱርኪ ዘዳውባ መስመር ብመንደቅ ትሓጽር

እቲ ግሪኽ ኣብ ዶባ ዝሃነጸቶ መንደቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ግሪኽ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽዋ ስደተኛታት ንምክልኻል ኣብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውባ መስመር 40 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መስመር ዱልዱል መንደቅ ተኺላትሉ።

ሚኒስተር ሓለዋ ዜጋታት ግሪኽ ሚቻሊስ ክሪሶኪዲስ ብዓርቢ ናብቲ ዝተሃንጸ መንደቅ ምብጻሕ ብምክያድ ኣብ ዝስምዖ መደረ "ነቲ ክመጻና ዝኽእል ነገር [ዋሕዚ ስደተኛታት] ኢድና ኣጣሚርና ክንጸንሖ ኣይንኽእልን ኢና፡ ዶብና ዘይጠሓስን ዘይግሃስን ኮይኑ ክቅጽል እዩ" ኢሉ።

ርእይቶ ሚኒሰተር ሚቻሊስ፡ ቱርኪን ሃገራት ኣውሮጳን ነቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጽኡን ክመጽኡ ዝኽእሉን ስደተኛታት ሓላፍነት ክወስዳሎም ኣለወን ኢላ ድሕሪ ምጽዋዓ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኢርዶጋን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ግሪኽ ክርዪኮስ ሚትሶታኪስ ብቴሊፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ቁጽሪ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽኡ ዘለዉ ሰባት ዓቢ ወሰኽ የርኢ ከምዘሎ ብምግላጽ "ንኹሉ ዓቢ ብድሆ ክኾኖ'ዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢርዶጋን ብምስዓብ "ኣብ ኣፍጋኒታንን ኣብ ኢራንን ኣድላዩ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ ሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ምኽሳቱ ዘይተርፍ እዩ" ኢሉ።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ምስ ተቆጻጸራ ንህይወቶም ዝፈርሑ ሰባት ካብታ ሃገር ብዝተፈላላየ መስመራት ይወጽኡ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

ሚኒሰተር ሚቻሊስ፡ እቲ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ቅልውላው ሓዲሽ ማዕበል ስደተኛታት ክፈጥር ከምዝኽእል ስግኣቱ ብምግላጽ፡ ብዘይሓጋዊ ናብ ግሪኽ ክኣቱ ዝተረኸበ ኣፍጋናዊ ናብ ሃገሩ ክምልስዎ ምዃኖም ኣጠንቂቑ፥

ግሪኽ ኣብ 2015 ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ካብ ማእከይ ምብራቕ ዝተሰደዱ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንኽሰግሩ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ቀንዲ መስመሮም እያ ነይራ።

ካብቶም ኣብ 2015 ካብ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ኣውሮጳ ዝተሰደዱ ሰባት እቶም ኣስታት 60 ሽሕ ኣብ ግሪኽ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።